ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ምግፋዕ ደው ክብል በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ጸዊዑ

ሰበስልጣን፡ ንሰራሕተኛታት ሚድያ ብፍላይ ድማ መርመርቲ ጋዜጠኛታት ምግፋዕ ደው ከብሉ ብመንግስቲ ዝምወል በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ጸዊዑ።

ብውልቂ ዝውነን ኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን (ኢሳት ቲቪ) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ፍርዲ ናይ ምፍርራሕ ደብዳበ ዝበሎ ከም ዝበጽሖ ድሕሪ ምግላጹ እቲ መጸዋዕታ ቀሪቡ ዘሎ።

"ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን፡ ስራሕ መርማሪ ጋዜጠኝነት ደው ንኽብል ትእዛዝ ናይ ምሃብ ምባል ዝንባለ ተራእዩ'ዩ" ይብል እቲ በዓል መዚ።

"ብመሰረት ምቹእ ሃዋህው መራኸቢ ብዙሃን ንምፍጣር ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብምስምማዕ፡ በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይኹን ወገን ኣብ ልዕሊ መርመርቲ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ምግፋዕ ደው ክብል ይጽውዕ"።

ኣብ ኢትዮጵያ ምቹእ ሃዋህው መራኸቢ ብዙሓን ከም ዘየለ ብዙሓት ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሓደ ካብዚኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ማእሰርቲ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ መስራቲትን ዋናን “ኢትዮ ንቃት” ዝተባህለ ሚድያ ዩትዩብ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ፈደራል ከም ዝኣተወት በዓል ቤታ ንቢቢሲ ምግላጹ ይዝከር።

ንመንግስቲ ብምንቃፍን ብምቅዋምን እትፍለጥ መስከረም፡ '22' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ናይ ሲቪልን ፖሊስ ፈደራልን ዝተኸድኑ ሰባት ከም ዝወሰድዋ በዓል ቤታ ኣቶ ፍጹም ገብረሚካኤል ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእያ ናይ ሕትመት ሚድያታት፡ ብዙሕ ተነባብነትን ዝናን ካብ ዝነበረን ሓንቲ ጋዜጣ ‘ኣዲስ ነገር’ ኮይና፡ ሓደ ካብቶም ነታ ጋዜጣ ዘዳለዉ ዝነበሩ ታምራት ነገራ ብዝበጽሖ ማእሰርቲ ክስደድ ከም ዝተገደደ’ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ታምራት፡ ‘ተራራ ኔትዎርክ’ ኢሉ ዝሰመዮ ናቱ ናይ ዩትዩብ ቻነል ብምኽፋት፡ ዜናን ትንታነታትን ከቕርብ ጀሚሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ብኣባላት ጸጥታ ካብ ቤቱ ተወሲዱ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳሩ ብዋሕስ ከም ዝወጸን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ናብ ስደት ከም ዘምርሐን'ዩ ተዛሪቡ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ምፍርራሕ እናወሰኸ መጺኡ፡ ኣብ እንዳ ሓዘን፡ ኣብ መርዓን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታትን ኣብ ዝኸደሉ “ክንርእየካ የብልናን” ዝብሉ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ክርአዩ ስለ ዝጀመሩ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምንባር ኣስጋኢ እናኾነ ከም ዝመጸ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ መንግስታት ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን ብዘካይድዎ 'ሕጊ ናይ ምኽባር' ዝብልዎ ወፍሪ፡ ልዕሊ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ ነይሩ።

ካብ መንጎኦም፡ ብሞያ ጋዜጠኝነቶም ዝፍለጡ፡ ሰለሞን ሹምዬ፡ ተመስገን ደሳለኝ፡ ያየሰው ሽመልስ፡ መዓዛ መሐመድን በቃሉ አላምረውን ይርከብዎም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ዓለምለኸ ተጣበቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታትን፡ ነቲ ማእሰርቲ ብምቅዋም ንዘለዎም ሻቕሎት ዝገልጽ መግለጺታት ኣውጺኦም ምንባሮም’ውን ዝዝከር’ዩ።

መራኸብቲ ብዙሃን እታ ሃገር ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ዝፀረያን፡ ብሰብሞያ ዝመርሓን ክኾና ከምዝግባእ ዝገልጹ ክኢላታት ሒደት ኣይኮኑን።

"ፖለቲካዊ ጣልቃ ኣእታውነት” ኣብ ሚዛናውነት መራኸቢ ብዙሃን ጸገም ከም ዝፈጥር በዓል ሞያ ሚድያ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም መምህር ዳንኤል ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ “ሚድያ ናይ ዲሞክራሲ ትካል እዩ ዝበሃል ኣካይዳ ኣብ ኢትዮጲያ ኣይሰረሐን ምባል ይከኣል" ብምባል'ዩ ዝምጉት።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነኑን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎምን መራኸቢ ብዙሃን ከምኡ ድማ ብኣንጻሩ ብብሕቲ (ብውልቀ) ዝውነኑ ሚድያታት፡ ነቲ ዝድግፍዎ ኣካል ጥራሕ ዘማእኽሉ ጸብጻባት ምስርሖም ነቲ ዓውዲን ሙያ ጋዜጠኝነትን ኣብ ፈተና ክወድቕ ከምዝገበሩ ሰብሞያ ክዛረቡ ጸኒሖም’ዮም።