ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዘበናት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ጸገማት ብዘተን ሃገራዊ ምኽክርን ክፍታሕ ከም ዘለዎ ብዙሓት ርእይቶኦም ክህቡ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ መንጎ ሊቃዉንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘሎ ዘይምቅድዳውን ዘይምትእምማንን ድማ እታ ሃገር ናብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር እትገብሮ ጻዕሪ በዳሂ ከም ዝገበሮ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብታ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርኣዩ ጎንጽታት መዕለቢ ብዘይተገበረሎም ታሪኻዊ ክስተታትን ፖለቲካዊ ኣፈላላይትን ዝመጽኡ’ዮም።

ከም ሃገር ዝረኣዩ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ንምጽባብን ብዘላቕነት ንኽፍትሑን ሃገራዊ ምኽክር ከም ዘድሊ ሊቃዉንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብመረጻ ጥራሕ ዝፍታሕ ስለ ዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ መእንቲ ክፍጠር የኽእል’ዩ ዝተባህለሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብኣዋጅ ደረጃ ተጣይሹ ዝተፈላለዩ ተግባራት ክፍጽም ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካዊ ሻራዉነት ናጻ፣ ካብ መንግስቲ ይኹን ካልእ ኣካል ጽልዋ ዘይብሉን ዓርሱ ዝኸኣለ ሕጋዊ ሰብነት ዝተላበሰ ኰይኑ ተጸዋዕነቱ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዝዀነ ኣብቲ ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ ብግልጺ ተቐሚጡ’ዩ።

ኣብታ ሃገር ምትእምማን ዝዓሰሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ንኽምስረት ክሰርሕ’ዩ ተባሂሉ ድማ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን 11 ኮሚሽነራት ተሰይመምሉ ካብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 ወርሒ ለካቲት [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ስራሕ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ምርድዳእ ንከይህሉ ማሕለኻ’ዮም ተባሂሎም ብዝተነጸሩ ጸገማት ፈልዩ መፍትሒ ብምትእልላሽ ስራሕ ምጅማሩ ይንገር።

እቶም ነቲ ኮሚሽን ክመርሑ ዝተረቑሑ ዘይሻራውያን ከም ዝዀኑ ዝዝረበሎም 11 ሰባት ኣብቶም ዝተነጸሩ ርእሰ ጉዳያት ዘተ ንክግበረሎም ይሰርሑ።

እንተዀነ ሕጂ’ውን ኣብቶም ቀንዲ ርእሰ ጉዳያት ዘተ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ እቲ ኮሚሽን ሓደ ምእኹል ዝዀነ ሓሳብ ክህቡ ኣይረኣዩን።

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዘሕለፈ ኣቶ ሌንጮ ለታ “ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን እትቃለሶም ዘላ ፖለቲካዊ ጸገማት ካብቶም ቀዳሞት ስርዓታት ተደፊኦም ዝመጽኡ’ዮም” ይብል።

“ንሕና ቅድሚ 50 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ክንጅምር እንከለና ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ብሄር፣ ቋንቋን ባህልን’ያ ተባሂሉ ይስበኽ ነይሩ። ንሕና ድማ ልክዕ ኣይኮነን ኢትዮጵያ ኢምፓየር’ያ ንብል ኔርና። ካብዚ ተበጊስና ድማ መሰልና ክነኽብር ኢና ኢልና ናብ ቃልሲ ወጺእና” ኢሉ ብኸመይ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝወጽአ ይዝክር።

ድሕሪ 1983 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ግን ኢትዮጵያ ብዙሓት ብሄራት ዝነብሩላ ሃገር ስለ ዝዀነት፤ ህዝብታት ሓቢሮም ክነብሩ ዘኽእሎም ናይ ብሄራት ፌደሬሽን ተመስሪቱ።

እዚ ድማ ንባዕሉ ሓደ ስጉምቲ’ዩ ነይሩ ዝበለ ኣቶ ሌንጮ ይኹን እምበር እቲ ፌደሬሽን ዴሞክራሲያዊ ባእታ ስለ ዝጎደሎ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጂ ገጢምዋ ዘሎ ጸገም ኣቃሊዕዋ’ዩ በሃላይ’ዩ።

ኣቶ ሌንጮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይቲ ሃገራዊ ምርድዳእ ከምጽእ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣማኸርቲ ኰይኖም ካብ ዝሰርሑ ፖለቲከኛታት ሓደ እዩ።

“ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓንትን ሓንትን ምርጫ ጥራሕ’ዩ ዘለዋ። ንሳ’ውን ንብዙሓት ዘተኣናግድ ፌደሬሽን ዲሞክራስያዊ ምግባር’ዩ። እንተዘይኰይኑ ግን መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ክወድቕ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ” ይብል።

ኣቶ ሌንጮ “ስርዓት ክፈርስ እንከሎ ዘለዎ ሳዕቤን ድማ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶማልያ ርኢና ኢና። ሓደ ቋንቋ፣ ባህልን ሃይማኖትን ዘለዎ ህዝቢ ድሕሪ 30 ዓመት ተመሊሱ ሃገሩ ክሃንጽ ኣይከኣለን” ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ንሱ ካብቲ ናይ ሶማልያ ኣብነት ተበጊሱ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ሓደጋ እንተድኣ ገጢምዋ ተመሊስካ ንኽትሃንጾ ኣቕሊልካ ዝርአ ከምዘይኮነ’ዩ ዝሕብር።

ኣቶ ሌንጮ ለታ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ጸገማት ዲሞክራስያዊ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ምፍታሕ ዓብይ ተራ ከምዝህልዎ ድሕሪ ምግላጽ ደጋፊ ናይቲ ኮሚሽን ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ህዝቢ ኦሮሞ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኽዕወት ልዕሊ ማንም ናይ ባዕሉ ሓላፍነት ክዋጻእ ከም ዘለዎ ጸዊዑ።

“ኦሮሞ ኣብቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፍ ኣለዎ። እቲ ሕብረተሰብ ነንባዕሉ ክረዳዳእ እንተዘይኪኢሉ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዘይክዕወት ይኽእል’ዩ። እንተዘይተዓዊቱ ዝጉዳእ ድማ ኩሉ’ዩ። ኦሮምያ ኰነ ኢትዮጵያ ኣይክህልዋን’የን። ብዙሓት ዓበይቲ ጸገማት ክፍጠሩ ይኽእሉ’ዮም” ብዝብል ዘለዎ ስግኣት ኣቐሚጡ።

ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ [ኦፌኮ] ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኑ ዝመርሖ ውድብ ኣብታ ሃገር ሃገራዊ ምኽክር ንኽመጽእ ንብዙሕ ዓመታት ዝሓተተሉ ርእሰ ጉዳይ ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ።

እንተዀነ እቲ ኮሚሽን ሕጂ ተዋቒርሉ ብዘሎ መገዲ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ንዘሎ ጸገማት ክፈትሕ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

“ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ገና ባይታ እንተይረገጸ ዝሞተ ነገር’ዩ። እዚ ኮሚሽን ንሓደ ክልተ ዓመት ትያትር ተጻዊቱ ዝሓልፍ እምበር ቅውም ነገር ዘለዎ ኣይኰነን” ዝበለ ፕሮፌሰር መረራ፡ እዚ ንኽብል ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣቋውማ እቲ ኮሚሽን ካብ መንግስታዊ ወገን ስለ ዝዀነ’ዩ ኢሉ።

ፕሮፌሰር መረራ ኣስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ኩሉ ባማዕረ ክሳተፍ ነይርዎ። እዚ ማለት ከኣ ካብ መንግስታውን ተቓወምትን ዝሓወሰ ክኸውን ነይርዎ። ሽምግልና ዝግበር ካብ ክልተኡ ወገን እምበር ካብ ሓደ ወገን ኣይኮነን ዝግበር። መንግስቲ ነዚ ኮሚሽን ዘጣየሾ ነዚ ግዜ እዚ ክሓልፎ ስለ ዝደለየ’ዩ። ሓደ ተጻዋታይ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ከዕውት ደልዩ ዘጣየሾ ኮሚሽን’ዩ” ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዋላ ሓንቲ ትጭበት ቅውም ነገር ከም ዘይሰርሐ ዝጠቐሰ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ መንግስቲ ግዜ መዕደጊ ኢሉ ዘጣየሾ ኮሚሽን ከም ዝዀነ’ዩ ዝኣምን።