ቅድሚ 30 ዓመታት ካብ ዝዘሓለ ድቂ፡ መናቱ ቆልዑ ተወሊዶም

ምንጪ ስእሊ, NATIONAL EMBRYO DONATION CENTER
ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ተነሲ፡ ቅድሚ 30 ዓመት ዝሒሉ ካብ ዝተቐመጠ ድቂ መናቱ ተወሊዶም።
እቲ ፍጻመ፡ ዝነውሐ ዕድመ ካብ ዘለዎ ዝዘሓለ ድቂ ህይወት ዘለዎም ህጻናት ብምውላድ እዚ ናይ ሕጂ ሓድሽ ክብረ ወሰን ከም ዝዀነ እዩ ዝእመን።
እቶም ድቂታት ኣብ ሚያዝያ 1992 እዮም -128 ዲግሪ ሴንትግሬድ ኣብ ዝዀነ ፈሳሲ ናይትሮጅን ተቐሚጦም።
ራቼል ሪጅወይ ዝተባህለት ኣዶ ድማ ኣብ 31 ጥቅምቲ ነቶም መናቱ ወሊዳቶም።
እቲ ፊሊፕ ሪጅወይ ዝተባህለ ኣቦ ነቲ ፍጻመ “ዘስትንክር” ክብል ገሊጹዎ።
ሰባት ካብ ዝለገስዎ ድቂታት ልዕሊ 1200 ህጻናት ክውለዱ ከም ዝገበረ ዝገልጽ፡ ሃገራዊ ማእከል ወፈያ ድቂ (ኤን ኢ ዲ ሲ)፡ እቶም ሊድያ ኣንን ጢሞቲ ሮናልድ ሪጅወይን ዝተባህሉ መናቱ፡ ሓድሽ ክብረወሰን ከየመዝገቡ ከም ዝተርፉ ኣፍሊጡ።
መረዳእታ እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ ቅድሚ ሕጂ፡ ን 27 ዓመታት ካብ ዝዘሓለ ድቂ ኣብ 2020 ዝተወለደት ሞሊ ጊብሰን እያ ነዊሕ እዋን ካብ ዝገበረ ድቂ ናይ ዝተወለዱ ክብረ ወሰን ሒዛ ነይራ።
ነቲ ምስግጋር ድቂ ዘካየደ ዶ/ር ጆን ጎርደን፡ ሰባት ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝለገሱዎም ድቂታት መሊሶም ወሲዶም ክወልዱዎም ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጽ ከምዝዀነ ይገልጽ።
እቶም መናቱ ድቂታት ብኣይ ቪ ኤፍ ንዘይተፈለጡ ሰብ ሓዳር ዝተዳለዉ እዮም ነይሮም።
እቲ ሰብኣይ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓምሳታት ከም ዝነበረ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ናይ ሓንቲ ጓል 34 ዓመት ንእስቲ እንቋቑሖ ተለጊስሉ ነይሩ።
እቶም ድቂታት ክሳብ 2007 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ወሊድ ተቐሚጦም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ እቶም መጻምዲ ካልእ ሰብ ክጥቀመሎም ንማእከል ድቂ ኣሜሪካ ሂቦምዎም።
ሰብ ሞያ እቲ ማእከል ድማ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ናብ ማህጸን እታ ዝወለደቶም ሰበይቲ ክኣትዉ ገይሮምዎም።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ዜና “እቲ ድቂ ናይ ምዕባይ በረከትን ካልኦት እውን ክፍትንዎ ዘተባብዕ እዩ” ኢሉ።
ኣርባዕተ ቆልዑ ዘለዉዎም ብሪጅወይስ ዝፍለጡ ቤተሰብ፡ ንፈለማ ግዘ እዮም ካብ ሰባት ብዝተለገሱ ድቂታት ነዞም መናቱ ወሊዶም ዘለዉ።
ፊሊፕ ሪጅወይ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት “ኣምላኽ ንሊድያን ጢሞቲን ህይወት ክህቦም እንከሎ ኣነ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነይረ፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ነታ ህይወቶም ዓቂብዋ ጸኒሑ” ክብል ተዛሪቡ።
“ዋላኳ እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ደቅና እንተዀኑ፡ ግን ድማ እቶም ዝዓበዩ እዮም። እዚ ኩነታት ዘስተንክር ነገር ኣለዎ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







