ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ማእከል ዕዳጋ ፊልድስ ኮፐንሃገን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ርእሰ ከተማ ደንማርክ፡ ኮፐንሃገን፡ ኣብ ዝዓበየ ማዕከል ዕዳጋ፡ ሓደ ዕጡቕ ብዝኸፈቶ ተዅሲ ሰለስተ ሰባት ክቐትል እንከሎ ካልኦት ብዙሓት ከምዘቝሰለ ተገሊጹ።

ምስቲ ኣብ ማዕከል ዕዳጋ ‘ፊልድስ’ ዘጋጠመ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር፡ ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡ ክሲ ተመስሪቱሉ ከምዘሎ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ መንእሰይ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸሞ ገና ከም ዘይተፈለጠ ዝገለጸ ኣዛዚ ፖሊስ ሶረን ቶማሰን፡ “ተግባር ግብረሽበራ” ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር መተ ፍረደሪክሰን ብወገና ደንማርክ ጨካን መጥቃዕቲ ኣጋጢምዋ ድሕሪ ምባል፡ ዜጋታት ኣብዚ ከቢ እዋን ንሓድሕዶም ክደጋገፉን፡ ሓቢሮም ደው ክብሉን ኣዘኻኺራ።

“እታ ምጭውትን ውሕስትን ርእሰ ከተማና ኣብ ውሽጢ ካልኢት ተቐይራ” ክትብል’ውን ወሲኻ።

ንጉሳዊ ቤተሰብ ዴንማርክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንስድራን መቕርብን ግዳያት ሓዘኖም ገሊጾም።

እቲ ደንማርካዊ ምዃኑ ዝተገለጸ ጥርጡር፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ እዋን ብረትን ጠያይትን ሒዙ ምንባሩ ፖሊስ ሓቢሩ።

ሎሚ ሰኑይ ናብ ዳኛ ከም ዝቐርብ’ውን ተሓቢሩ።

ካልኦት ውልቀሰባት ኣብቲ መጥቃዕቲ ምስታፎም ዘርኢ ዝዀነ ምልክታት ከም ዘይረኸበ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ወነንቲ ድኳናት ካብ ናይ ጸጥታ ካሜራ ንዝረኸብዎ ምስልታት ክዕቅብዎ ተማሕጺኖም።

እቲ ኣብ ወሰናስን ርእሰ ከተማ ኮፐንሃገን ዝተደኮነ ‘ፊልድስ’ ልዕሊ 140 ድኳናትን ኣብያተ መግብን ዝሓዘ ማዕከል ዕዳጋ እዩ።

ድምጺ ተዅሲ ምስ ተሰምዐ ኣብ ዓደግቲ ራዕዲ ከምዝተራእየ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

ሓንቲ ኢዛቤለ ዝተባህለት ሰበይቲ ንማዕከን ዜና ደንማርክ ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ፡ “ሃንደበት ድምጺ ተዅሲ ሰሚዕና። ዓሰርተ ተዅሲ ዝሰማዕኩ ይመስለኒ። ሽዑ ጐዪና ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ዓይን-ምድሪ ኣቲና፡ 11 ንኸውን ሰባት ኣብኡ ተኣጓጒድና ኣለና” ኢላ።

“ብርቱዕ ሙቐት ኣሎ፡ ብጣዕሚ ፈሪሕና ንጽበ ኣለና፡” ኢላ።

እቲ ዜና ምስ ተሰምዐ ንጉሳዊ ስድራ ደንማርክ ከካይዶ ወጢንዎ ንዝነበረ እንግዶት ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ። እቲ እንግዶት፡ ቀዳሞት ሰለስተ መድረኻት ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ኣብ ደንማርክ ይካየድ ምህላው ምኽንያት ብምግባር፡ ብወራሲ ዓራት፡ ልኡል ፍረደሪክ ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።

መራሕቲ ፊንላንድን ኖርወይን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት፡ በቲ ክስተት ሓዘኖም ብምግላጽ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ልኢኾም ኣለው።