ትግራይ-ኣምሓራ፡ ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ዘሎ ኵነታት ብኸመይ እዩ ማዕቢሉ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቀዳም ኣትሒዙ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣብ ዝተገበረሉ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ - ራያ ኣላማጣ ሞትን ምምዝባለን ዘስዐበ ኰይኑ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣንጻራዊ ምርግጋእ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

ኣመሓደርቲ ክልቲኦም ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ግን ነንሕድሕዶም ምክሳስ ቀጺሎም ኣለዉ።

ክልል ኣምሓራ ትማሊ 17 ሚያዝያ ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ፡ ‘ህወሓት’ እናበለ ንዝፀወዖም ሓይልታት ትግራይ ‘ራብዓይ ወራር ፈጺሞምልና” ክብል ከሲሱ ኣሎ።

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን፡ ኣብተን ከባቢታት ዘለዉ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንምፍራስ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እዩ ገሊጹ።

እቲ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ግጭታት ከየምርሕ ስግኣታት ዘሎ ዀይኑ፡ ዛጊድ ካብ ፈዴራል መንግስቲ ዝተወሃበ መግልጺ ዀነ መብርሂ የለን።

ንምዃኑ እቲ ኵነታት ብኸመይ እዩ ናብዚ ኣምሪሑ?

እቲ ኵነታት ብኸመይ ማዕቢሉ?

ኣብ ኣፈጻጽማ ውዕል ፕሪቶርያ ዝዘተዩ ተወከልቲ ትግራይ መንግስቲ ፈዴራልን፡ ኣብ መንጐኦም ዘይምትእምማን ዓሲሉ ምንባሩ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ክዘራረብሉ ብዝተሰማምዕዎ መሰረት፡ ኣብ መጀመርታ መጋቢት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ዘተ ኣብ ኣዲስ አበባ ተሳሊጡ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ስኒት ዘይፈጥሩ እዞም ኣብ ኢድ ዕጡቓት ኣምሓራ ዝርከቡ ከባቢታት ዝምልከት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብቐጥታ ምስ ምምላስ ተመዛበልቲ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ እዩ።

ኣብቲ ሓበራዊ ዘተ፡ እቶም ብኣምሓራ ዝቘሙ ግዝያዊ ምምሕዳራት ፈሪሶም፡ ኣብቶም ከባብታት ሰራዊት ፈዴራል ክጸንሑን እቶም ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ መሬት ትግራይ ኣብ ካርታ ግዝኣት ኣምሓራ ምስፋርን ኣካል ስርዓተ ትምህርቲ ጌርካ ምስትምሃርን፡ ሓላፍነት ዝጐደሎ እዩ ብምባል ብኣጋ ክእረም ዝሓለፈ መጋቢት 25 ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ መስርሕ ሰላም ዝህውኽን ተግባራት ምጽሕታር ነገርን እዩ ክብል ኣጠንቒቑ።

ብተመሳሳሊ ተግባራት ንመንግስቲ ፈደራል ዝኸሰሰ እቲ እዋናዊ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ ብትካላት መንግስቲ ፈደራል ዝተፈጸመ ከምዚ ዝበለ ተግባር ብመንግስቲ ግቡእ ስጕምቲ ከምዘይተወስደን ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ንባዕሉ ኣካል እቲ ጥፍኣት እዩ ክብል ከሲሱ።

ብክልል ኣምሓራ ዝተዋህበ ምላሽ ብወገኑ፡ እቶም ኣብ ካርታ መምሃሪ መጻሕፍቲ ሰፊሮም ዝበሃሉ ዘለዉ ቦታታት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክሳዕ'ቲ ኲናት ዝተላዕለሉ ግዜ ሕቶ መንነትን መሰል ርእሰ ምምሕዳርን ክለዓለሎም ዝጸንሐ ከባቢታት ምዃኖም ጠቒሱ፤ ነቲ መግለጺ ክልል ትግራይ 'ነገር ምትኹታኽ'' ክብል ድማ ወቒሱ።

ድሕሪ’ቲ መግለጺ፡ ንፍርቂ መዓልቲ ዝቐጸለ ግጭት፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሚሊሻታት ኣምሓራን ከምዝተኻየደ፡ ብክልል ኣምሓር ዝቘመ ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ዝነበረ ኣቶ ሞላ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኵነታት ከምኡ እናበለ ድማ ናብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ዝተኸስተ ግጭት ኣምሪሑ።

ዝተቐትለ ሓላፊ ኣሎ ድዩ?

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ ብዝተፈጸመ ምልውዋጥ ተዅሲ ስዒቡ፡ ብክልል ኣምሓራ ቈይሙ ዝነበረ መሓውር ምምሕዳር እቲ ከባብ ይፈርስ ከምዘሎን፡ ሰበስልጣን እቲ ወረዳን እታ ከተማን ካብቲ ከባቢ ገዲፎም ናብ ክልል ኣምሓራ ምግዓዞም ፀብፃባት ይሕበሩ።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣይተ ሞላ ደርቡን ካልኦት ቁፅሮም ዘይተፈልጡ ሓለፍትን ከምዝተቐትሉ'ውን ይንገር ኣሎ።

እንተዀነ እቲ መቕተልቲ ኣብ እዋን እቲ ግጭት ዘጋጠመ እንተዀነ’ኳ፡ ብቐጥታ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝራኸብ ድዩ ኣይዀነን ዝተፈልጠ ነገር የለን። እቶም ናብ ከተማ ቆቦ ግዒዞም ዘለዉ ሓለፍቲ ነበር እታ ከተማ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ከምዘይኰነ ነገር ግን፡ ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡ ከምዘይደልዩ እዮም ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ገሊጾም።

ዛጊድ ካብ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ዝተውሃበ ዕላዊ መግለጺ የለን።

ትማሊ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ዘዘራረብዎ ክልተ ነበርቲ ከተማ ኣላማጣ ግን፡ ካብ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ብዙሓት ነበርቲ ካብ ወረዳን እታ ከተማን ወጺኦም ናብ ጐረባብቲ ከባቢታት ከምዝሃደሙ ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ነበርቲ፡ "ሃዲሞም" ዝተባህሉ ጎረባብቲ ከባቢታት ከተማ ቆቦ ኰይኑ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ከተማ ቆቦ ድማ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብዙሓት ሰባት ናብታ ከተማ ክኣትዉ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

“[ኣላማጣ] ምክልኻል ከተማን ፈደራል ፖሊስን ኣለዋ። ግን ብዕጡቓት ትግራይ ዝተኸበበት እያ" ይብል፡ ብክልል ኣምሓራ አመሓዳሪ ከተማ ኣላማጣ ዀይኑ ዝጸንሐ ኣቶ ሃይሉ።

ከባቢታት ራያ ኣላማጣ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ምህላዎም ኣብ ዝተጣየሸ መሓውር መንግስቲ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነታ ከተማ ከምዘየመሓድሩ ገሊጾም።

ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዝጸንሑ ከባቢታት

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ንሰፋሕቲ ዞባታት ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳ ጸለምትን ከባብታት ራያ-ኣላማጣን ተቘጻጺሮም ጸኒሖም።

ኣብዞም ሕቶ ይግበአኒ ዘልዓሉሎም ከባብታት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳራት ኣቚሞም ጸኒሖም።

ካብቶም ግዝኣታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተጋሩ ተመዛቢሎም፡ ካብ ካልኦት ከባብታት ኣምሓራ ይሰፍሩ ከምዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

ብፍላይ ኣብ ከብታት ኣላማጣ፡ ነቶም ዝተረፉ ተወለድቲ ትግራይ ድማ፡ 'ኣምሓራ' ዝብል መንነት መለለዪ ወረቐት ይዕድሉ ምንባሮም፡ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሰርሖ ፀብፃብ የመልክት።

ነቲ ኣማኢቲ ኣሸሓት ሞት ምኽንያት ዝዀነ ደማዊ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ፡ 3 ብሕዳር 2022 ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ ብዛዕባ እቶም ዘካትዑ ከባብታት ኣንቀፃት ኣስፊሩ እዩ።

እቲ ቀንዲ፡ በቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ፍታሕ ክረኸቡ ዝብል ይርከቡ።

እንተዀነ ዛጊድ ዕልባት ዘይረኸቡ ኰይኖም፡ ካብቶም ከባብታት ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ድሕሪ እቲ ውዕል ዓመት’ውን ኣንተዀነ ኣብ ሕማቕ ኩናታት ይርከቡ።

ቅድሚ እዚ ቀዳም ተራእዩ ዝተብሃለ ጐንፂ፡ ካብ ከባብታት ኣላማጣ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ዝፀንሑ ተመዛበልቲ፡ “ውዕል ፕሪቶርያ ይተግበር፡ ናብ መረበትና ምለሱና” ክብሉ ሰልፊ ከምዝገበሩ ጸብጻበት ይሕብሩ።

እንተዀነ፡ እቶም ብፍላይ ኣብ’ዞም ንክልቶኦም ክልላት ዘሰሓሕቡ ከባብታት ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራ፡ ንምምላስ እቶም ነበርቲ ዕንቅፋት ከምዝዀኑን፡ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክወቕሱ ፀኒሖም።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ እቶም ዘካትዑ ከባቢታት ብቐዋምነት ንምፍታሕ፡ 'ህዝበ-ውሳነ ክካየድ'

ምርድዳእ ተበጺሑ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ምቅዋሙ ዝዝከር እዩ።

እንተዀነ፡ እቶም ብክልል ኣምሓራ ዝቘመ ምምሕዳራት ክፈርሱን፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ዝብል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ሓለፍቲ መንግስቲ ይገልጹ።

እቲ ሕጂ ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ዝግበር ዘሎ፡ ኣካል እዚ ስምምዕ ከምዝዀነ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክገልጽ እንከሎ፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ድማ 'ካብ ህወሓት ወራር ተፈጺሙኒ' ብዝብል ተቓውሞ የስምዕ ኣሎ።