ኢራን፡ ብኽሕደት ሃገር ንዝጠርጠረቶም ትኣስርን ትርሽንን ኣላ

ሰብመዚ ኢራን፡ ኣብ ፅባሕ እቲ ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት እስራኤል ኢራን ትርከብ ቴህራን፡ ምስ ትካላት ስለላ እስራኤል ምትእስሳር ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም ሰባት ማእሰርትን መርሸንትን ፈፂሞም።

ሰብመዚ፡ ሰለልቲ እስራኤል ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ናብ ኣገልግሎት ድሕነት ኢራን ሸሊኾም ከም ዝኣተዉ ምግላፆም ስዒቡ'ዩ እዚ ማእሰርትን መርሸንትን ተፈፂሙ ዘሎ።

ሰብመዚ ኢራን፡ ንእስራኤል ተመሓላሊፉ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ንዝተፈፀመ ተኸታታሊ ቅትለታት ፍሉጣት ሰባት ግደ ከም ዝነበሮ እዮም ዝኣምኑ።

እዚ ንቕትለት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን ስነፍልጠተኛታት ንዩክለርን ኢራን ዘጣቕልል ኰይኑ፡ ቴህራን እዚ ቅትለት ናብ ውሽጢ ኢራን ብዝኣተዉ ሰለልቲ ሞሳድ ከም ዝተፈፀመ ትገልፅ።

ብመጠንን ትኽክለኛነትን እዞም ቅትለታት ዝተሰናበዱ ሰብመዚ፡ ድሕነት እታ ሃገር ንምውሓስ ብዝብል፡ ንወፃእተኛታት ሰሊሎም ኢሎም ንዝጠርጠርዎ ዝዀነ ሰብ ዒላማ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም።

ብዙሓት ግና፡ እዚ ስጕምቲ ንዝመፅኡ ተቓውሞታት ንምዕፋንን ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝግበር ቍፅፅር ንምጥንካርን'ዩ ዝብል ሻቕሎት ኣለዎም።

ኣብቲ ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኵናት፡ ሰብመዚ ኢራን ንእስራኤል ብምስላል ዝኸሰስዎም ሰለስተ ሰባት ረሺኖም። ኣብ ፅባሕ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ብረቡዕ'ውን ካልኦት ሰለስተ ሰባት ብተመሳሳሊ ክሲ ተረሺኖም።

ብሓፈሻ ቴህራን፡ ንሞሳድ ሰሊሎም ዝበለቶም ሽድሽ ዜጋታት ረሺና ኣላ።

ካብ ሻቡ ጀሚሮም ሰብመዚ ኢራን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ብስለላ ዝተጠርጠሩ ኣማኢት ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ኣፍሊጦም።

መንግስታዊ ተሌቭዥን እታ ሃገር፡ ምስ ትካል ድሕነት እስራኤል ከም ዝተሓባበሩ ናይ ዝተኣመኑ እሱራት ቃል እምነት ኣቓሊሑ።

ጕጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ነጠፍትን፡ ኢራን ገበናት ንዘይፈፀሙ ሰባት ብኣስገዳድ ንኽእመኑ ብምግባርን ዘይፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ብምክያድን ነዊሕ ዝፀንሐ ልምዲ (ሪከርድ) ከም ዘለዋ ብምሕባር ሻቕሎቶም ገሊፆም።

በዚ ድማ ተወሳኺ መርሸንቲ ክፍፀም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ሓይሉ ኣሎ።

ምኒስትር ስለላ ኢራን፡ ኣንፃር መርበባት ስለላ ምዕራባውያን ዝበሎም ሲኣይኤ፡ ሞሳድን ኤም16ን ኣብ "ዘየናሕሲ ውግእ" ከም ዘሎ ገሊፁ።

ከም ሓበሬታ እቲ ምስ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ርክብ ዘለዎ ኣገልግሎት ዜና ፋርስ፡ እስራኤል ብ13 ሰነ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ትጅምር ንደሓር፡ መሓውር ስለላ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኢራን ዘካይዶ ንጥፈታቱ ዓብዩ ኣሎ።

ፋርስ፡ ሓይልታት ፀጥታን ድሕነትን ኢራን ኣብቲ ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኵናት፡ ምስዚ መርበብ "ርክብ ዘለዎም ልዕሊ 700 ውልቀሰባት ከም ዝኣሰሩ፡" ኣቃሊሑ።

ኢራናውያን፡ ስልኪ ቍፅርታቶም ምስ እስራኤል ርክብ ኣብ ዘለዎም ገፃት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተርኣዩ ዝገልፅ መጠንቀቕታ፡ ካብ ምኒስትር ድሕነት ኢራን ከም ዝበፅሖም ንቢቢሲ ፐርሽያ ገሊፆም።

ካብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ክወፅኡ ዝተኣዘዙ ኰይኖም፡ እዚ ምስ ዘይገብሩ ግና ከም ዝኽሰሱ ተሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ኢራን፡ ብቛንቋ ፋርስ ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ዝገብሮ ፀቕጢ ኣሐይሉ ኣሎ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ፐርሽያ ሓዊሱ ኣብ ለንደን ዝመደበሮም ኢራን ኢንተርናሽናልን ማኖቶ ተለቭዥንን ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ግዳያት ፀቕጢ መንግስቲ ኢራን ካብ መንጎ ዝዀኑ'ዮም።

ኢራን ኢንተርናሽናል፡ ናይ ሓንቲ ጋዜጠኝኡ ኣብ ቴህራን ዝርከቡ ወለዳን ሓዋን፡ ብሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ከም ዝተኣሰሩ ገሊፁ።

እቲ ቻነል ንውግእ እስራኤልን ኢራን ብሰንኪ ዝሃበቶ ሽፋን እታ ኣንባቢት ዜና ስርሓ ክትለቅቕ ፀቕጢ ንምፍጣር እዚ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ድማ ኢራን ኢንተርናሽናል ኣቃሊሑ።

እታ ጋዜጠኛ፡ ኣቦኣ ብኣካላት ፀጥታ ኣቢሉ ስልኪ ዝደወለላ ክኸውን ከሎ፡ ስርሓ ክተቋርፅ እንተ ዘይኰይኑ ግና ተወሳኺ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዋ።