ዱባይ፡ መራሒ መርበብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ድሕሪ መርመራ ቢቢሲ ተታሒዙ

ቻርለስ "ኣቢ" ምዌሲግዋ

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ምስ ጾታዊ ተግባራት ዝተኣሳሰር ዝርብሽ ትሕዝቶን ስእላዊ መግለጺታትን ዝሓዘ እዩ።

መስመር

ቢቢሲ፡ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዱባይ ተቓላዕቲ ደቀንስትዮ ዝመዝመዘ ዘጸይፍ መርበብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ዝመርሕ ዝነበረ ውልቀሰብ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተኣስረ ፈሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ቢቢሲ፡ ነቲ መርበብ ከም ዝመርሕ ዝተፈልጠ ቻርለስ "ኣቢ" ምዌሲግዋ፡ ንሓደ ሕቡእ ሪፖርተር፡ ኣብ ሓደ ድግስ፡ ንጾታዊ ርክብ ዝዀና ደቀንስትዮ ብ1000 ዶላር መበገሲ ዋጋ ከቕርበሉ ከም ዝኽእል ክነግሮ እንከሎ ብስእሊ ተቐዲሑ።

ብተወሳኺ እተን ደቀንስትዮ ዓማዊል ዝደልይዎ "ዳርጋ ኵሉ" ክገብራ ከም ዝኽእላ ብምግላጽ፡ ኣብ ለንደን መራሒ ኣውቶቡስ ምንባሩ ተዛሪቡ።

ምዌሲግዋ ኣብ ኢማራት ዓረብ እንታይ ዓይነት ክስታት - ዝቐረበ እንተሃልዩ - ከም ዝተመስረተሉ ንጹር ኣይኰነን።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ድማ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ትካል ሕጊ ዱባይ ግን፡ ምዌሲግዋ ኣብ ዱባይ ኣል ዓዊር ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተኣሰረ መረጋገጺ ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ምዌሲግዋ ብኢንተርፖል ዩጋንዳ ቀይሕ ምልክታ ከም ዝተዋህበ'ዉን ሓቢሩ።

ቀይሕ ምልክታ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ፖሊስ ንሓደ ሰብ ኣሕሊፉ ክሳብ ዝወሃቦ ክኣስርዎ ዝቐርብ ሕቶ እዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኢማራት ዓረብ ኣቡዳቢ ዝርከብ ኤምባሲ ዩጋንዳ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ምርመራታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ይቕጽል ከም ዘሎን ብሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ስጕምቲ ከም ዝተወሰደን፡" ገሊጹ።

እዚ መግለጺ ምስ ማእሰርቲ ምዌሲግዋ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።

ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ኣብ ዘካየዶ መርመራ፡ ናይ ስራሕን ዕድላትን መብጽዓ ሒዘን ናብ ዱባይ ከም ዝተጓዕዛ፡ እንተዀነ ብዕዳ ተገዲደን ናብ ፋይቶነት ክኣትዋ ከም ዝተገደዳ ዝገለጻ መንእሰያት ዩጋንዳውያን ደቀንስትዮ ምስክርነት ኣቕሪቡ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እተን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ከም ሱፐርማርኬት ወይ ሆቴላት ዝኣመሰሉ ቦታታት ንምስራሕ ናብ ኢማራት ዓረብ ይኸዳ ከም ዘለዋ ከም ዝኣምና ገሊጸን።

ኣብ ዱባይ ፋይቶነት ዘይሕጋዊ እዩ።

ብውሑድ ሓደ ካብ ዓማዊል ምዌሲግዋ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ደቀንስትዮ ክሸይን ብቐጻሊ ይሓትት ከም ዝነበረት "ሚያ" - ድሕነታ ንምሕላው ስማ ዝተቐየረ- ገሊጻ፤ ንሳ ግዳይ መርበብ ከም ዝነበረት ትረዛብ።

ምዌሲግዋ ኣብ መርመራ ቢቢሲ ዝቐረበ ኵሉ ክስታት ነጺግዎ'ዩ።

እኳ ድኣ፡ ነተን ደቀንስትዮ ብመገዲ ኣካረይቲ መንበሪ ገዛ ንኽረኽባ ከም ዝሓገዘን ብምግላጽ፡ ብሰንኪ እቲ ምስ ሃፋትም ሰባት ዘለዎ ርክባት፡ ደቀንስትዮ ናብ ድግሳት ከም ዝስዕባኦ ገሊጹ።

"ኣነ ኣብ ጠረጰረዛይ ዓበይቲ ወጻኢታት ዝገብሩ ሰባት ዝዕድም ናይ ፓርቲ ሰብ ጥራይ እየ ኢለኩም ነይረ። በዚ ድማ ብዙሓት ኣዋልድ [ናብ] ዘለኹዎ ይውሕዛ፤ እዚ ድማ ምስ ብዙሓት ኣዋልድ ከም ዝላለ ይገብረኒ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ምስ ምዌሲግዋ ዝተኣሳሰራ ክልተ ደቀንስትዮ ሞኒክ ካሩንጊን ካይላ ቢሩንጊን፡ ካብ ልዑል ደርቢ ኣፓርታማታት ድሕሪ ምውዳቐን ከም ዝሞታ ኣረጋጊጹ።

ሞት እዘን ግዳያት፡ ነብሰ ቅትለት ተባሂሉ እኳ እንተተወሰነ፡ ፈተውተንን ቤተሰበንን ፖሊስ ዝያዳ መርመራ ክገብሩ ነይሩዎም ይብሉ።

ምዌሲግዋ፡ እቶም ፍጻመታት ብፖሊስ ዱባይ ከም ዝተመርመሩን ሓበሬታ ንምርካብ ክንረኽቦምን ነጊሩና፤ ፖሊስ ግን ንሕቶ ቢቢሲ መልሲ ኣይሃቡን።

ብዛዕባ እቲ መርመራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓርላማ ዩጋንዳ ብዙሕ ዘተታት ተኻይዱ፡ ሚኒስተራት ድማ "ዘሰክፍ" ብምባል ፍትሒ ንምርግጋጽ ምስ ኢንተርፖል ክሰርሑ ቃል ኣትዮም።

ብዛዕባ እዚ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣብ ዩትዩብ ዱባይ፡ ዘጸይፍ መርበብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ተቓሊዑ ትረኽቡዎ።