መስከረም ኣበራ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትያ

መስራቲትን ዋናን “ኢትዮ ንቃት” ዝተባህለ ሚድያ ዩትዩብ፡ ሰሉስ 4 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ]፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ፈደራል ከምዝኣተወት በዓል ቤታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንመንግስቲ ብምንቃፍን ብምቅዋምን እትፍለጥ መስከረም፡ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ '22' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ብሓባር ኣብ ዝነበሩሉ ናይ ሲቪልን ፖሊስ ፈደራልን ዝተኸድኑ ሰባት ከምዝወሰድዋ በዓል ቤታ ኣቶ ፍጹም ገብረሚካኤል ገሊጹ።

መስከረም መንነት እቶም ውልቀ ሰባት ምስ ሓተተት ኣባላት ፖሊስ ፈደራል ምዃኖም ከምዝገለጹላ ዝሕብር በዓል ቤታ፡ ሜክሲኮ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ፖሊስ ፈደራል፡ ብመኪና ከምዝወሰድዋ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ፍጹም፡ ናብቲ በዓልቲ ቤቱ ዝተኣሰረትሉ ኣብ ከባቢ ሜክሲኮ ዝርከብ ምርመራ ገበን ፈደራል ከይዱ ከምዝረኸባን ብምንታይ ገበን ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት ከምዘይትፈልጥ ከምዝነገረቶን እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ቢቢሲ፡ መስከረም ንምንታይ ከምዝተኣሰረት ካብ ፖሊስ ፈደራል ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ንመንግስታት ክልልን ፈደራልን ብምንቃፍ እትፍለጥ መስከረም፡ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት 2014 ዓ/ም ተኣሲራ ከም ዝነበረትን ብ 30 ሽሕ ብር ዋሕስ ከምዝተፈተሐትን ኣቶ ፍጹም ኣዘኻኺሩ።

ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ዝነበረት መስከረም ኣበራ፡ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ግንቦት ህዝባዊ ናዕቢ ብምልዕዓል ተኸሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ነይራ።

ንሳ ስራሕ መምህርነት ገዲፋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስርሓት ሚድያ ከምዝተዋፈረት በዓል ቤታ ኣቶ ፍጹም ገብረሚካኤል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።