ዓቃባውያን፡ ኣብ ብሪጣንያ ግዱድ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ዳግማይ ክተኣታቶ ይደልዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ዓቃባውያን ኣብቲ ዝመጽእ ሓፈሻዊ መረጻ እንተተዓዊቶም፡ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ከተኣታትዉ ከምዝደልዩ ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ግዱድ ኣገልግሎት ምምላስ ነቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ተቐልቂሉ ዝነበረ ዝበሎ ምልዕዓል "ሃገራዊ መንፈስ" ንምዕባይ ከምዝኣምን ገሊጹ።
ሰልፊ ዕዮ ብወገኑ፡ ነቲ ኣስታት 2.5 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ዝሓትት ውጥን ‘ባዶ ተስፋ’ ክብል ኣናኢስዎ።
ዓቃባውያን መረጻ እንተሰሚሩሎም፡ ካብ መስከረም 2025 ጀሚሩ፡ ናብቲ ሃገራዊ ግዴታ ዝምደቡ ቀዳሞት መንእሰያት ብምምዳብ፡ ክጅምርዎ እዮም፤ ዝርዝር ሓበሬታ ድማ ብሮያል ኮሚሽን ክስራሕ ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እቲ ናብ ሰራዊት ዝግበር ምምዳብ፡ መንእሰያት ብዛዕባ ሳይበር ድሕነት፡ ሎጂስቲክስ፡ ዕድጊ ወይ ድማ ሲቪላዊ ምላሽ ስርሒታት ክመሃሩ ዘኽእሎም እዩ።
ዘይወተሃደራዊ ወለንታዊ ምደባ፡ ምስ ከም ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ፖሊስን ኤንኤችኤስን ዝኣመሰሉ ትካላት ን25 መዓልታት ምስራሕ ዘተቓልል እዩ።
ሱናክ፡ “እዛ ሃገር ዓባይ እያ ግን መንእሰያት ወለዶ ዝግባኦም ዕድላት ወይ ተመኵሮ ኣይረኸቡን፤ ኣብዛ እትናወጽ ዘላ ዓለም፡ ንሕብረተሰብና ክበታትኑ ዝፍትኑ ሓይልታት ኣለዉ።
"ኣብ መንጐ መንእሰያትና ናይ ሓባር ናይ ዕላማን ናይ ሓበንን ስምዒትን ንምፍጣር ሓድሽ ሞዴል ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምጽእ እየ።"
ወሲኹ፡ እዚ ስጕምቲ መንእሰያት "ክእለት ከጥርዩ፡ ሓደስቲ ነገራት ክምሃሩን ኣብ ማሕበረሰቦምን ሃገርናን ኣበርክቶ ክገብሩን" ዝሕግዝ'ዩ ኢሉ።
ዓቀባውያን እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ዘይተጸምዱ፡ ወይ ድማ ናብ ተግባራት ገበናት ናይ ምእታው ዝንባለ ዘለዎም መንእሰያት፡ ካብ ስምዒታት "ሽቕለት-ኣልቦነት" ክርሕቑ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ምዃኑ ይኣምኑ።
እቶም ኣብቲ ግዴታ ዘይሳተፉ መንእሰያት እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮም ግን ኣይተዛረበን።
ወሃቢ ቃል ሰልፊ ዕዮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዴቪድ ካሜሮን ኣብ 2010 ምስ እዚ ‘ዓቢ ማሕበረሰብ’ ምህናጽ ዝመሳሰል ሓሳብ ኣቐሚጡ ከምዝነበረ ገሊጹ።
ሰልፊ ዕዮ፡ “እዚ ባዶ-ተስፋ ዝዀነ ውጥን 2.5 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ዝሓትት እዩ” ክብሉ ከምዘይቅበልዎ ኣረዲኡ።
“እዚ ውጥን ኣይኰነን – ቢልዮናት ወጻኢ ዝሓትት ገምጋም’ዩ፤ ቶሪስ ነቲ ዕጡቕ ሓይልታት ድሕሪ ናፖልዮን ናብ ዝነኣሰ ኣካል ስለዘውረድዎ እዩ” ክብሉ ከሲሶም።
ወሃቢ ቃል ምክልኻል ሊበራል ዲሞክራት ሪቻርድ ፎርድ ኣባል ባይቶ፡ ቶሪስ ቁጽሪ ሰራዊት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዘውረዶ ከሲሱ።
ሪቻርድ ፎርድ፡ "ዓቃባውያን ብዛዕባ ምክልኻል ግዱሳት እንተዝዀኑ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ልዑል ደረጃ ዝነበሮ ፕሮፌሽናል ሰራዊትና ናብዚ ኣምበይመውረድዎን" ኢሉ።
“ሰራዊትና ኣብ ሓደ እዋን ንዓለም ዘቕንእ እዩ ነይሩ። እዚ ዓቃባዊ መንግስቲ ግን ቍጽሪ ሰራዊት ኣጕዲሉዎ፡ ቍጽሪ ሰራዊት ዝያዳ ንምጉዳል ድማ ቀጻሊ መደብ ኣለዎ።"
ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብ1947 ብሰልፊ ዕዮ እዩ ተኣታትዩ።
ካብ 17 ክሳብ 21 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ሰራዊት ከገልግሉ ዘገድድ እዩ ነይሩ።
እቲ ግዴታዊ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 1960 ተዛዚሙ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰር ፓትሪክ ሳንደርስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንፑቲን ንምምካት፡ "ህዝባዊ ሰራዊት" ከድልያ ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ፤ እንተዀነ ብጕጅለ ሰልፊ ሱናክ፡ "ሓጋዚ ኣይኮነን" ብምባል ተነጺጉ።
ሽወደን፡ ኖርወይን ዴንማርክን ዝኣመሰላ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ድሮ ሰራዊት ይምልመላ ኣለዋ።
መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንውሱን ግዜ ዩኒፎርም ተኸዲኖም ከገልግሉ ይጠልብ። ገለ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘለዎም - ኲናት እንተተላዒሉ ኣብ ዕቝር ኣሃዱታት ክምደቡ ይኽእሉ።
ሰራዊት እንግሊዝ፡ ኣብ 2010 ልዕሊ 100 ሽሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ጥሪ 2024 ናብ ኣስታት 73 ሽሕ ወሪዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







