'ብዘይካ ምምላስ ካልእ ኣማራጺ የለን' - ብውሳነ ትራምፕ ተስፋ ዝቘረጹ ስደተኛታት

ማርቆስ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ገና ወዲ 16 ዓመት እንከሎ፡ ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ግዝኣት ሚቾኣካን - ሜክሲኮ፡ ብሓይሊ ናብ መርበብ ምስግጋር ዕጸፋርስ ከምዝተመልመለ ይዛረብ።

ማርቆስ (ሓቀኛ ስሙ ኣይኮነን) ብዛዕባ እቲ ዘፍርሕን ዝሃደመሉን ኵነታት ኣብ ዘዘንቱ፡ ንሱን ስድራኡን ምስ ዝተኸደንዎ ክዳን ጥራይ ካብ ሚቾኣካን ከም ዝሃደሙ ይገልጽ።

ሓደ ምሸት ንሕማም ስኒ ኣደኡ መዐገሲ ቃንዛ ዝኸውን መድሃኒት ክገዝእ ናብ ፋርማሲ ምስከደ ሃንደበት ብኣርባዕተ ፒክኣፕ መካይን ብዝመጽኡ ሰባት ከምዝተኸበበ ይዝክር።

"እቶ" ኢሎም ኣዘዝዎ፤ "እንተዘይኰይኑ ስድራኻ ክንቀትሎም ኢና" ከምዝበልዎ'ውን ይገልጽ።

ናብ ሓደ ካልኦት ሓያሎ መንእሰያት ዝተዳጐኑሉ ጸቢብ ገዛ ወሲዶም ከኣ ዳጐንዎ።

ሓደ ዝደንገጸሉ ኣባል እቲ ጕጅለ ገበነኛታት ብዝፈጠረሉ መገዲ ክሃድም ቅድሚ ምኽኣሉ፡ ንኣዋርሕ ኣብቲ ክሳተፈሉ ዘይደልዮ ኲናት ከም እግረኛ ወተሃደር ክኸውን ከም ዝተገብረ ይዛረብ።

ማርቆስ ድሕሪ ምህዳሙ ኣብ ውሽጢ ዶባዊት ከተማ ቲጁዋና-ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ሓተትቲ ዕቑባ ኰይኑ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኡ ክጽበ ጸኒሑ'ሎ።

ምስቲ ኣብ ሜክሲኮ ዘሎ ኵነታት፡ ብኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ "ተኣማንነት ዘለዎ ስግኣት ድሕነት" ስለዘቕረበ ከእምኖም ከም ዝኽእል ርእሰ ተኣማንነት ነይርዎ።

ሕጂ ግን ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ኢሚግሬሽንን ድሕነት ዶባትን ዘሕለፎ ትእዛዛት ነቲ ዝተኣማመነሉ ዕድሉ ዘበላሸወ ይመስሎ።

"ኵነታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ እናረኣዩ ከምዝውስኑ ተስፋ እገብር። ልቢ ትራምፕ ድማ ነቶም ብሓቂ ሓገዝ ዘድልዮም ንምሕጋዝ ከምዝርህርህ ተስፋ ኣለኒ" ይብል።

ትራምፕ ናብ ፕረዚደንትነት ካብ ዝምለስ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዝኣተዎም መብጽዓታቱ ንምፍጻም ዝዓለመ ትእዛዛት ምፍራሙ ይፍለጥ። እዚ ድማ ኣብ ዶብ ኣሜሪካ ዘይሕጋዊ ስደትን ሕቶ ዑቕባን ብዝለዓለ ደረጃ ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።

ካብቶም ስጕምትታት እቲ ካልእ፡ ንገለ መርበባት ምዝውዋር ዕጸፋርስ ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለታት ብምእዋጅ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኰይኑ፡ ንወተሃደራዊ ስጕምትታትን ምስጓግን መንገዲ ዝጸርግ ከምዝኸውን ይእመን።

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ንዝርከቡ ደገፍቲ ትራምፕ፡ ኣገዳስነት ናይዞም ተረርቲ ስጕምትታት ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን።

ኣደ መንበር ሪፓብሊካን ፓርቲ ኣውራጃ ሳንዲያጎ ዝኾነት ፓውላ ዊትሰል ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት "ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ምስጓግ" ዝበሎ ውጥን ክትገልጽ ከላ "እፎይታ ዝህብ ክኸውን'ዩ" ትብል።

"ኣብዚ ኣብ ሳንዲያጎ ካውንቲ ዘሎ ስርዓትና ብሰንኪ እቶም ኵሎም ናብዚ ዝኣትዉ ሰባት ኣዝዩ ተጨናኒቑ ኣሎ" ክትብል ንውሳነ ትራምፕ ዘለዋ ደገፍ ትገልጽ።

እቶም ስጕምትታት ብባህሪኦም ጸረ-ስደተኛታት ከምዘይኰኑ ብምሕባር "ሕጂ'ውን ናይ ስደተኛታት ሃገር ኢና" ትብል ፓውላ።

እቲ መምርሒ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰነዳት ዘይብሎም ገበነኛታት ንምእላይን ነቶም ኣብ ስግር ዶብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘካይዱ ጕጅለታት ንምፍራስን ዝዓለመ ምዃኑ ተረድእ።

ግን ከኣ፡ ነቶም "ዝዀነ ጌጋ ኣይገበርናን፤ ሕጋዊ ሕቶ ዑቕባ ኣለና" ዝብሉን ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ኰይኖም ንዘቕረብዎ ሕቶ ዕቑባ መልሲ ዝጽበዩን ሰባት ግን፡ ትእዛዝ ትራምፕ ስግኣት ጃምላዊ ምስጓግ ኣሕዲሩሎም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ ንግሆ፡ ኣስታት 60 ስደተኛታት ኣብ ቲጁዋና ኣብ ዝርከብ መሳገሪ ተኣኪቦም፡ ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኦም ምስ ሓለውቲ ዶባት ክዘራረቡ ተጸብዮም ነይሮም፤ ግን ዕድል ኣይገበሩን። ኣብ ክንድኡ ብሰበስልጣን ሜክሲኮ እናተመርሑ ናብተን ናብ መዕቆቢታት ዝመልስኦም ኣውቶቡሳት'ዮም ደይቦም።

ምዝገባ ብመተግበሪ ሞባይል

'ሲቢፒ ዋን ኣፕ' - ብምምሕዳር ባይደን ዝተጀመረን ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ብትራምፕ ዝተነቐፈን ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽን (መተግበሪ) ከምዝተዓጸወ ይፍለጥ።

እቲ መተግበሪ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዑቕባ ንምሕታት እቲ እንኮ ሕጋዊ መንገዲ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ። ኵሉ በቲ ኣፕሊኬሽን ተታሒዙ ዝነበረ ቆጸራታት ብምስራዙ ድማ ዶብ ምስጋር ዝበሃል ኣይክህሉን እዩ።

እዚ፡ ንገሊኦም ስደተኛታት ዳርጋ መፈጸምታ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኣሎ።

ኦራልያ ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቃ፡ ኣብቲ ካብ ዶብ ኣሜሪካ ብሓጺር ርሕቐት ዝርከብ መዕቈቢ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ጸኒሓ'ላ።

ካብ ስግኣት መርበብ ምስግጋር ዕጸፋርስ ትሃድም ከምዘላ ትዛረብ ኦራልያ፡ ወዲ 10 ዓመት ወዳ ድማ ዘውድቕ ሕማም ከምዘለዎ ትዛረብ። ተስፋኣ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሓደ ውሑስ ቦታ ሕክምናዊ ክንክን ክትገብረሉ ነይሩ።

ብዘይ እቲ 'ሲቢፒ ዋን' ዝበሃል መተግበሪ ሞባይል ግን፡ እቲ ዘቕረበቶ ሕቶ ክስማዕ ተስፋ ከምዘይብላ ትዛረብ።

"ብዘይካ ናብ ድሕሪት ምምላስን ዝዀነ ነገር ከምዘይበጽሓና ኣብ ፈጣሪ እምነት ምሕዳርን ካልእ ኣማራጺ የብልናን" ትብል።

ሓደ ናይቲ ከባቢ ጠበቓ መሰል ስደተኛታት፡ ውሳነታት ፕረዚደንት ትራምፕ ከመይ ከም ከምዝኸውን ክትጽበን ክትዕዘብን መኺርዋ ነይሩ፤ ንሳ ግን ተስፋ ስለዝቘረጸት ነቒላ ኣላ።

ሳንጣታታት ተዳልዮም ኣለዉ፤ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐትሉ 'ገዛይ' ኢላ እትጽውዖ ዳስ ድማ ብድሕሪኣ ንዝመጽኡ ካልኦት ስድራቤት ይጽበ ኣሎ።

"ኵሉ ኣዝዩ ዘይፍትሓዊ እዩ ነይሩ" ትብል ንብዓታ እናሓበሰት።