ሩስያ ንሰራሕተኛ ኤምባሲ ኣሜሪካ ነበር ቀይዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሩስያ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኣሜሪካ ነበር፡ ‘ውዲት ኣሊሙ’ ብምባል ብመንግስቲ ሩስያ ከምዝተኣሰረ ታስ ዝተበሃለት መንግስታዊት ማዕከን ዜና ሓቢራ።
እታ ማዕከን ዜና ትማሊ ከም ዝተሓበረቶ፡ እቲ ሮበርት ሾኖቭ ዝተበሃል ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኣሜሪካ ነበር፡ ብኣካላት ጸጥታ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሸሞንት ዓመት ክእሰር ከምዝኽእል ኣቃሊሓ።
ቢቢሲ ንምእሳር ሮበርት ሾኖቭ ኣመልኪቱ ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ርእይቶ ንኽረክብ ሓቲቱ።
እቲ ኤምባሲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ምእሳር ሰራሕተኛኡ ነበር ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ብምግላጽ፡ “ኣብዚ እዋን ክንዮ’ዚ እንህቦ ሓበሬታ የብልናን” ኢሉ።
ሮበርት ሾኖቭ ኣብ ወደባዊ ት ከተማ ቫልዲቮስቶክ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ሕቶ ቀሪብሉ “ሓደ መሰረታውን ምስጢራውን ጉዳይ ምስ ናይ ወጻኢ ሃገርን ዓለምለኻዊ ትካልን ተሓባቢሩ” ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሉ ማዕከን ዜና ታስ ሓቢሩ።
እታ ማዕከን ዜና ኣብ ዝዝርገሐቶ ሓበሬታ ሰብ መዚ ሩስያ ሮበርት ሾኖቭ ንሰለስተ ወርሒ ተቐይዱ ክምርመር ከምዝሓበሩ ብምግላጽ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርበሉ ዕለት ግን ከምዘይተወሰነ ሓቢራ።
ሮበርት ሾኖቭ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ለፎርቶቭ ዝተበሃለ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዀነ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።
ምስ ዎል ስትሪት ዝሰርሕ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ኢቫን ገርሸኮቪች’ውን ኣብ መጋቢት ንመንግስቲ ሩስያ ብምስላል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ለፈርቶቭ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ’ዩ ተቐይዱ ዘሎ።
ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ነበር ፖል ወላን’ውን ኣብ 2018 ንመንግስቲ ሩስያ ትስልል ኢኻ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣብ 2020 ን16 ዓመታት ክእሰር ምስ ተፈረደ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ’ዩ ዘሎ።
ኣሜሪካ ንምእሳር ጋዜጠኛ ኢቫን ገርሸኮቪችን ፖል ወላንን መሰረት ዘይብሉ ክሲ’ዩ ቀሪብሎም ብምባል ብተደጋጋሚ ንኽፍትሑ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







