ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፃት ካብ ዝፍፀሙለን ዓድታት

ኣብ 2018 ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ግምታት ዝርገሐ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ዓመፅ ዝምልከት ፀብፃብ ኣውጺኡ ነይሩ።

ብዓለም ደረጃ ብገማግም 27 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕድሚአን ካብ ቀረባ መፃምድተን ዓመፅ የጋጥን።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ 37 ሚእታዊት ኣብ ህይወተን ዓመጽ ዘጋጠመን ክዀና እንከለዋ፡ 27 ሚእታዊት ድማ ኣብተን ቅድሚኡ ዝነበራ 12 ኣዋርሕ ዓመጽ ዘጋጠመን’የን።

እዚ ጸብጻብ ንኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ እንተዘይሃበ'ኳ፡ ኣብ 2001 ኣብ ማእከላዊ ዞባ ኤርትራ፡ 40 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ከም ዝዀና ጸብጻብ ዩኒሴፍ ይጠቅስ።

ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ 2021 ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 45 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብናይ ቀረባ መፃምድተን ወይ ካልኦት ኣባላት ስድራቤተን ተቐቲለን እየን።

እዚ ማለት፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ልዕሊ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ኣዋልድ ብኣባል ናይ ገዛእ ስድራቤተን ይቕተላ ኣለዋ ማለት’ዩ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝተፈጸሙ ቅትለታት 56 ሚእታዊት ብናይ ቀረባ መፃምድቲ ወይ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ዝተፈፀሙ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ዝተፈፀሙ ቅትለታት ግን 11 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ኣብ ከባቢኦም ተፈፂሞም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣልያ ጁልያ ሴቸቲን ዝተበሃለት መንእሰይ ብኢድ ተቖጻጻሪ ኣፍቃሪኣ ነበር ድሕሪ ምቕታላ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣንፃር ፆታዊ ዓመፅ ተቓውሞአን ኣስሚዐን እየን።

ወሲባዊ ዓመፅ

ብደረጃ ዓለም 6 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ካብ በዓል ቤተን ወይ መጻምድተን ወጻኢ ብካልእ ሰብ ወሲባዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸመን ይሕብራ።

ይኹን’ምበር፡ መብዛሕትአን ጸለመ ፈሪሐን ንዝምልከቶ ኣካል ከም ዘይሕብራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ መላእ ዓለም ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ 15–19 ዓመት ዝዕድሚአን መንእሰያት ኣዋልድ ግዱድ ጾታዊ ርክብ ኣጋጢምወን እዩ።

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ መንእሰያት ኣዋልድ ብበዓል ቤተን ወይ በዓል ቤተን ነበር፡ መፃምድቲ ወይ ኣፍቃሪ ብግዴታ ጾታዊ ርክብ ክፍፀመን ልዑል ሓደጋ ኣሎ።

ካብ 30 ሃገራት ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ሞያዊ ሓገዝ ዝሓተታ 1 ሚእታዊት ጥራይ እየን።

ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ

ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነ ይኹን ረብሓ ከምዘይብሉ እዩ ዝግለፅ፤ ጉድኣቱ ግን ካብታ ጓል ኣንስተይቲ ሓሊፉ ንቁጠባ ሃገር’ውን ኣዝዩ ዝፀልው’ዩ።

እዚ ተግባር ኣብ ዝፍጸመለን 31 ሃገራት፡ ብውሑዱ 200 ሚልዮን ካብ 15–49 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምትልታል ኣካል ርሕሚ ተፈጺምወን’ዩ።

ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ፡ ኣብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ሓንቲ ኣካል ርሕሚኣ ዝተተልተለት’ያ።

እዚ ተግባር ሕዚ’ውን ብሰፊሑ ኣብ ዝፍጸመለን ሃገራት፡ ካብ 15–49 ዓመት ዝዕድሚአን 10 ደቂ ኣንስትዮ እንተወሓደ እተን 9 ኣካል ርሕሚአን ዝተተልተለ’ዩ። ኣብ ካሜሩንን ዩጋንዳን ግን እቲ ኣሃዝ ካብ 1 ሚእታዊት ኣይዛይድን።

ምትልታል ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ብቀንዱ ብኣርባዕተ ደረጃ’ዩ ዝፍፀም።

ጭንቅራ ወይ ጒድበ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ምቑራጽ፣ ጭንቅራን ውሽጢ ከናፍር ርሕሚን ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ምቑራጽ፣ ንሽንቲ መፍሰሲ ኣዝያ ንእሽቶ ነዃል ገዲፍካ ክፋል ወይ ኩሉ ኣካል ርሕሚ ምቑራጽን ምስፋይን እቶም ቀንዲ ሰለስተ ፍፃመታት እዮም።

እቲ ራብዓይ ደረጃ ድማ፡ ከም ምውጋእ፣ ምቅዛሕ፣ ጭንቅራ ወይ ከንፈር ርሕሚ ምውጣር፣ ንጭንቅራን ከባቢኡን ብሓዊ ምትኳስ፡ ምሕራር ወይ ምቑራጽ ርሕሚ፡ ንምጽባብ ኢልካ ናብ ርሕሚ ዘሕምሙ ነገራት ምእታውን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት የጠቓልል።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር

ኣብ 2020፡ ብዓለም ደረጃ ካብ ዝነበሩ 10 ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ኣስታት ኣርባዕተ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣስታት ክልተ ድማ ኣዋልድ እየን።

ንጾታዊ ርክብ ተባሂሉ ኣብ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ድማ መብዛሕትአን ግዳያት (91 ሚእታዊት) ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝለዓለ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ኣካላዊ ወይ ጽንኩር ዓመጽ ይፍጸመን።

82 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ እዋን ግልጋሎተን ገለ ዓይነት ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመን ይሕብራ።

እዚ ድማ ዘዋርድ ኣገላልጻታት፡ ምስልታትን ምፍርራሕን የጠቓልል። 44 ሚእታዊት ድማ ኣብ ልዕሊአን ወይ ኣብ ልዕሊ ስድራቤተን ናይ ሞት፣ ምዕማፅ፣ መጥቃዕቲ ወይ ጭውያ ምፍርራሕ ከም ዝበጽሐን ይገልፃ።

73 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት፡ ብኢንተርነት ዓመጽ ከም ዘጋጠመን ዓለምለኻዊ መፅናዕቲ የመልክት። ካብዚአን 20 ሚእታዊት ካብ ኢንተርኔት ወፃኢ’ውን መጥቃዕቲ ወይ ግህሰት ከም ዝበጽሐን ይገልፃ።

ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝድርት ማሕበራዊ ስርዓታት ብዝተኣሳሰር፡ ዝተፈላለዩ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝፍጸሙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታትን ውግኣትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝፍጸሙ ዓመጻት ብዓይነትን ብስፍሓትን ወሲዀም’ዮም።

ትሕቲ ዕድመ መርዓ፡ ብጭውያ ዝግበር መርዓን ግዱድ መውስቦን ሕዚ’ውን ኣብ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ሱር ዝሰደደ ልምዲ ኰይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም ከም ዘመልክቶ ኣብ 2015 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 25 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ፡ 14 ሚኢታዊት ጥራሕ መባእታ ትምህርቲ ዝወድኣ እንትዀና እዚ ኣሃዝ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ 37 ሚኢታዊት ይበጽሕ።

ዝለዓለ ዝርገሐ መርዓ ትሕቲ ዕድመ (44.8 ሚእታዊት) ካብ ክልል ኣምሓራ’ዩ - ኣብ ጋምቤላ 43 ሚኢታዊት፣ ትግራይ 34.1 ሚኢታዊት፣ ኣዲስ ኣበባ 32.3 ሚኢታዊት፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 31.9 ሚኢታዊት ምዃኑ’ቲ መጽናዕቲ ይጠቅስ።

ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ምኽንሻብ ብሕጊ ኢትዮጵያ ገበን’ኳ እንተዀነ፡ ሕዚ’ውን ግን ብዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ከም ዝፍጸም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቢቢሲ ሚድያ ኣክሽን ኣብ 2021 ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ክሳብ 25 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ከም ዝተኸንሸባ የመልክት።

ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን መንእሰያትን እታ ሃገር ኣብ 2019 ሃገራዊ ፍኖተ-ካርታ ብምትእትታው ክሳዕ 2025 ትሕቲ ዕደመ መርዓን ምትልታል ኣካል ርሕሚ ደቂ ኣንስትዮን ንምውጋድ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገለጽ።

ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝፍጸሙ ዓመጻት ብዙሕ መረዳእታታት ኣይርከብን።

ብተወሳኺ ምስ ጾታዊ ግህሰት ብዝተኣሳሰር ኣብ ሕፍረት ዘተኮረ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ስለዘሎ ግዳያት ስቕታ ከም ዝመርጻ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሕጊ ኤርትራ፡ ንህጻናት ዘሳትፍ ኣብ ልዕሊ ፆታዊ ተግባራት ተሪር መቕጻዕቲ’ዩ ዘቐምጥ። ይኹን’ምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰሉ ገበናት ብዙሕ ግዜ ስለ ዝሕብኡ እቲ መቕፃዕቲ ሳሕቲ’ዩ ዝፍጸም። ኣብ ውሽጢ ሓዳር ንዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት እውን እኹል ትኹረት ኣይህብን።

ኣብ 2001 ኣብ ማእከላዊ ዞባ ኤርትራ፡ 40 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ከም ዝዀና ጸብጻብ ዩኒሴፍ ይጠቅስ።

ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ፡ ንክልቲኡ ጾታ ትሑት ዕድመ መውስቦ 18 ዓመት ምዃኑ’ኳ እንተሓበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዋልድ ካብዚ ኣብ ዝንእስ ዕድሚአን’የን ናብ ሓዳር ዝኣትዋ።

41 ሚእታዊት ኣዋልድ ቅድሚ መበል 18 ዓመተን፡ 13 ሚእታዊት ድማ ቅድሚ መበል 15 ዓመተን ከም ዝምርዓዋ ኣብ 2010 ዝተረኸበ መንግስታዊ ሓበሬታ የመልክት።

እንተዀነ ግን ቅድሚ 18 ዓመት ዕድመኦም ዝተመርዓዉ ደቂ ተባዕትዮ 2 ሚእታዊት ጥራይ’ዮም።

ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ዝፍጸም ምትልታልን ምቑራጽን ኣካል ርሕሚ፡ ኣዋልድን ድንግልናአን ከይስእና ወይ ቅድሚ ሓዳር ከይወልዳ ንምግባር ዝዓለመ ልምዲ እዩ።

‘ጊርልስ ናት ብራይድስ’ ዝተበሃለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኣብ መንጎ 2012-2020 ዝነበረ መረዳእታ ተወኪሱ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ልዕሊ 83 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ተፈጺሙ’ዩ።

ኣብ 2021 ዝወጸ ጸብጻብ ዩኒሴፍ ከም ዘመለክቶ ድማ ኣብ ኤርትራ ንዝሓለፉ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ዝርገሐ ምትልታል ኣካል ርሕሚ ብቐጻሊ ይንክይ’ሎ። ኣብ 1995፡ መጽናዕቲ ስነ-ህዝብን ጥዕናን ኤርትራ፡ ኣብ ደቂ 15-49 ዓመት እቲ ዝርገሐ 95 ሚእታዊት ምንባሩ የመልክት። ብተወሳኺ ኣብ 2002 ናብ 89 ሚእታዊት፡ ኣብ 2010 ድማ ናብ 83 ሚእታዊት ከም ዝወረደ ይሕብር።

ኣብ 2016፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፣ ዩኒሴፍ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ዩኤንኤፍፒኤን ብምትሕብባር፡ ኣብ ኤርትራ መርዓ ህፃናት ንምውጋድ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ’ዩ።

መንግስቲ ደረጃ ትምህርቲ ኣዋልድ ንምምሕያሽ፡ ተርእዮ መርዓ ህጻናት ንምንካይ፡ ምትልታል ኣካል ርሕሚ ንምውጋድን ጾታዊ ምዕሩይነት ንምርግጋጽን ይሰርሕ ምህላዉ ይገልፅ።

ብመሰረት ዓለማዊ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት፡ ኤርትራ ክሳብ 2030 መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምውጋድ ቃል ኣትያ’ያ።

ሕዳር 25፡ መዓልቲ ምውጋድ ጾታዊ ዓመፅ

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ናይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ይኽእል።

ኣብተን ዝተጠቕዓ ኣካላዊ መጉዳእቲ፣ መኻንነት ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፡ ከምኡ’ውን በሰላ፣ ስንባደ፣ ቅዛነት፣ ጭንቀት ወይ ፍርሒ የጠቓልል። ብተወሳኺ ንመድልዎን ምግላልን’ውን ይሳጥሓ’የን።

እቲ ሳዕቤን ግን ንግዳያት ጥራይ ዘይኰነስ ንደቀንን ስድራቤተንን ማሕበረሰበንን እውን ዝተርፍ’ዩ።

ኣብ ጥዕና ካልኦት ሰባት፡ ምናልባት ድማ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ጉድኣት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ማሕበረሰብ ቁጠባዊ ሳዕቤን ኣለዎ።

ከምዚኦም ዝበሉ ዓመፃት ንምውጋድ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ክውሰዱ ፀኒሖም’ዮም።

ሓደ ካብዞም ተበግሶታት ‘ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምውጋድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ’ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀ ዓመፃታትን ምልክታቶምን ንቅሓት ንምዕባይ ዝዓለመ’ዩ።

እዛ መዓልቲ ካብ 1981 ጀሚሩ፡ ዓመት መፀ 25 ሕዳር ክትክበር ጸኒሓ’ያ።