እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ 'ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ብዘጋጠመ ግጭት ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም' - ውሕሃ
ኣብ ዶባት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ መሬት ብዝተኻየደ ተኹሲ ኣስታት 29 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ውድብ ሕቡራት ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ካብ ክልቲአን ክልላት ብዝመጹ ሓይልታት ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ተኹሲ ከምዝጋጠ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣመሓደርቲ ክልቲአን ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ግን ነንሕድሕዶም ምክሳስ ቀጺሎም ኣለዉ።
እቲ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ግጭታት ከየምርሕ ስግኣታት ኣሎ።
ማእኸላይ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ፣ ኣብ መወዳእታ 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝፀንሐ ኩናት ሓድሕድ ተዛዚሙ እዩ።
ይኹን'ምበር ጉዳይ እቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታትን ከምኡ'ውን ዕጫ ናይቶም ኣብ እዋን ኩናት ክመዛበሉ ዝተገደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ክሳዕ ሕዚ መፍትሒ ኣይረኸበን።
ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣብ 2020 ኩናት ክሳዕ ዝውላዕ ኣብ ትሕቲ ትግራይ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ብዕጡቓት ኣምሓራ ተታሒዙ ይርከብ።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን፡ ኣብተን ከባቢታት ዘለዉ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንምፍራስ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እዩ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ህጹጽ ናይ ህይወት ምድሓን ሓገዝ ከምዘድሊ ይሕብር።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብዎም ኤምባሲታት 7 ምዕራባውያን ሃገራት፡ በቲ ዝተገልጸ ግጭት ስክፍታኦም ዝገልጽ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።
ብተወሳኺ እቲ ግጭት ክቋረጽ ዝጸውዑ ኰይኖም ምፍታሕን ምውጋድን ኣጽዋር እውን ኣተባቢዖም ኣለዉ።
ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዝጸንሑ ከባቢታት
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ንሰፋሕቲ ዞባታት ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳ ጸለምትን ከባብታት ራያ-ኣላማጣን ተቘጻጺሮም ጸኒሖም።
ኣብዞም ሕቶ ይግበአኒ ዘልዓሉሎም ከባብታት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳራት ኣቚሞም ጸኒሖም።
ካብቶም ግዝኣታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተጋሩ ተመዛቢሎም፡ ካብ ካልኦት ከባብታት ኣምሓራ ይሰፍሩ ከምዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።
ብፍላይ ኣብ ከብታት ኣላማጣ፡ ነቶም ዝተረፉ ተወለድቲ ትግራይ፡ 'ኣምሓራ' ዝብል መንነት መለለዪ ወረቐት ይዕድሉ ምንባሮም፡ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሰርሖ ፀብፃብ የመልክት።
ነቲ ኣማኢቲ ኣሸሓት ሞት ምኽንያት ዝዀነ ደማዊ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ፡ 3 ብሕዳር 2022 ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ ብዛዕባ እቶም ዘካትዑ ከባብታት ኣንቀፃት ኣስፊሩ እዩ።
እቲ ቀንዲ፡ በቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ፍታሕ ክረኸቡ ዝብል ይርከቡ።
እንተዀነ ዛጊድ ዕልባት ዘይረኸቡ ኰይኖም፡ ካብቶም ከባብታት ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ድሕሪ እቲ ውዕል ዓመት’ውን ኣንተዀነ ኣብ ሕማቕ ኩናታት ይርከቡ።
ቅድሚ እዚ ቀዳም ተራእዩ ዝተብሃለ ጐንፂ፡ ካብ ከባብታት ኣላማጣ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ማይጨው ዝፀንሑ ተመዛበልቲ፡ “ውዕል ፕሪቶርያ ይተግበር፡ ናብ መረበትና ምለሱና” ክብሉ ሰልፊ ከምዝገበሩ ጸብጻበት ይሕብሩ።
እንተዀነ፡ እቶም ብፍላይ ኣብ’ዞም ንክልቶኦም ክልላት ዘሰሓሕቡ ከባብታት ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራ፡ ንምምላስ እቶም ነበርቲ ዕንቅፋት ከምዝዀኑን፡ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክወቕሱ ፀኒሖም።
እቶም ብክልል ኣምሓራ ዝቘመ ምምሕዳራት ክፈርሱን፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ዝብል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ሓለፍቲ መንግስቲ ይገልጹ።
እቲ ሕጂ ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ዝግበር ዘሎ፡ ኣካል እዚ ስምምዕ ከምዝዀነ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክገልጽ እንከሎ፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ድማ 'ካብ ህወሓት ወራር ተፈጺሙኒ' ብዝብል ተቓውሞ የስምዕ ኣሎ።