ንኣመንትን መራሕትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘቘጥዐ ስእሊ ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኑ ዘርኢ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተዳለወ ስእሊ ምዝርግሑ ቁጥዐ ኣስዒቡ።

እዚ ስእሊ ካቶሊካውያን ብ21 ሚያዝያ ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ምዕራፎም ስዒቡ ኣብ ሓዘን ኣብ ዝርከቡሉን ቀጻሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ኣብ ዝዳለዉሉን እዋን እዩ ብወግዓዊ ናይ ዋይት ሃውስ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።

ጉባኤ ካቶሊክ ግዝኣት ኒውዮርክ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እቲ እምነት ከምዘላገጸ ከሲሱ።

እቲ ስእሊ፡ ትራምፕ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታት "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክኸውን ደስ ምበለኒ" ምውዛዩ ስዒቡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ ተዘርጊሑ።

ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊ እምነት ላግጺ ብምፍጻም ዝተኸሰሰ ፈላማይ ፕረዚደንት ግን ትራምፕ ኣይኰነን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ታምፓ ፍሎሪዳ ኣብ ዝተኻየደ ደገፍ ተበጻሕነት ምንጻል ጥንሲ ምልክት መስቀል ምቕራቡ ምርኣዩ ቁጥዐ ፈጢሩ ነይሩ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ቫቲካን ማቴዮ ብሩኒ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ክህቡ ኣይደለየን።

ቫቲካን ካብ ዝመጽእ ዘሎ ረቡዕ ጀሚሩ ንኣቡነ ፍራንሲስ ዝትክእ መራሒ ንምምራጽ እናተሸባሸበት ትርከብ።

ኣብ ኒውዮርክ ንዝርከቡ ጳጳሳት ዝውክል ካቶሊካዊ ጉባኤ ግዝኣት ኒውዮርክ ነቲ ስእሊ ነቒፉ ኣሎ።

"ክቡር ፕረዚደንት ኣብዚ ምስሊ ውሕሉል ይኹን ዘስሕቕ ነገር የለን" ክብል እቲ ጉጅለ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

"ተፈታዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትና ቀቢርና ኢና ዘለና፡ ካርዲናላት ድማ ሓድሽ ተካኢ ንምምራጽ ናብ ክቡር ጉባኤ ክኣትዉ ቀሪቦም ኣለዉ። ኣይትላግጸልና።"

ንጸጋም ኣተሓሳስባ ዘዘንብል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ነበር ማትዮ ረንዚ እውን ብሰንኪ'ቲ ተግባር ዝተሰምዖ ቁጥዐ ገሊጹ ኣሎ።

"እዚ ንኣመንቲ ዘቖትዕ፡ ንትካላት ዝጸርፍን ስእሊ'ዩ" ክብል ረንዚ ብቋንቋ ጥልያን ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ዋይት ሃውስ ግን ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት የላግጽ ኣሎ ዝብል ክሲ ነጺጉ።

"ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ኢጣልያ ተጓዙ ኣብ ቀብሪ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተሳቲፉን ሓዘኑ ገሊጹን እዩ" ኢላ ጸሓፊት ፕረስ ካሮሊን ሊቪት።