እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ወይዛ እርጋነ. . .’ ፡ እርጋን ብኸመይ ነደንጕዮ?
ዛዕባ እርጋን ክለዓል እንከሎ መቸም ብዙሓት ሰባት ዘተኵሩሉ፡ ኣእዛኖም ዝተኽሉሉን ኣርእስቲ ምዃኑ መጽናዕትታት የመልክቱ። ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ብዙሓት ሰባት እርጋን ክለግቦም ስለዘይደልዩ እዩ፡ ይበሃል'ዩ።
ኣብ ሕብረተሰብና’ኳ፡ “ወይዛ እርጋንየ ወይዛ እርጋንየ፡ ባዕላ እያ ‘ምበር ኣነስ ኣይደለኽዋን’የ!” ተባሂሉ ተደሪፉሉ እዩ። እዚ ኸኣ ብሓፈሻ ሰባት ንህይወት፡ ብጸጋ ንእስነትን ጥዕናን ክነብሩዋ ካብ ዘለዎም ክቱር ቃሕታ ህይወት ዝነቅል ምዃኑ ኣየከራኽርን።
እርጋን ግን መዓስ እዩ ዝጅምር? ወይ’ውን ሓደ ሰብ መዓስ እዩ ኣሪጕ ዝበሃል?
እዚ ሕቶ ንምምላስ፡ ‘እርጋን መዓስ ይጅምር ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ እዩ ዝምርኮስ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ፤ ብገለ ሸነኹ’ውን ንእርጋን ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ ‘ውን ዝምርኰስ እዩ።’ ተባሂሉ ይዝረብ እዩ። እዚ ድማ ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እርጋን ከነደንጕዮ ንኽእል ዶ? ዝብል ሕቶ’ውን ዘልዕል እዩ።
ስለዚ፡ ኣየናይ ዕድመ እዩ ከም ማእከላይ ዕድመ ዝቝጸር? ካብ 40 - 60? ካብ 50 - 70? ወይስ ኣብ መንጐ ‘ዚታት ዘሎ ዕድመ? ሰባት ነዛ ሕቶ ዝህብዎ መልሲ፡ ኣብቲ ዝሕተትሉ እዋን ዘሎ ዕድመኦም ዝውስኖ ምዃኑ መቸም ዝገርም የብሉን።
ኣብ 2018 ንፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብኢንተርነት ዝቐረበ መጽናዕታዊ መሕተቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ 20ታትን 30ታትን ዝነበሩ ተሳተፍቲ'ቲ መጽናዕቲ፡ ብገምጋም፡ ማእከላይ ዕድመ ካብ 40 ዓመት’ዩ ዝጅምር ክብሉ እንከልው፣ እርጋን ድማ ካብ 62 ዓመት ከም ዝጅምር ገሊጾም። ብኣንጻሩ እቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ከም ዝኣረጉ ኣይሓስቡን፤ እርጋን ካብ 71 ዓመት ንደሓር ኣቢሉ ከም ዝጅምር እምነቶም ወይ ኣተሓሳስባኦም ገሊጾም።
ካብዚ ውጽኢት’ዚ፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ብመጠኑ ርዱእ እዩ። ብርግጽ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ንነብሱ ከም ዕድመ ዝደፍአ ገይሩ ክሓስብ ኣይፈቱን እዩ። ስለዚ 40 ዓመት በጺሕካ፡ 40 እቲ ሓድሽ 30 ኢሎም ዝእውጁ ጽሑፋት ይጥዕሙኻ ይዀኑ።
ብተመሳሳሊ ኣብ 70ታት ዝርከቡ ሰባት ኣገባባት ኣመጋግባን ክንክን ጥዕናን ዘሰጕሙ ሓሳባት እናተደገፉ ካብ ማእከላይ ዕድመ ዳርጋ ኣይወጽኡን። ከምኡ’ውን ዝዀነ ንጕጅለ ክሊ ዕድመና ኣመልኪቱ ዝቐርብ ኣሉታዊ ነገራት ካብ ነብስና ክንፈልዮ ንደሊ። ንኣብነት ኣረጋውያን ከም ድኹማት፡ ስቕ ዝበሉ፡ ዝሓመሙን ጾር ሕብረተሰብ ከይተረፈ ዝዀኑን ጌርካ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣረጋውያን ዝብል ስያመ ንቃወም፣ ኣሪግካ ክንበሃል ኣይንደልን።
ብርግጽ እርጋን ክውንነት ስለዝዀነ ኣረጋውያን ብኣኽብሮትን ክብርን ክተሓዙ የድሊ። ስለዚ ሰባት ንርእሶም ከም ኣረጋውያን ገይሮም ክቘጽሩ ዘይደልዩ እንተዀይኖም፡ ወይ እርጋን ክለግቦም ዘይደልዩ ሰባት እንተርኢና፡ ምናልባት፡ ርእሰ ምልኣት ከም ዝስምዓካ - ንእርጋን ብምንጻግ - ህይወት ምርካብ ዘኽእል ቅቡልን ርትዓውን ስትራተጂ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብኡ መንጽር’ውን ክርአ ኣለዎ - እርጋን ዘይምቕባላ!
ኣብ 2003 ተመራመርቲ ሃና ኩፐርን ሰር ማይክል ማርሞትን ዝተባህሉ፡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታት ኣብ ጥዕናን ዕድመን ሰባት ዝህልዎ ጽልዋ ዝመራመሩ ፍሉጣት ተመራመርቲ፡ እርጋን መዓስ እዩ ዝጅምር ኣብ ዝብል ዛዕባ ሰፊሕን ነዊሕን መጽናዕቲ ኣካይዶም እዮም።
እቲ መልሲ ብርግጽ ዝተፈላለየ እዩ ኰይኑ። ኩፐርን ማርሞትን ዝረኸብዎ ውጽኢት፡ እቶም እርጋን ኣቐዲሙ እዩ ዝጅምር ኢሎም ዝኣምኑ፣ ወይ ንእርጋን ቀልጢፎም ኢዶም ዝህቡ ሰባት፡ ክሳብ ትሽዓተ ዓመት ምርምራዊ ምክትታትል ተገይሩሎም ውጽኢቶም ክርአ እንከሎ፡ ንወቕዒ ልቢ ዝኣመሰለ ሕማማት ልቢ ክሳቐዩ ወይ ብሓፈሻ ኣብ ሕማቕ ኣካላዊ ጥዕና ናይ ምህላዎም ተኽእሎ ዝለዓለ ምዃኑ ውጽኢት መጽናዕቶም የረጋግጽ።
እቶም ተሳተፍቲ ናይዚ ብ ዋይትሆል II ዝፍለጥ መጽናዕቲ፡ ኣብ ለንደን ዝሰርሑ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝተኻየደ ነዊሕ መጽናዕቲ እዩ። እቲ መጽናዕቲ ጽዑቕ ኰይኑ፡ ተሳተፍቲ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪብሎም። እዚ ማለት ኩፐርን ማርሞትን ካልኦት ረቛሒታት ማለት ከም ደረጃታት ስራሕ ኣብ ውጽኢት ጥዕና ዘለዎ ጽልዋ’ውን ንምርኣይ ዝዓለመ’ውን እዩ ነይሩ።
ስለዚ ከመይ ጌሩ እዩ እቲ እርጋን ዝጅምረሉ እዩ ኢልካ እትጽውዖ ቍጽሪ/ዕድመ ኣብ ጥዕናኻ ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል?
መልሲ ናይቲ እርጋን መዓስ ይጅምር ዝብል ቀሊል ሕቶ፡ ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ዝበዝሕ ሓበሬታ ይህብ።
ንኣብነት፡ እቲ ሕቶ ሰባት ብዛዕባ ኣካላዊ ጥዕና ገዛእ ርእሶም ክሓስቡ ዝድርኾም ክኸውን ይኽእል እዩ፣ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ጉዳያት ወይ ድኹም ኣነባብራ እንተሃልይዎም ድማ፡ ክንድኡ ጽቡቕ ስምዒት ከይስምዖምን እርጋን ቀልጢፉ ይመጽእ ከምዘሎ ክሓስቡን ይድርኾም ይኸውን።
እርጋን ኣብ ንኡስ ዕድመ ከም ዝጅምር ዝዛረቡ ሰባት እውን፡ ምንቍልቋል ጥዕና ዘይተርፍ ምዃኑ ስለዝኣምኑ፡ ኣብ ጥዕናዊ ኵነታቶም ዘይግደሱን ንሓገዛት ዕሽሽ ክብሉን ጥዕና ዘለዎ ልምድታት ናይ ምዝውታር ተኽእሎኦም ትሑት ክኸውን ይርአ እዩ።
ንኣብነት ኣረጋውያን ድኹማት እዮም፡ ስለዚ ኮነ ኢሎም ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኦም ክብሉ ልክዕ ከምቲ ክገብርዎ ዘይግባኦም ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዝያዳ ቀስ ኢሎም ምጕዓዝ ይጅምሩ፡ ኢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም።
ብሰንኪ ዕድመኦም ነገራት ክርስዑ ምዃኖም ስለ ዝጽበዩ፡ ኣብ ናይ ምዝካር ክእለቶም ምጽጋዕ ባዕሎም የቋርጹ፣ ወይ ንኽእለቶም ባዕሎም የዳኽምዎ።
ስለዚ፡ ብዛዕባ እርጋን ኣሉታዊ ሓሳባት ምምዕባል ዘስዕቦ ጸቕጢ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ንሕዱር ነድሪን ዝያዳ ጸገማት ጥዕናን ከቃልዕ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ፡ ምስቲ ብዛዕባ እርጋን ዝግለጽ ጽዋታት፡ ሰባት ነቲ ዝፈርሕዎ ጸገማት ወይ ዝስምዖም ስምዒት ባዕሉ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።
እቲ ብኣንጻር’ዚ ዘሎ ነገራት ከኣ ውጽኢቱ ብኣንጻሩ ከም ዝኸውን ኣየከራኽርን። በዚ መሰረት፡ እርጋን ድሒሩ እዩ ዝጅምር ኢሎም ዝኣምኑ ወይ ንእርጋን ብኣጋ ዘይቅበሉ ሰባት፡ ብዛዕባ ጥዕናኦምን ብቕዓት ኣካላቶም ዝያዳ ክፈልጡን ክግደሱን ይኽእሉ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝሓሸ ቍመና ንኽጸንሑ ዘኽእሎም ንጡፍ ስጕምትታት ክወስዱ ይኽእሉ። ንኣሽቱ ኢና ኢሎም ስለዝሓስቡ ብንእስነት ይመላለሱ፣ ጽቡቕ ዓንኬላት ንእስነት ድማ ይፈጥሩ።
ብዛዕባ እርጋን ብኣወንታ ምሕሳብ ጽቡቕ ረብሓታት ከም ዘለዎ ዘርኢ መጽናዕቲ፡ እዚ ናይ ኩፐርን ማርሞትን ጥራይ ኣይኮነን፤ ቤካ ሌቪ ካብ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና የል ዩኒቨርሲቲ፡ ከምኡ'ውን ካብ ኦሃዮ መጽናዕቲ እርጋንን ጡረታን ዝተረኽቡ መረዳእታታት’ውን፡ ፍሉይ ውጽኢት ኣምጺኦም እዮም። እቲ ኣብ ኦሃዮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 50 ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ ሽሕ ሰባት ተኸታቲሉ ነይሩ።
ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም እርጋን ኣወንታዊ ሓሳባት ዝነበሮም ሰባት፡ ካብቲ ዝነበሮም ዕድመ ብማእከላይ ገምጋም ን22.6 ዓመታት ከም ዝነብሩ ክረክብ እንከሎ፡ እቶም ብዛዕባ እርጋን ኣሉታዊ ስምዒት ዝስምዖም ሰባት ግን ብማእከላይ ገምጋም ን15 ዓመት ጥራይ ዝያዳ ይነብሩ ነይሮም።
ቀጺሉ ድማ ብሱዛን ዉርም ካብ ዩኒቨርሲቲ ግራይፍስዋልድ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ’ውን፡ ነቲ ጸገም ብዝያዳ ብልክዕ ከረጋግጾ ከም ዝኸኣለ እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ነቶም ብዛዕባ ምጅማር እርጋን ዝያዳ ኣሉታዊ ኰይኖም ዝሓስቡ ሰባት ገለ ጽቡቕ ዜና ይህቦም እዩ።
ብመሰረቱ፡ ካብቲ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ብዙሕ ኣብ ዝቕልጥፍ ብኣጋ ናይ ምማት ተኽእሎ የብሎምን። እዚ ይዅን ግን ሕጂ’ውን፡ እቶም ብዛዕባ እርጋን ኣወንታዊ ሓሳብ ዘለዎም፡ ወይ ንእርጋን ቀልጢፎም ዘይቅበሉ ሰባት፡ ሓደስቲ ነገራት ክመሃሩ ሓድሽ መደባት ክውጥኑ ክነብሩን ስለዝረኣዩ፡ እዚ ኸኣ ንዓታቶም ካብቲ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ዝያዳ ዝነውሐ ዕድመ ክነብሩ ከም ዘኽእሎም እቲ መጽናዕቲ የረጋግጽ።
ኣብዚ መጽናዕቲ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣካላዊ ጽልዋ እርጋን እንታይ ከም ዝሓስቡ ክሳብ ክንድኡ ተገዲሱ ኣይረኣዮን። እቲ ዘገድስ፡ እንተኣሚኖም፡ ሰባት ብኣካልን ኣእምሮን ክዓብዩ ከም ዝኽእሉ እዩ፡ ይብል።
ኵሉ’ዚ መጽናዕቲታት ዘረጋግጾ ነገር እንተሃልዩ፡ መስርሕ እርጋን ብተኣምራት ደው ከነብሎ ወይ ክንመልሶ ከምዘይከኣል እዩ። ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምዝካር፡ ሓይሊ ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን፡ መስርሕ ሕውየት፡ ኵሉ ክጐድል ግድን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣረጋውያን ንዝዀነ ሕማማት ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም። እንተዀነ ብኣተሓሳስባና ግን ንእርጋን ከነደንጕዮ ይከኣል እዩ።
እዞም ዓበይቲ መጽናዕትታት ኵሎም ኣብ ማእከላይ ገምጋም ዝተመርኮሱ እዮም። ጋዜጠኛ ሳይንስ ዴቪድ ሮብሰን ኣብታ ዘ ኤክስፐክቴሽን ኢፈክት እትብል መጽሓፉ ካብ ዝሃቦ ምኽርታት፡ እናዓበና ምስ ከድና ኣብ እንረኽቦ ተመኵሮታትን ፍልጠትን ከነተኩርን፡ እዚ ኸኣ ምስ ሂወትና ብምትሕሓዝ ክሳብ ክንደይ ዝሓሸ ከም እንረክብ ከነስተብህለሉን ከም ዘለና ይመክር።
ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ጥዕና ምስ ዝስእኑ፡ ኵሉ ብሰንኪ እርጋን እዩ ኢሎም ክሓስቡ ኣይግባእን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዋላ’ኳ እናኣረግና ንኸይድ እንተሃለናን እርጋን ፍጹም ዘይምቕባላ፡ ጥዑያት ክንከውን ምፍታንን ገና ክንገብሮ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ከምዘሎ ምእማንን ፈጺምና ተስፋ ዘይምቝራጽን ወሳኒ እዩ። ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ እንተ ሒዝና፡ ኵልና ነዊሕ ዕድመ ክንነብርን ብፍላይ ነቲ ዳሕረዋይ ዓመታት ዕድመና ብግቡእ ከነስተማቕርን ተኽእሎ ኣሎ።