ዋና ዝሰኣነ 5 ሚልዮን ዶላርን ስኑዕ ወርቅን

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ፣ ስኑዕ ወርቂ፣ ሸጓጉጥን ኣጽዋርን ጽዒና ኣብ ርእሰ ከተማ ዛምብያ ሉሳካ ዝተረኸበት ነፋሪት ጥቡቕ ምርመራ ይግበረላ ኣሎ።
እታ ነፋሪት ካብ ግብጺ ካይሮ ተበጊሳ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዛምብያ ከምዝ ዓለበት ኩሉ ይፈልጥ እዩ።
ካብዚ ዝዘለለ ግን ብርግጽ ንጹር ኣይኰነን።
ዛጊድ ካብ ግብጺ ኰነ ዛምብያ ነታ ነፋሪት ኣምጺአያን እቲ ንብረት ናተይ እዩ ዝብልን ሰብ ኣይተረኸበን።
ነቶም ዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ብዘይምህላዉ ድማ ግምታዊ ወረታት ክንዛሕ ቀንዩ።
እቶም ሰብ ዋና ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ ግብጺ ወይ ዛምብያ ዶ ይኾኑ? እዚ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ድዩ ወይስ ቅድሚ ሕዚ ዘይተርኣየ ተመሳሳሊ ነገር ተፈጺሙ?
ዛጊድ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሽዱሽተ ግብጻውያንን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሉሳክ ዝተሓወስዎም ሰባትን ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ዛምብያውያን ገሊኦም ብስለላን ብስኑዕ ምኽንያት ገንዘብ ምርካብን ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ኣሎ። እቶም ግብጻውያን ክሲ ኣይቀረበሎምን።
ማትስዳ2ኤስኤች ዝተባህለ ሓቂ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ዝሰርሕ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎ ግብጻዊ ጋዜጠኛ ነዚ እንተዘየቃልዖ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣይምፈለጠን።
ዝጠፍአ ጋዜጠኛ
ድሕሪ እቲ ጽብጻብ ሲቪል ዝተኸደኑ ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፡ ፍርቂ ለይቲ ንመንበሪ ገዛ ጋዜጠኛ ከሪም ዓሳድ ወሪሮምዎ።
ኣብ መጀመርታ ደሃዩ ጠፊኡ ነይሩ፤ ናበይ ከም ዝኣተወን ንምንታይ ከም ዝተወሰደን ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።
ገለ ዘይሻራዊ ጋዜጠኛታት ግብጺ ብዛዕባ እታ ገንዘብ መሊኣ ዝተረኸበት ነፋሪት ካብ ፖሊስ ዛምብያ ዝተረኸበ ሓበሬታ ብምውካስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽብጻብ ኣቕሪቦም።
ዓሳድ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዝድግፍ መልክዑ፡ ኣሽማት ሰለስተ ወታሃደራዊ ሰብ መዝን ሓደ ላዕለዋይ ፖሊስን ካብቶም ዝተኣሰሩ ከም ዝርከቡዎም ገሊጾም።
ጋዜጠኛታትን ጎስጎስትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዘካየድዎ ተቓውሞ እቲ ጋዜጠኛ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ተፈቲሑ። ንምንታይ ከም ዝተኣሰረ ግን ሕዚ እውን ሚስጢር እዩ።
ሰብ መዚ ግብጺ፡ እታ ጋዜጠኛ ዓሳድ ዝጠቀሳ ነፋሪት ብግብጺ ገይራ ዝሓለፈት ናይ ውልቀሰብ ነፋሪት እምበር መበገሲኣ ኣብታ ሃገር ከም ዘይኰነ እዮም ዝገልጹ።
ብኻልእ ኣገላልጻ እታ ነፋሪት ምስኦም ዘራኽብ ነገር የብላን።
እታ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኬኔት ካውንዳ፡ ሉሳካ፡ ካብ እትዓርፍ ንደሓር ድማ እቲ ጥርጣረ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ዛምብያ ኰይኑ።
ወርቂ ዝሓዘ ዝመስል ሳንጣ ዝተሸከመ ሓደ ዛምብያዊ መፈተሺ ነቑጣታት ሓሊፉ ምስቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ግብጻውያን ክራኸብ ተራእዩ።
ፍቓድ መን ከም ዝሃቦ እኳ እንተዘይተፈለጠ ዝተወሰነ ገንዘብ ከፊሉ ከም ዝሓለፈ ሚድያታት እታ ሃገር ገሊጸን።
ናብታ ነፋሪት ምስ ደየበ ንገሊኡ ‘ወርቂ’ ነቶም ኣብ ነፋሪት ዝጸንሑ ግብጻውያን ሸይጡሎም።ሽዑ ተወሳኺ ሓቲቶምዎ።
እንተኾነ ቅድሚ ሓይልታት ጸጥታ ናብታ ነፋሪት ምእታዎም፡ እቶም ግብጻውያን እቲ ዝሸጠሎም ወርቂ ሓቀኛ ዘይምዃኑ ብዛዕባ ምፍላጦም ኣይተገለጸን።
እቶም ሰባት ሽዑ ንሽዑ ዝተኣሰሩ ኣይመስልን።
ናብታ ነፋሪት ኣትዮም ዝነበሩ ብዙሓት ሓለፍቲ ፖሊስ ዛምብያ ካብቶም ግብጻውያን ክሳብ 200 ሽሕ ዶላር ተቐቢሎም ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ኣሎ።
ነቲ ገንዘብ ተቐቢሎም ሓደ ሰብ ከይኣሰሩ ነታ ነፋሪት ክትምለስ ፍቓድ ከም ዝሃቡ እዩ ዝግለጽ።
ኰይኑ ግና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ወረ ምስተሰምዐ፡ ካልኦት ኣባላት ጸጥታ ናብታ ነፋሪት ብምእታው ነቶም ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎምዎም።
ምስጢር እቲ ወርቂ
እቶም ተጠርጠርቲ ኣብታ ነፋሪት ሚልዮን ዶላራት፣ ሸጓጉጢ፣ 126 ኣጽዋራትን ልዕሊ 100 ኪግ ወርቂ ዝመስል ነገርን ንምንታይ ከም ዝሓዙ ብትኽክል ከረድኡ ኣይከኣሉን።
ብፍላይ እቲ ወርቂ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮነ።
እንተዀነ ብዝተገበረ ምርመራ ትሕዝቶ ናይቲ ወርቂ ዝተባህለ መዓድን፡ ወርቂ ዝተሓወሶ ኮፐር፣ ኒከል፣ ቲንን ዚንክን ኰይኑ ተረኺቡ። ዘብለጽልጭ ኩሉ ወርቂ ኣይኮነን ከምዝተባህለ።
ምናልባት እቶም ኣብ ነፋሪት ዝነበሩ ግብጻውያን ካብ ግጉይ ውዕል ድሒኖም ይኾኑ።
ንሓደ ካብቶም ዝተኸሰሱ ዓሰርተ ሰባት ዝወከለ ዛምብያዊ ጠበቓ፡ ፖሊስ መጠን እቲ ዝተተሓዘ ገንዘብ ንምንታይ ብተደጋጋሚ ከም ዝተጋገዩ ኣይተረደኦን።
ማከዚ ዙሉ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ መጀመርታ ፖሊስ መጠን እቲ ዝተትሓዘ ጥረ ገንዘብ 11 ሚልዮን ከም ዝዀነ ገሊጾም።
ቀጺሎም ሸውዓተ ሚልዮን ኣብ መወዳእታ ድማ 5.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዀነ ተዛሪቦም።
እቲ ሓደ ግምት ቅድሚ እቶም ዝኣሰሩዎም ሓይልታት ጸጥታ ምብጸሖም ፍርቂ ዝኸውን ጥረ ገንዘብ ካብታ ነፋሪት ወሪዱ ዝብል እዩ።
ዙሉ፡ ኣብቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ዘሎ ናይ ኣተሓሕዛ ኣፈላላይ እውን ከም ዘገረመሉ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ወሃቢ ሓበሬታ
ንሱ፡ እቲ ዛምብያውን ካልኦት ሰለስተ ወጻእተኛታትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ እቶም ግብጻውያን ግን ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ክዓርፉ ከም ዝተገበሩ ይዛረብ።
እቲ ስኑዕ ወርቂ ሒዙ ክሸይጥ ዝተረኸበ ዛምብያዊ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ንፖሊስ ዛምብያ ይተሓባበር ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ስኑዕ ወርቂ ኣብ ዝስረሐሉ ፋብሪካ ብዙሓት ዛምብያውያን ከም ዝተኣሰሩ እውን ተሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምፍላጥ ኣብ መላእ ዓለም ድልየት ዝወሰኸ ኰይኑ፡ ግምታት እውን ቀጺሎም ኣለዉ።
ኢጂፕት ቴክኖራክራትስ ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ምሁራት ግብጻውያን፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 300 ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ዝተዋፈሩ ግብጻውያን ትካላት ከምዘለዉ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣልሲሲ ቅድሚ ትሸዓተ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ብዙሕ ገንዘብ ካብታ ሃገር ወጺኡ ክኸውን ከምዝኽእል ገለ ሰባት ይግምቱ።
ከምኡ እንተዀይኑ እታ ነፋሪት ካብ ኣማኢት ሓንቲ ዶ ትኸውን? ዘብል እዩ።
ገለ ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕትን ነጋዶን ስርዓት ኣልሲሲ ከይወድቕ ብምስጋእ ገንዘቦም ካብታ ሃገር የውጽኡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት እውን ይስምዑ እዮም።
እንተዀነ ልክዕ ከምቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጉዳይ፡ ካብቶም ዝበሃሉ ክንደይ እዩ እቲ ሓቂ? ብርግጽ ምፍላጥ ኣይከኣልን።
እቲ ተስፋ ድሕሪ ምርምራ ቤት ፍርዲ እቶም ሕቶታት ክምለሱ እዮም ዝብል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







