ምስ ሕፁያ ዝተፈላለየት ጐርዞ ካሕሳ ክትኸፍሎ ተፈሪዳ

ምስ ሕፁያ ዝተፈላለየት ጐርዞ ካሕሳ ክትኸፍሎ ተፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት-ፍርዲ፡ ምስ ሕፁያ ብዘይ ምስምማዕ ዝተፈላለየት ኡጋንዳዊት፡ ንዘብፅሓትሉ ‘ስነ-ልቦናዊ ስብራት’ ንመፃምዳ ካሕሳ ክትኸፍሎ በይኑ።

ኣብ ኡጋንዳ ካኑንጉ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ፎርቹኔት፡ ሕፁያ ሪቻርድ ቱሚውኔ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ሓቢሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ናይ ሕጊ ትምህርታ ንክትመሃር ዝኸፈለላ ገንዘብ ንክትመልስ ኣዚዙ።

ብመሰረት ብይን እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ፎርቹኔት ካያሪኩንዳ ንትምህርታ ወፃኢ ዝኾነ 9.4 ሚልየን ሽልንግ ዩጋንዳ ወይ 2,550 ዳላር ከምኡ እውን ንቤት-ፍርዲ ዘውፅኦ ወፃእታት ሓዊሳ ካሕሳ ክትከፍል ተፈሪዳ ኣላ።

ዳኛ እቲ ቤት-ፍርዲ ኣሳናሲዮ ሙኮቢ፡ ፎርቹኔት ንኣርባዕተ ዓመታት ምስ ሪቻርድ ቱሚውኔ ድሕሪ ምፅናሕ ክትፍለዮ ስለ ዝወሰነት፡ ነቲ ገንዘብ ክትከፍል ከም ዝተወሰነ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ፎርቹኔት ካያሪኩንዳ ንሕፁያ ዝኣተወቶ ቃል ስለዘየኽበረት ንዕኣ ከምህር ዘውፅኦ ገንዘብ ተሓሲቡ ምስ ተወሳኺ ገንዘብ ክትመልሰሉ ከም ዝተበየነ ተገሊፁ።

ፎርቹኔት፡ ሕፁያ ብዕድመ ከም ዝዓብያን ስድርኣ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ክይተእቱ ከም ዝነገርዋን ብምግላፅ፡ ንምንታይ ካብ ሪቻርድ ክትፍለይ ከም ዝወሰነት ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣረዲኣ።

እንተኾነ፡ ቤት-ፍርዲ፡ እቲ ውልቀሰብ ንዕኣ ንምድጋፍ “ገንዘቡ እንከየጥፍአ እንከሎ ርክቦም እንትጅመር ኣቐዲማ ምስኡ ናይ ምቕፃል ድሌት ከም ዘይብላ ምግላፅ ትኽእል ነይራ" ኢሉ።

እቲ መጋባእያ፡ ነቲ ፎርቹኔት ዘቕረበቶ መካትዒ “ምኽንያታዊ ዘይኮነ፣ ስኑዕን ጕሕለትን’ዩ” ኢሉ ብምንፃግ እዩ፡ ብይን ሂቡ።

ይኹን’ምበር፡ ፎርቹኔት ንውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብለሉ ድያ? ዝብል ዛጊድ ኣይተፈለጠን።

ወሃብቲ ርኢቶ ግና፡ ብይን እቲ ቤት-ፍርዲ ዝተዛብዐ’ዩ ብምባል ይነቕፉ ኣለዉ። ምኽንያቶም ድማ ሕፁያት ዝኣትውዎ ቃል ከም ሓዳር ከለላ ሕጊ የብሉን ዝብል እዩ።

ኣብ ትካል ተሓላቒ መሰል ደቂኣንስትዮ ትሰርሕ ሺላ ክዋማራ፡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣዋልድ ምሳና ሓዳር ክገብራ እየን ኢሎም፡ ገንዘብ ዝህብሉ ኩነታት ከም ዘሎ ኣጠንቒቓ።