እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ትጅምሮ ዘላ 'ሃገራዊ ስርዓተ ምዝገባ ገበነኛታት ጾታዊ ዓመጽ' እንታይ ዝሓዘ እዩ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ ገበነኛታት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝምዝግብ ስርዓት ክጅምር ምዃኑ ይንገር ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ 35 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጥመን ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ የመልክት። እዚ ማለት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ዘሕድሮ ጽልዋ ኵለመዳያዊ ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
ስለዝዀነ፡ ኢትዮጵያ 'ሃገራዊ ስርዓተ ምዝገባ ገበነኛታት ጾታዊ ዓመጽ' ብዝብል ገበነኛታት ዝምዝግብ ስርዓት ክትጅምር እያ።
እቲ 'ሃገራዊ ስርዓተ ምዝገባ ገበነኛታት ጾታዊ ዓመጽ' ብዝብል ዝጽዋዕ መደብ፡ ጾታ መሰረት ገይሮም ዝፍጸሙ ዓመጻት ንምክልኻልን ንምንካይን ዝዓለመ ኰይኑ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበር።
ዕላማ እቲ ብፍላይ "ኣብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘተኮረ" ምዝገባ፡ ጾታ መሰረት ገይሮም ዝፍጸሙ ዓመጻት ንምክልኻልን ንምንካይን እዩ።
እቲ መደብ ንምጅማር ድማ 10 ሚልዮን ብር ከምዘድሊ ኣቶ ስለሺ ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ።
ኣብ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዋና ፈጻሚ መሰላትን ሓለዋን ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነ ኣቶ ስለሺ፡ እቲ በጀት ብኣበርክቶ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከምዝሽፈን’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብመሰረት’ቲ ስርዓት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ገበነኛታት ብሕጊ ምስ ተኣስሩን ምስተፈርዱን እውን ኣብ ቀጻሊ ህይወቶም ተሓተትቲ ክዀኑን እዮም፤ "ዝተመርጹ" ማሕበራውን ቍጠባውን ኣገልግሎታት’ውን ከምዘይረኽቡ ተገሊጹ ኣሎ።
ቢቢሲ ዝረኣዮ መበገሲ ጽሑፍ እቲ ስርዓት ከምዘመልክቶ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታት’ቲ ስርዓተ ምዝገባ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ምልላይ፡ ኣድራሻኦም ምፍላጥን ምክትታልን፡ ከምኡ’ውን ዳግማይ መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ ተሓታትነቶም ክብርኽን ብምግባር ድሕነት ህዝቢ ምሕላው እዩ።
ፖሊስ ንዘካይዶም ምርመራታት እውን ዝተጠናኸረ ሓበሬታ ምሃብ ካልእ ዕላማ እቲ ስርዓተ ምዝገባ እዩ። ብተወሳኺ ስርዓት ፍትሒ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ፖሊሲን ሕጋዊ ኣቃውማታትን ንምትዕርራይ ደገፍ ጸጋታት ከምዝህብ ይጠቅስ።
ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ፍርድን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ዝቘመት ኮሚቴ እቲ ስርዓት ምዝገባ ኣብ ምድላው ትርከብ።
ተመኵሮ ካልኦት ሃገራት ብምድህሳስን ዘድሊ ጸጋታት ብምውዳድን ኣብቲ ምዝገባ ክካተቱ ዝግባኦም 'መርኣያታት' ከምዝተለለዩ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
ከም ስም፡ ኣድራሻ፡ ዓይነትን ደረጃን መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሓበሬታታት ኣብቲ ምዝገባ ከም ኣመልካቲ ከምዝሰፍሩ እውን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣቶ ስለሺ፡ "እቶም ጉዳያት ብመስርሕ ፍትሒ ዝሓልፉ እዮም። ይዅን እምበር፡ ኣብ ምእካብ መረዳእታ ገደብ ዘለዎም ኣብቲ ስርዓት ክኣትዉ ዘይክእሉ ነገራት ክምዝገቡ ኣይክእሉን እዮም። ካብዚ ወጻኢ ግን ንዅሉ ዘጠቓልልን ግን ድማ ኣብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘተኮረ'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ ተመኵሮ ናይተን ነቲ ምዝገባ ዘተግበራ ሃገራት ብምጥቃስ፡ እቲ ስርዓት ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምምካትን ንምቕናስን፡ ሓበሬታ ተደጋጋሚ ገበነኛታት ምእካብ ከምኡ’ውን ካብ ማሕበራውን ቍጠባውን ጉዳያት ከግልል ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።
እቲ ስርዓት፡ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት (ዋላ'ኳ ናይ መወዳእታ ውሳነ እንተዘይተወሃበ) ብፍላይ ህጻናት ኣብ ዝርክብዎ ከም ኣብያተ ትምህርቲን መዕቆቢን ዝኣመሰሉ ተቓላዕቲ ከባቢታት፡ ስራሕ ከይቍጸሩ ከምዝኽልክል ኣቶ ስለሺ ገሊጹ። እዚ ድማ ዳግማይ መጥቃዕቲ ንኸይፍጽሙ ንምክልኻል እዩ።
እዚ ስርዓት ምዝገባ ብቐንዱ ብፖሊስን ሚኒስተር ፍትሕን ተግባራዊ ከምዝኸውንን እንተዀነ ግን ነቲ ስርዓት ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ከም ኣስራሕቲ ዝኣመሰሉ ትካላት ክሳተፉ ከምዝኽእሉን እውን ኣስሚሩ።
ኣብ መበገሲ ጽሑፍ እቲ ስርዓት፡ እቲ ናይ ምዝገባ ሶፍትዌር ብሰለስተ መንገዲ ንህዝቢ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ይሕብር። ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዅሎም ደለይቲ ሓበሬታ ዝቐርበሉ፡ ከሰስቲ ክሲ ዘቕርብሉን ከምኡ’ውን ኣስራሕቲ ሰራሕተኛታት ታሪኽ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣለዎም ድዩ የብሎም ንምፍላጥ ዝፍትሽሉን መስርሕ ገጽ ክህልዎ’ዩ።
ኣቶ ሰለሺ፡ እቲ ሃገራዊ ስርዓተ ምዝገባ ገበናት፡ ከም ውልቃዊ መስርሕ መሰላትን ብዝምልከት ምስ ሕጊታት ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ ክኸውን ተገይሩ ከምዝተዳለወ ይገልጽ።
እቲ ስርዓተ ምዝገባ፡ ኣብታ ኣብ ልዕሊ 35 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ግህሰት ዝፍጸመላ ሃገር "ለውጢ ከምጽእ" ትጽቢት ይግበረሉ።
“ንኣብነት ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ [መጥቃዕቲ] ዝፍጽም ሰብ ኣሎ፤ ብዘይ እቲ ሓበሬታ ኣይፍለጥን። ከምኡ ምግባር [ምምዝጋብ] ግን ንኽንኪ ውጽኢት ክህልዎ’ዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ዝዕቅቦ [ሓበሬታ] ኣገዳሲ ዝኸውን። ክለዓሉ ንዝጸንሑ ጸገማት ምላሽ ዝህብ ስለ ዝዀነ ውጽኢት ክህልዎ እዩ።"
ይዅን እምበር እዚ ስርዓተ ምዝገባ ጾታዊ ገበነኛታት ክጅምር እዩ ዝተበሃለ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት እዩ ነይሩ።
እቲ ምድንጓይ ብሰንኪ ኣብ ምትእኽኻብ ጸጋታት ዘጋጠመ ጸገም ምዃኑ ኣቶ ሰልሺ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
እቲ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ስርዓተ ምዝገባ ንምጅማር 10 ሚልዮን ብር ከምዝውድእ ገሊጹ።
ምንዳፍ እቲ ስርዓት ብስሩዕ ባጀት ከምዝተኻየደ ዝጠቐሰ ኣቶ ስለሺ፡ እቲ ስርዓት "ናይ ሓደ ኣካል ጥራይ ኣይኰነን" ብምባል፡ እቲ ናይ 10 ሚልዮን በጀት ብወፈያ ዝሽፈን ምዃኑ ኣመልኪቱ።
"ንገዛእ ርእሱ ክኢሉ" ምስቲ ዝጸንሐ ናይ ፖሊስ ስርዓተ ምዝገባ ገበነኛታት ከምዝወሃሃድ ዝተነግረሉ እቲ 'ሃገራዊ ስርዓተ ምዝገባ ገበነኛታት ጾታዊ መጥቃዕቲ' ኣብ ዝመጽእ ዓመት ግብራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።