እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍርቂ ብርክታት ዕደና ፖታሽ ኤርትራ ንቻይናዊ ኩባንያ ክሽየጥ'ዩ
ኣብ ኤርትራ ዓቢ ተስፋ ዝተነበረሉ ዕደና ፖታሽ ንምምዕባል ዝተመስረተ ኩባንያ ዳናካሊ (DNK) ኣብ ዕደና ኮሉሊ ዝነበሮ ብጽሒት ብምልኡ ክሸጦ ኣፈናዊ ስምምዕ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ (ዲ-ኤን-ከይ) ብሰኑይ 03 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኩባንያ ኮሉሊ ዝነበሮ 50 ሚእታዊት ብርክታት ንቻይናዊ ናይ ዕደና ትካል ክሸጦ ምስምምዑ ሓቢሩ'ሎ።
በዚ መሰረት ሲችዋን (Sichuan Road and Bridge Group Co., Ltd.) ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ዕደና 166 ሚልዮን ዶላር፡ ከምኡ'ውን ዝነበሮ ናይ 31 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ክኸፍል ምዃኑ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዳናካሊ ዝወጸ ሰነድ የረድእ።
ግብሪ ምስ ከፈለ ድማ፡ ኣስታት 121 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኢዱ ክቕበል ምዃኑ ዳናካሊ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ፖታሽ ኣብዚ ዓመት'ዚ ንወጻኢ ክሰድድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ፡ ብዳናኪልን መንግስቲ ኤርትራ ዝውነን'ዩ። ሃገራዊ ኮርፖሬሽን ዕደና ኤርትራ ኣብቲ ኩባንያ 50 ሚእታዊት ብጽሒት ኣለዎ።
ናይ ብርኪ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ (CMSC) ነቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ናይ ፓታሽ ፕሮጀክት ከማዕበል ብክልቲኦም ወገናት ዝቖመ ትካል ምዃኑ ይፍለጥ።
ትካል ዕደና ኮሉሊ፡ ኣብ ጥሪ 2017 ኣብ ከባቢ ባዳ፡ ፍሉይ ስሙ ኮሉሊ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ፖታሽ ንምዕዳን ብወግዒ ፍቓድ ረኺቡ እዩ።
እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዕድጊ ቅድሚ ምፍጻሙ ግን፡ ብወነንቲ ብርኪ ዳናኪል፡ ሃገራዊ ኮርፖረሽን ዕደና ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራን ሰብመዚ ቻይናን ክጸድቕ ኣለዎ።
እቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ምስ ተፈጸመ፡ ኩባንያ ዳናኪል ሓድሽ ዳህሳስ ንምክያድ ህላወኡ ኣባታ ሃገር ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ክፍጸም ትጽቢት ይግበር።
"ብሰብ ብርኪ እንተጸዲቑን፡ እቲ ዕድጊ እንተ ተፈጺሙን፡ ዲ-ኤን-ከይ፡ 90 ሚእታዊት እቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ንወነንቲ ብርኪ ዲ-ኤን-ከይ ከመቓርሖ'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።
እቲ ቻይናዊ ትካል፡ ቅድመ-ዕድጊ ዝፍጸም ገምጋም (ዱ ደሊጀንስ) ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ክውድእ ከምዝተሰማምዐ እቲ ሰነድ ጠቒሱ'ሎ።
ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን (ኤስ ኣር ቢ ጂ) በቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ምስኣልን ምህናጽን ትሕተ ቅርጺ መጉዓዝያ ተወዳዳሪ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ፡ ኩባንያ ሽዳዎ ዝውነን ኮይኑ ኣብ ዕዳጋ ስቶክ ኤክስቼንጅ ሻንጋይ ዝተመዝገበ እዩ።
እቲ ትካል ኤርትራ ኣብ እትርከበን ልዕሊ ሰላሳ ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ይነጥፍ።
ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን ኣብ መጀመርታ 2016 ካብ መሻርኽቲ እቲ ብፕሮጀክት ኣስመራ ፈቓድ ዕደና ዝረኸበ ኣውስትራልያዊ ትካል ሳንሪጅ፡ ብ88 ሚልዮን ዶላር 60% ብርኪ ከምዝዓደገን፡ ካብቲ ንእምባ ደርሆ፣ ዓዲ ነፋስ፣ ጉፖ ጎልድን ድባርዋን ዝሽፍን ዕደና ፕሮጀክት ካብ 2016 ምህርቱ ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።
ፖታሽ እንታይ'ዩ?
ፖታሽዩም ሳልፌት ፖታሽ፡ ኣብ ምፍራይ ድዂዒ ዝውዕል ማዕድን ኮይኑ፡ ብመልክዕ ሳልፌት ምስ ዝከውን ፖታሽዩም ሳልፌት ወይ ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ይበሃል።
ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ኣብ ምሕርቲ ፍሩታታት፡ ኣሕምልትን ዓይነታት ፉልን ዝኣመሰሉ ካብ ክሎራይን ነጻ ዝኾነ ድዂዒ ዘድልዮም ሕርሻዊ ፍርያት ንምፍራይ ዝውዕል ተጠላቢ ድዂዒ እዩ።
እዚ ኣብ ዕደና ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ዝነጥፍ ኮሉሊ፡ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዳናካሊ ምስ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ኤርትራ ብሓባር ዘቖምዎ ናይ ብርኪ ኩባንያ ኮይኑ ከባቢ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ 2021 ወይ መጀመርታ 2022 ምፍራይን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ክጅምር መደብ ከምዝነበሮ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።