ኤርትራ፡ ሓድሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ብሪጣንያ ተሸይሙ

ምንጪ ስእሊ, @david_mcilroy
ብሪጣንያ፡ ንደቪድ ማኪልሮይ ሓድሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲኣ ኣብ ኤርትራ ኰይኑ ንኽዓዪ መዚዛቶ።
እቲ ሓድሽ ተሸይሙ ዘሎ ዲፕሎማት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጆኤል ሃርዲን ተኪኡ እዩ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ብሪጣንያ ብግዚያውነት ክመርሕ ኣብዚ ወርሒ መዝነት ተዋሂብዎ ዘሎ።
ኣብ መንጐ ኤርትራን ብሪጣንያን ዝጥቀስ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከም ዘየለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ሃገራ ዝነበረ ኣምባሳደር ኤርትራ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ካብታ ሃገር ክወጽእ፡ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝኣዘዘት ተቓሊሑ ነይሩ እዩ።
እቲ ንልዕሊ 8 ዓመት ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ ብመሰረት መንግስቲ ብሪጣንያ ዘቕረቦ ትእዛዝ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ካብ ለንደን ክወጽእ ተገዲዱ እዩ።
ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ተመጣጣኒ ግብረመልሲ ናይቲ ኤርትራ ኣቐዲማ ዝወሰደቶ ውሳነ ምዃኑ ዘመልክት ምዃኑ እዩ።
ኤርትራ፡ ኣብ ቅድመኡ ዝነበረ ዓመት ንዝተመደበ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ከም ዝነጸገት ተገሊጹ ነይሩ።
ምኽንያት ናይዚ ውሳነታት ንምፍላጥ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንወልዝን ዓለምለኻዊ ልምዓትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ናብ ኣስመራ ዝመደቦ ኣምባሳደሩ ምንጻጉ ዘለዎ ተቓውሞ ንምስማዕ ኣብ መስከረም 2022 ንኣምባሳደር እስቲፋኖስ ጸዊዑ ኣዘራሪብዎ ከምዝነበረ ይገልጽ።
ብሪጣንያ፡ ሓንቲ ካብተን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ምግሃስ ሰብኣዊን ሲቪካዊን መሰላት ክነቕፋ ዝጸንሓ ምዕራባውያን ሃገራት’ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያ ነቲ ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝጸሉ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብትሪ ብምዅናን፡ ኤርትራ ገደብ ክትገብረሉ ክትጽውዕ ተሰሚዓ እያ።
ብ 5 ለካቲት ኤርትራ፡ ንፈጻሚ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ጸዊዓ "ንግጉይ ክሲታት" ሃገሩ ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ ምንባራ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ነይሩ።
"ፈጻሚ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ፡ ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐጸለን ግጉይን ክስታት ዕቱብ መጠንቀቕታ ንምሃቡ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተጸዊዑ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ “ነጻን ክፉትን ሕብረተሰብ መሰረት ርግኣትን ብልጽግናን እዩ” ኢላ ከም እትኣምን ዘቐመጠት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዝሓሸ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ዝሓሸ ቍጠባዊ ዕድላት ክፈጥር ይኽእል እዩ ብዝብል ተስፋ፡ “ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክንዋሳእ ዘቕረብናዮ ዕድመ ደጊምና ነቕርብ፡” ኢላ ነይራ።
እዚ ሕጂ ንኤርትራ ተመዚዙ ዘሎ ሚስተር ደቪድ ቅድሚ እዚ መዝነቱ፡ ዳይረክተር ልምዓት ሓባራዊ ሃብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ጊኒ-ኮናክሪ፡ ኣብ ቬና ኦስትሪያን፡ ወኪል ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልእ ጽፍሒታትን ዝሰርሐ ምኵር ዲፕሎማት ምዃኑ ድሕረ ባይታኡ ይገልጽ።
መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኡ ንዜጋታቱ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ከም ዝህብ፤ እንተዀነ ነቶም ድርብ ዜግነት ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዜጋታት ንምሕጋዝ ከም ዝጽገም’ውን ኣስፊሩ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







