ኣብ ቴሌፎንኹም ዘሎ 'ወርቂ' ኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ ዝረብሕሉ ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ወርቂ ዘጻሪ ትካል፡ ገበነኛታት ኣዘዋወርቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ንዓመታት ኣብ ተንቀሳቐስቲ ስልክን መካይንን ዝግጠም ወርቂ ንክሸጡ ከም ዘፍቀደ ሓደ መርመራዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
እዚ ካሎቲ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዱባይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ወርቂ ካብ ገበነኛታት እዩ ዝዕድግ፤ እቶም ገበነኛታት ድማ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ሕጋዊ መስመር ከእትውዎ መገዲ የመቻችኡ።
ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት እቲ ትካል ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ሕጋዎ መስርዕ ኣብ ምእታው ዕሉል ምዃኑ ዓለም ንክትፈልጦ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ሓበሬታ ተዋሂቡዎ ነይሩ።
ግን ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ኣይነበረን።
ካሎቲ፡ ኣብ ዘፍርዩዎም ምህርታት ክቡር መዓድን ንዝጥቀሙ ኣፕል፣ ኣማዞንን ጀነራል ሞተርስን ወርቂ ሸይጡ’ዩ።
እዚ ማለት እዞም ትካላትን ዓደግትን ብተዘዋዋሪ ንዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ሓገዝ ገይሮም’ዮም ማለት’ዩ።
ወኪላት ካሎቲ ገበን ወይ’ውን ዘይሕጋዊ ስራሕ ኮነ ኢልና ኣይንድግፍን እዮም ዝብሎ።
ካሎቲ እንታይ’ዩ ገይሩ?
ዓለምለኻዊ ጉጅለ ጋዜጠኛታት መርመራን ቢቢሲን ዝረኸቡዎ ሚስጥራዊ ሰነዳት፡ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ኣብ 2014 ዓ.ም መጠንቀቕታ ክህብ ተሓቲቱ ምንባሩ የመላኽቱ።
ንሰለስተ ዓመታት እዚ ጉዳይ ከጻርዩ ዝጸንሑ መርመርቲ’ዮም እቲ ሓበሬታ ሂቦምዎ።
‘ሃኒ ባጀር’ ዝብል መጸውዒ ሽም ተዋሂቡዎ፡ ብትካል ጸረ ዕጸ ፋርስ ኣመሪካ (ዲኢኤ) ዝተኻየደ መርመራ እዩ።
ካሎቲ ወርቂ ተጠቒሙ ብርክት ዝበለ ዘይሕጋዊ ገንዘበ ኣዘዋዊሩን፤ ኣመሓላሊፉን እዩ።
ኣብ ዝኾነት ሃገር ዘለው ገበነኛታት ምስ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ወይ ካልእ መንገዲ ብዝተረኽበ ገንዘብ ወርቂ ወይ’ውን ካልእ መጋየጺታት ዓዲጎም ንካሎቲ ከም ዝሸጡ ዘረጋግጹ ሰነዳት ተረኺቦም እዮም።
ካሎቲ ድማ እቲ ወርቂ ተቐቢሉ ብርክት ዝበለ ኣፍካ ዘትሕዝ ገንዘብ ይህቦም። ወይ’ውን ይልእኸሎም።
ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ መጠንቀቕታ ክህብ ተነጊሩዎ ስቕ ዝበለ በቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ንሕቡራት ኢመራት ንከየቐይም’ዩ።
ካሎቲ ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ንክህብ ስለ ዘይተሓተተ ዝብሎ ነገር የለን። ቤት ጽሕፈት መኽዝን ኣመሪካ’ውን ዝበሎ የለን።
ኣብ ዓለም ካሎቲ ገንዘብ ኣብ ዘቕመጠሎም ባንክታት ዘጠራጥሩ ምንቅስቓሳት ከም ዝነበሩ’ውን እቲ መርመራ የመላኽት። መንግስቲ ኣመሪካ ግን እዚ መርመራ ንህዝቢ ወግዓዊኣ ይገበሮን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባንክ ደችስ፣ ባርክለይን ካልኦት 34 ባንክታትን ብዛዕባ ካሎቲ ካብ ቤት ጽሕፈት መኽዝን ኣመሪካ ምስ ገንዘብ ዝተሓሓዙ ገበናት እቲ ጸብጻብ ክኣቱ ገይሩ’ዩ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ካብ 2007 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ 9.3 ቢሊዮን ዶላር ዝውውር ተገይሩ።
ኣብ 2017 ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብሕጋዊ መገዲ ከእቱ ጉጅለ ኣብ ፈረንሳ ተኸሲሱ እዩ፡ እዚ ኣብ ፈረንሳ ዕጸ ፋርስ ይዝርግሕ ነይሩ።
እዚ ጉጅለ ዝቆጻጸሮ ረንዴ ኢንተርናሽናል ንካሎቲ 146 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ወርቂ ከም ዝሸጠ ቢቢሲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣረጋጊጹ እዩ።
ካሎቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ከምዘይሰርሐን ብሰበ ስልጣን ኣመሪካ ከም ዘይተኸሰሰን ይዝረብ
ጠበቓታት እቲ ትካል ከም ዝብሉዎ’ውን በብዓመቱ ብሕጋዊ መገዲ ኦዲት ዝግበር ትካል እዩ።
ዲኢኤ ዘካየዶ መርመራ ከም ዘመላኽቶ ካሎቲ ንመጀመርታ ግዜ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ሕጋዊ መስመር ክኣቱ ዝገበረ ብነሓሰ 2014 እዩ።
ካሎቲ ዝሸጦ ገዚፍ ወርቂ’ውን ኣብ ኢድ ዓበይቲ ትካላት ኣትዩ’ዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ገዚፍ ኣፍራዪ ወርቂ ቫልካምቢ ካብ ሞንጎ ካብ ካሎቲ ወርቂ ዝዓደጉ ትካላት እዩ።
ቫልካምቢ ካብ 2018 ክሳብ 2019 20 ቶን ወርቂ ካብ ካሎቲ ገዚኡ። 60 ቶን ወርቂ ድማ ምስ ካሎቲ ርክብ ካብ ዘለዎ ኣካል ገዚኡ።
እቲ ትካል ግን ካብ ካሎቲ ወርቂ ከም ዝዓደገ ክኣምን ወይ ክክሕድ ከም ዘይኽእል ተገሊጹ።
ወርቂ፡ ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ካብ ዝስርሑሎም ንጥረ ነገራት ሓደ እዩ።
ኣፍራዪ ስልኪ ኣፕኣል ካብ ካሎቲ ወርቂ ገዚኡ እዩ። ኣፕል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ወርቂ ዘጻሪ ትካል ዘቐመጥናዮ ረቛሒታት ዘይምጥን እንድሕር ኮይኑ ወይ ፍቓደኛ እንድሕር ዘይኮነ ኣይንዕድግን። ካብ 2015 ንነጀው ምስ ልዕሊ 63 ትካላት ዝነበረና ስምምዕ ኣፍሪስና ኢና” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ዘይሻራዊ ኣካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ድማ ካሎቲ ዘቕረቦ ወርቂ ኣብ ምህርታት ኣፕል ከም ዝወዓለ ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን” ኢሉ።
ካሎቲ፡ ንጀነራል ሞተርስን ኣማዞንን ወርቂ ከም ዘቕረበ ግን እቶም ሰነዳት ይሕብሩ፥
መካይን ክገጣጠማ ከለዋ ወርቂ ዝጥቀም ጀነራል ሞተርስ ምስ ካሎቲ ቀጥታዊ ርክብ ከም ዘይነበሮን ንምህርቲ ዘውዕሎ ናውታት ዘቕርብሉ ትካላት ሓላፍነት ብዝተመልኦ መገዲ ከም ዝሓርን ገሊጹ።
ኣማዞን ብወገኑ “ምህርቲ ዘቕርቡለይ ትካላት ሕግታት ሰብኣዊ ሰመላትን ሓለዋ ስነ ከባብን ዘኽብሩ ከም ዝኾኑ’የ ዘረጋግጽ። ዝጥቀሞም ንጥረ ነገራት ድማ ካበይ ከም ዝመጽኡ ኣብ ምጽራይ እቶም ምህርቲ ዘቕርቡልና ክተሓባበሩኒ ይሓትት እየ” ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







