ኣቦታት ሕርሲ ጭንቀት የስዕበሎም ድዩ?

ዕሸል ምውላድ ካብ ፍናንን ሓጐስን ክሳብ ፍርሕን ሻቕሎትን ዝተፈላለዩ ሓያል ስምዒታት ከስዕብ ይኽእል’ዩ።

ብዙሓት ሰባት ዘይጽበይዎ ካልእ ስምዒት’ውን ከስዕብ ይኽእል - ጭንቀት።

ጭንቀት፡ ልሙድ ኣእምሮኣዊ ጸገም እዩ።

ሻቕሎት፡ ስእነት ባህታ ከምኡ’ውን ኣብ ንጥፈታት ንነዊሕ እዋን ተገዳስነት ዘይምህላው የጠቓልል።

ይኹን’ምበር ኣብ ስሩዕ ህይወት ዘጋጥም ምልውዋጥ ስሚዒት ከም 'ቅዛነት' ዝሕሰብ ኣይኰነን።

ጭንቀት ድሕሪ ሕርሲ እንታይ’ዩ?

ብርግጽ፡ ኣስታት 20 ሚእታዊት ኣዴታት፡ ቅድሚ ሕርሲን ድሕሪ ሕርሲን ኣብ ዝርከባ ኣዋርሕ ጭንቀት የጋጥመን’ዩ - እዚ ጭንቀት እዋነ-ምላድ ይበሃል።

ብፍላይ ድሕሪ ሕርሲ፡ መብዛሕትአን ሓደስቲ ኣዴታት፡ ስምዒተን ክለዋወጥ ልሙድ እዩ። ገሊአን ይበኽያን ይሻቐላን፤ ድቃስ ዝኣብየን ኣዴታት’ውን ኣለዋ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ 2 ወይ 3 መዓልታት ክጅምርን ክሳዕ ክልተ ሰሙን ክጸንሕ ይኽእል።

ገለ ሓደስቲ ኣዴታት ግን ድሕሪ ሕርሲ ዝያዳ ከቢድን ነዊሕ ዝጸንሕን ዓይነት ጭንቀት ወይ ቅዛነት የጋጥመን እዩ።

ድሕሪ ሕርሲ ዝመጽእ ጭንqት ግን፡ ናይ ባህሪ ጉድለት ወይ ድኽመት ዘይኰነስ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሕርሲ ክፈጥሮ ዝኽእል ሕልኽላኽ’ዩ።

እዚ ኵነታት ኣብተን ኣዴታት ዝተፈላለዩ ለውጢታት ከስዕብ ይኽእል። ዝተፈላለዩ ምልክታት ኣለዎ።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሓያል ጓሂ፣ ሻቕሎት፣ ምሉእ መዓልቲ ዝጸንሕ ጭንቀት፣ ሕፍረት፣ በደለኝነት፣ ስንባደ ወይ ፍርሒ ዝኣመሰሉ ስምዒታት ገለ ካብቶም ምልክታት እዮም።

ካልኦት ምልክታት ተገዳስነት ዘይምህላው፣ ድኻም፣ ካብ ንቡር ኣዝዩ ዝዛይድ ወይ ኣዝዩ ዝውሕድ ምብላዕ፣ ክብደት ሰብነት ምውሳኽ ወይ ምጉዳል፡ ብዙሕ ምድቃስ ወይ ድቃስ ምስኣን፡ ንምውሳን ምጽጋም ይርከብዎም።

ብተወሳኺ ብቅዛነት ድሕሪ ዝሳቐያ ኣዴታት ምስ ዕሸለን ምትእስሳር ንምፍጣር ክጽገማ፡ ንነብሰን ወይ ንውላደን ክጎድኣ ወይ ድማ ነብሰ ቅትለት ንምፍጻም ክሓሳብ ይኽኣላ።

ብሰንኪ እዞም ለውጢታት ድማ ኣዴታት ንነብሰንን ይኹን ንውላደንን ኣብ ምክንኻን ክጽገማ ከም ዝኽእላ ሓካይም ይዛረቡ።

ጭንቀት ድሕሪ ሕርሲ፡ ብተለምዶ ሳዕቤን ውህደት ለውጢ ሆርሞናት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምትዕርራይ ኣደነትን ድኻምን እዩ።

ንዝዀነት ዝወለደት ጓል ኣንስተይቲ በኵነታት ክትሳቐ ተኽእሎ ኣሎ። ወዲ ተባዕታይከ? ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ ንኣቦታት’ውን የጥቅዕ ድዩ?

ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ኣቦታት

ንደቂ ኣንስትዮ ይኹን ንደቂ ተባዕትዮ፡ ቆልዓ ምውላድ ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወት ዘሐጉስ ተመክሮታት ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ይኹን’ምበር እዚ ሰፊሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር ኣብ ወለዲ ብመጠኑ ባህላዊ ጸቕጢ ከምጽእ ይኽእል - እዚ ብፍላይ ኣብቶም ቅድሚ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ምስ ከም ጭንቀትን ትሑት ስሚዒትን ዝኣመሰሉ ጸገማት ዝቃለሱ ወለዲ።

ኣዴታት ቅድሚ ሕርሲን ድሕሪ ሕርሲን ኣብ ዝርከባ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ጥዕና ኣእምሮ የጋጥመን’ዩ። እዞም ብድሆታት ኣብታ ኣደ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ንጥዕና ዕሸላ እውን ዝሃስይ ስለዝዀኑ ሕክምና ምርካብ ኣገዳሲ’ዩ።

እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንቕሓት ናይዞም ብድሆታት ጥዕና ኣእምሮ እናወሰኸ ብምምጽኡ ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጠመን ኣዴታት ሕክምናዊ ደገፍ ይረኽባ ኣለዋ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥን ትኹረት ዘይተወሃቦን ነገር፡ ኣቦታት እውን ቅዛነት ድሕሪ ምውላድ ከጋጥሞም ልዑል ሓደጋ ምህላዉ እዩ።

ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ፡ ኣብ ኣቦታት’ውን ተመሳሳሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ሳዕቤን ድማ ንቶም ዕሸላትን መጻምድቶምን ክጸልው ተኽእሎ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ መጽናዕቲታት፡ ኣስታት 10 ሚእታዊት ኣቦታት ኣብ እዋን ሕርሲ ጭንቀት ከም ዘጋጥሞም ይሕብሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ ግን፡ ብዝሒ ናይቶም ድሕሪ ሕርሲ ውላዶም ጭንቀትን ሻቕሎትን ዘጋጥሞም ኣቦታት ብምግማት፡ ብዛዕባ ዓቐን ናይቲ ጸገም ዝያዳ ንጹር ሓሳብ ዝሃበ እዩ።

ጭንቀትን ሻቕሎትን ብሓንሳብ ከጋጥም እንከሎ፡ ‘ኮሞርቢዲቲ’ ይበሃል፤ እዚ ኣብ ሓደ ሰብ ክልተን ልዕሊ ክልተ ሕማማት ወይ ሕክምናዊ ኵነታት ብሓንሳብ ከጋጥም ከሎ ማለት እዩ።

ኮሞርቢዲቲ፡ ዝያዳ ከቢድ፡ ዝተሓላለኸን ክሕከም ዘለዎን ኵነታት ከም ዝዀነ ክኢላታት ይሕብሩ። ብተወሳኺ፡ ንምሕካሙ ዝኸብድን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ዕሸላትን መጻምድትን ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕብ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ካናዳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ብሲንዲ-ሊ ደኒስ እትምራሕ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 2,500 ኣቦታት መጽናዕቲ ኣካይዳ።

ብመሰረት ርኽበታት እቲ መጽናዕቲ፡ ዳርጋ ካብ ኣርባዕተ ኣቦታት ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ውላዶም ኣብ ገለ እዋን ክልቲኡ ጭንቀትን ሻቕሎትን የጋጠሞም። እታ ቀዳመይቲ ዓመት ምስ ሓለፈት ግን፡ ክልቲኡ ጭንቀትን ሻቕሎትን ዘጋጠሞም ኣቦታት ካብ ሸሞንተ ሓደ’ዩ።

እዚ ልዑል መጠን “ኣብ እዋን ድሕሪ ሕርሲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኽልቲኡ ጭንቀትን ሻቕሎትን ኣጋጢምዎም ከይኸውን መርመራ ብኣግኡ ምትእትታውን ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ” ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።

እዚ ልዑል መጠን ኣሃዛት ንገለ ሰባት ከገርም ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ብኸፊል ምስቶም ንኣቦታት ብቐጥታ ከም ዘይጸልዉ ዝሕሰቡ ጉዳያት ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ እዩ። ንኣብነት ምስ ኣጸጋሚ ጥንሲ ወይ ለውጢ ሆርሞናት ዝኣመሰሉ ጉዳያት’ዩ ዝተሓሓዝ።

ይኹን’ምበር ኣቦነት ምስ ርኡይ ስነ-ህይወታዊ ሳዕቤናት እውን ከም ዝተኣሳሰር ዝሕብሩ መርትዖታት ይቕልቀሉ ኣለዉ።

ሓደስቲ ኣቦታት ኣብ ሓንጎሎም ለውጢ ከም ዝመጽእን መጠን ቴስቶስትሮኖም እውን ከም ዝንክይን መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጭንቀትን ሻቕሎትን ዘስዕቡ ረቛሒታት ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ባህሪ ዘለዎም እዮም።

እቲ ኣብ ካናዳ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ታሪኽ ሕማም ኣእምሮ፡ ማሕበራዊ ደገፍ ዘይምርካብ፡ ዘይተማልአ ጥዕና፡ ምስ ዕሸላት ጥዑይ ምትእስሳር ኣብ ምፍጣር ዘጋጥሙ ጸገማትን ከምኡ’ውን ምስ ዕሸልን ኣዶን ዝህሉ ኣጸጋሚ ርክብ ገለ ካብቶም ረቛሒታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ የመልክት።

ብሓጺሩ፡ ዋላ እኳ ዘይግለጽ ሓጎስን ፍቕርን ክህሉ ተኽእሎ እንተሃለወ፡ ኣቦ ምዃን ጽዑቕ ለውጥታትን ብድሆታትን ዝረኣየሉ እዋን’ውን እዩ።

“ድሕሪ ቆልዓ ምውላድ ኣብ ዝህሉ ምስግጋር ኣቦታት፡ ኣብ መንጎ መን ከም ዝነበሩን መን ይዀኑን ከም ዘለዉን ዘይምስምማዕ ከጋጥሞም ይኽእል” ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።

በይኖም ከም ዝዀኑ ዝስምዖም፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስነ-ኣእምሮኣዊ ተቓላዕነት ዘለዎምን/ወይ ድማ ምስታ ኣደ ኣብ ዘለዎም ርክብ ዝተጸገሙን ኣቦታት፡ ጭንቀትን ሻቕሎትን እንተጋጠሞም ዘገርም ኣይኰነን።

ሕርስን ድሕሪኡ ዝመጹ ሳዕቤናትን ብቐንዱ ንደቂ ኣንስትዮ ብድሆታት ምዃኖም ይፍለጥ፤ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ኣቦታት ድማ ኣብዚ እዋን ጽኑዓት፡ ዕጉሳትን ደገፍትን ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ሰፊሕ ባህላዊ ትጽቢታት ኣሎ። እዚ ትጽቢታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣቦታት ዝስምዖም ጭንቀትን ሻቕሎትን ዘጋድድ እዩ።

ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ ብኸመይ ይምከት?

ንነፍሰጾራትን ኣዴታትን ደገፍ ዝህቡ ኣገልግሎታት ኣለዉ፤ እንተዀነ እዞም ኣገልግሎታት ንኣዴታት ወገናውነት ከርእዩ ልሙድ’ዩ።

ዶክተር ሳራ ማክሙለን፡ ሓላፊት ናይ ‘ዘ ናሽናል ቻይልድበርዝ ትራስት’ ዝተበሃለ ንወለዲ ዝድግፍ ትካል ግብረ ሰናይ ትካል እያ እትሰርሐ።

እዛ ዶክተር፡ “ሓደስቲ ኣቦታት ብኣካል ዘይወለዱ ክዀኑ ይኽእሉ፡ እንተዀነ ግን ዓቢ ናዕቢ ዝረኣየሉ እዋን ይገጥሞም እዩ” ብምባል ኣብ ዝምድናታቶም፡ ቁጠባዊ ዓቕሞን ኣብ ስድራቤታዊ ህይወቶምን ዝገጥምዎም ብድሆታት ዓቢ ጸቕጢ ከስዕበሎም ከም ዝኽእል ትዛረብ።

"ጽኑዓት ኩኑ ዲና ክንብሎም? መዓንጣኹም ሸጥ ኣብሉ ጥራይ ዲና ክንብሎም ዘለና? ብርግጽ ኣይኰነን። እዚ ነቲ ጸገም ዘጋድድ ጥራይ'ዩ። ብዛዕባ ጭንቀት ክፈልጡን ክሕከሙን ኣድላዪ’ዩ።"

ፕሮፌሰር ቪረን ስዋሚ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጠም ጭንቀት ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኩሮ ዝጸሓፈ ክኢላ ስነ-ኣእምሮኣዊ እዩ።

ንሱ፡ ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ ንዘጋጠሞም ኣቦታት ዝሕግዙ ካብዝበሎም እማመታት፡ ኣገልግሎት ደገፍ ሓደ እዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ኣገልግሎታት ደገፍ፡ ኣብ መንጎ ኣቦታት ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ንመጀመርታ ግዜ ዝወለዱ ኣቦታትን ዓበይቲ ቆልዑ ዘለዎም ኣቦታትን ዝያዳ ዘተ ዘመቻችዉ እዮም።

ወላዲነት፡ ንኣቦታት ከምኡ’ውን ንኣዴታት ጽዑቕ ለውጢ ዝረኣየሉ እዋን ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህብ ሰፊሕ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ምትብባዕ’ውን ካልእ ሓጋዚ እማመ’ዩ። ንኣብነት ኣቦታት ዝያዳ ለጋስ ወይ ተዓጻጻፊ ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ዝረኽቡሉ ኣሰራርሓታት ምትእትታው ክኸውን ይኽእል።

ብርግጽ ንቕሓት ብዛዕባ ብድሆታት ጥዕና ኣእምሮ ኣቦታት ንምድጋፍ ተባሂሉ ንኣዴታት ዝግበር ደገፍ ክጎድል ግቡእ ኣይኰነን።

ኩሎም ወለዲ፡ ከመይ ጌሮም ንሓድሕዶም ክደጋገፉ ከም ዝኽእሉ ኣገልግሎት ምኽሪ እንተረኺቦም ተረባሕቲ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።

ብተወሳኺ ብኣገልግሎት ምኽሪ ኣቢሉ ይኹን ብሓባራዊ ዘተ፡ መጻምድቲ ከመይ ጌሮም “ሓባራዊ ወላዲ” ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ኣገዳሲ’ዩ።

እዚ ድማ ብሓባር ቆልዑ ምዕባይ፡ ብሓባር ምውሳን ዕማማት ብፍትሓዊ መንገዲ ተማቒሎም ንጥፈታቶም ምክያድ ዝኣመሰሉ የጠቓልል።