ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ትጽቢታትን ስክፍታታትን እንታይ ይመስሉ?

ምንጪ ስእሊ, PA and Reuters
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ቀጻሊ ሓፈሻዊ መረጻ እታ ሃገር 4 ሓምለ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ’ዩ።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቀውዒ ክካየድ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣቐዲሙ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ብዛዕባ’ዚ ክለዓሉ ካብ ዝኽእሉ ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።
ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ መዓስ እዩ?
ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ 4 ሓምለ 2024 ክካየድ እዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዕድመ ስልጣን ንሓሙሽተ ዓመት እዩ ዝጸንሕ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዓቃባዊ ሰልፊ እታ ሃገር ስለዝተዓወተ፡ ዝቕጽል ሓፈሻዊ መረጻ ብመሰረት ሕጊ’ታ ሃገር ጥሪ 2025 ክካየድ ነይርዎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዞባታት መረጻ ብዝብል ኣብ ዝፍለጡ 650 ከባቢታት ዝተኸፋፈለት እያ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዞም ዞባታት መረጻ ዝርከቡ መራጽቲ፡ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ወኪሉ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መንበር ዝሕዝ ሓደ ኣባል ባይቶ ይመርጹ።
መብዛሕትኦም ሕጹያት ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝውክሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ግን ብውልቂ ዝወዳደሩ እዮም።
ሪሺ ሱናክ ስለምንታይ’ዩ ኣቐዲሙ መረጻ ክካየድ ጸዊዑ?
ሪሺ ሱናክ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ መረጻ ይጽውዕ
ሪሺ ሱናክ ዝመርሖ ዓቃባዊ ሰልፊ ካብ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዳህሳሳት ርእይቶ ህዝቢ ዝረኽቦ ውጽኢት እናነከየ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብቲ ሰልፊ ዝርከቡ ገለ ፖለቲከኛታት "ነገራት ብዙሕ ከይመሓየሹ ከምዝኽእሉ፡ እቶም መራጽቲ ኣብ ቀረባ እዋን ድምጾም ክህቡ ዘሎ ድሌት ድማ፡ እቲ መዓልቲ እንተተደፊኡ፡ ዝዀነ ስዕረት ዓቃባውያን ከጋድድ ይኽእል’ዩ" ስምዒት ከምዘለዎም ኣሰናዳኢ ፖለቲካ ቢቢሲ ክሪስ ሜሰን ይገልጽ።
“ብኻልእ ኣዘራርባ ሕጂ ክካየድ እንተዘይኰይኑ ኵነታት ክገድድ ይኽእል እዩ።"
“እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተወሓደ ገለ ካብ ዕላማታቱ ከምዝተፈጸሙ፡ ወይ ድማ ይፍጸሙ ከምዘለዉ እውን ከመልክት ይኽእል እዩ።
“ኣብዚ እዋን ዘሎ ኣሃዝ ናህሪ ዋጋታት ንብረት ከም ዓወት ክምዝገብ ይኽእል’ዩ። ብርግጽ ኣብ ተግባር መንግስቲ ጥራይ ዝምርኰስ ኣይኰነን። መንግስታት ግን [ናህሪ ዋጋ] ሰማይ ምስ በጽሐ ይውቀሱ እዮም፤ ስለዚ ምስ ዝንኪ ድማ ምስጋና ክወስዱ ክፍትኑ እዮም ኢልካ ምጽባይ ርትዓዊ እዩ።
“እቲ ሰፊሕ ቍጠባዊ ምስሊ’ውን ቅሩብ ድሙቕ ይመስል።”
ኵነታት ተሳተፍቲ ሰልፊታት እንታይ ይመስል?
ዳሕረዋይ ዳህሳስ ርእይቶ ከምዝሕብሮ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ሱናክ ነቲ ጐስጓስ ካብ ቀንዲ መወዳድርቱ ዝዀነ ሰልፊ ዕዮ ኣዝዩ ድሒሩ’ዩ ጀሚሩ።
ብሓቂ ንዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ሰልፊ ዕዮ ብቐጻሊ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ’ዩ ጸኒሑ።
ብርግጽ ውጽኢት ዳህሳስ ርእይቶ ጌጋ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፤ ሱናክ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝረአ ዘሎ ምዝሕሓል ዝቕባበ ዋጋን ከምኡ’ውን ንፖሊሲ መድረኻት እተን ሰልፍታት ዝወሃብ ትዅረትን፡ እቲ ጎስጓስ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ዓቃባውያን ነገራት ንኽቕይሩ ከምዝሕግዞም ተስፋ ክገብር እዩ።
ከምቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን፡ ሰልፊ ዕዮ ጐስጓሱ ብሰፊሕ መሪሕነት እዩ ዝጅምሮ ዘሎ።
ጸረ-ስደተኛታት ዝዀነ የማናዊ ሰልፊ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ፤ እንተዀነ ዘለዎ ደገፍ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተዘርገሐ ስለዝዀነ፡ መንበር ባይቶ ንምርካብ ክጽገም ይኽእል እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ሳልሳይ ዝዓበየ ሰልፊ ዝነበረ ሊበራል ዲሞክራት ብቐጻልነት ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት 10 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ'ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብቶም ዝዓለምዎም መናብር ትዅረት ብምግባር ገለ ዓወት ክረክብ ከምዝኽእል ተስፋ ኣለዎ።
ውጥን ሩዋንዳ እንታይ ይኸውን?
ኣቐዲሙ ሪሺ ሱናክ፡ ቅድሚ እቲ ሓፈሻዊ መረጻ ገለ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ ከምዝጅምር ቃል ኣትዩ ነይሩ። ንሱ፡ ነቲ ፖሊሲ ምፍጻም ቀንዲ ቀዳምነት ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ገይርዎ፤ እዚ ድማ ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ካብ ምስጋር ዝዓግት እዩ ይብል።
ብኣጋኡ ሓፈሻዊ መረጻ ድሕሪ ምጽዋዑ ግን፡ ኣብቲ 4 ሓምለ ዝካየድ መረጻ ዳግማይ እንተተዓዊተ እቲ ውጥን ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ሰልፊ ዕዮ ስልጣን እንተሒዙ ነቲ ውጥን ክስርዝ’ዩ ቃል ኣትዩ፤ እዚ ድማ ዝዀነ ዝስደድ ሰብ ክህሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ ኣሎ።
እዚ ድሮ 305 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ዝተገብረሉ ውጥን፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ቀንዲ ሰልፍታት ኣብ ጐስጓስ መረጻ ቀንዲ ፍልልይ ዝፈጥሩ እዮም።
ቀንዲ ተወዳደርቲ በዓል መን እዮም?
ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዓበየ ብጽሒት ድምጺ ክረኽቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ክልተ ሰልፍታት፡ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባዊ ሰልፍን ሰልፊ ዕዮን እዮም።
ወዲ 44 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ዓቃባዊ ሰልፊ ይመርሕ። ኣብ 2022 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ክምረጽ እንከሎ ወዲ 42 ዓመት ዝነበረ ሱናክ፡ ኣብ ዘመናዊ ግዜ ነቲ ስልጣን ዝሓዘ ብዕድመ ዝነኣሰ መራሒ ምዃኑ ይዝከር። ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዝተመርጸ ፈላማይ ብሪጣንያዊ-ህንዳዊ'ውን እዩ።
ወዲ 61 ዓመት መራሒ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኬር ስታመር፡ ድሕሪ ጀረሚ ኮርቢን ኣብ 2020 እዩ መራሒ ናይቲ ሰልፊ ኰይኑ ተመሪጹ። ንሱ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓላፊ ዘውዳዊ ኣገልግሎት ኣኽባሪ ሕጊን ዳይረክተር ኣኽባሪ ሕጊን ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ቅድሚ መረጻ እቲ ባይቶን ኣባላቱን እንታይ ይዀኑ?
ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንጉስ እታ ሃገር ነቲ ባይቶ "ክብትን" ብወግዒ ሓቲቱ'ዩ፤ ምብታን ክበሃል ከሎ ቅድሚ መረጻ ብወግዒ ምዕጻው ማለት እዩ።
እዚ ድማ ሓሙስ 30 ግንቦት እዩ ነይሩ።
ኣባላት ባይቶ መንበሮም ስለዝስእኑ፡ ክቕጽሉ እንተደልዮም ዳግማይ ንመረጻ ጐስጓስ ከካይዱ ይግደዱ።
ልዕሊ 100 ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ከምዘይሳተፉ ገሊጾም ኣለዉ።
መንግስቲ ድማ ናብ እዋን ቅድመ-መረጻ ይኣቱ፤ እዚ ድማ ኣብ እዋን ጐስጓስ ሚኒስተራውን ክፍላውን ንጥፈታት ዝድርት’ዩ።
ውጽኢት መረጻ ምስተገለጸ እንታይ ይኸውን?
እቲ ድምጺ ምስተቘጸረ፡ ንጉስ እታ ሃገር ነቲ ዝበዝሐ ኣባላት ባይቶ ዘለዎ መራሒ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውንን መንግስቲ ክምስርትን ይሓትት።
እቲ ካልኣይ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣባላት ባይቶ ዘለዎ መራሒ ሰልፊ፡ መራሒ ተቓወምቲ ይኸውን።
ዝዀነ ውድብ ኣብ መወዳእታ ብዝሒ ኣባላት ባይቶ እንተዘይረኺቡ - ማለት ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣባላት ባይቶ ጥራይ ሕጊ ከውጽእ ስለዘይክእል - ውጽኢቱ ተንጠልጢሉ ዝጸንሕ ባይቶ ይኸውን።
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ምስ ካልእ ሰልፊ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት ወይ ከም ንኡስ መንግስቲ ኰይኑ ክሰርሕ ክውስን ይኽእል እዩ። እዚ ምስ ዘጋጥም እቲ ሰልፊ ዝዀነ ሕጊ ንኽጸድቕ ኣብ ድምጺ ካልኦት ሰልፊታት ዝተመርኰሰ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







