ትግራይ፡ ሓረስቶት ራያ ንፍርያቶም ዕዳጋ ዝሰኣንሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ሕርሻ ኮሚደረ

ምንጪ ስእሊ, Medhane

ሓረስቶት ዞባ ደቡብ ትግራይ ንዘፍረይዎ ምህርቲ ዕዳጋ ብምስኣኖም ንከቢድ ክሳራ ከም ዝተቓልዑ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዞም ኣብ ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ራያ ዓዘቦን ዝርከቡ ሓረስቶትን ኣውፈርትን፡ ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ ዕዳጋ ብምስኣኖም፡ ፍርያቶም ክጕሕፍዎ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም።

ሓረስቶት እተን ወረዳታት ኣብዚ እዋን ዝያዳ ኮሚደረ ከም ዘፍረዩ ዝገልጽ ኣካያዲ ስራሕ ደስታ በርሀ ሕርሻ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ትካሎም ብሚልየናት ብር ዝቝጸር ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ሓቢሩ።

“ምህርቲ ኮሚደረ ዕዳጋ ስለ ዝሰኣነ ዓብይ ክሳራ’ዩ ኣጋጢሙና” ዝብል ኣቶ የማነ፡ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሄክታር ዝፈረየ ምህርቲ ዕዳጋ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ቢ ኤንድ ዋይ ሕርሻ ኣትክልትን ፍረታትን ኣቶ መድሃኔ ካሕሳይ ብወገኑ፡ ኣብ ኣስታት ሰለስተ ሄክታር መሬት ዝፈረየ ኮሚደረ ከም ዝኸሰሩ ተዛሪቡ።

“ጽቡቕ ኮሚደረ ኣፍሪና ነይርና፤ ካብ ተራ ሓረስታይ ክሳብ ኣውፋሪ ዘሎ ማለት’ዩ። ዝናብ ብዝሃረመ መጠን ኬሚካል እናነጸገ መጺኡ’ዩ፤ ዓይንና እናርኣና ግን ገንዘብና ሓመድ በሊዑዎ።”

ሓረስቶት እተን ከባቢታት ኣይኰነን’ዶ ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ሸይጦም ትርፊ ክረኽቡ፡ ሰኣን ዕዳጋ ኣብ ግራውቲ ንዝተረፈ ምህርቶም ንምጕሓፍ እውን ካልእ ወጻኢ ከውጽኡ ግድን ኰንዎም።

“ምሩጽ ዓሌት ወጻኢ፡ ንሓንቲ ፍረ ምስ መፍለሲኡ ብልዕሊ ሸውዓተ ብር ኢና ዓዲግናዮ ነይርና። ምህርቲ በጺሑ ናብ ዕዳጋ ከነብጽሕ ኣብ ዝበልናሉ ግን መጕሓፊ እንተዘይኰይኑ ምህርቲ ብናጻ ካብ ግራት ዘልዕለልና ኣካል የለን” ክብል ኣቶ የማነ የረድእ።

ዕዳጋ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, Google

ብተወሳኺ፡ እቶም ሓረስቶት ፍርያቶም ንምሻጥ ምትእስሳር ዕዳጋ ክፍጠረሎም ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ ንሓያሎ ክሳራታት ከም ዝተቓልዑ ሓቢሮም።

ኣቶ የማነ፡ ትካሉ ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ 12 ሚልዮን ክሳብ 14 ሚልዮን ብር ክረክብ መደብ ብምሓዝ፡ ነዚ ዕዳጋ ዝኣክል 4.9 ሚልዮን ወጻኢ ከም ዝተገብረ እዩ ዝገልጽ።

ሓረስቶት ከልምዑ እንከለው፡ መንግስቲ ኣብ ዝርዝር ክለምዑ ዝግባኦም ምህርቲታት ሞያዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ድማ ኣቶ መድሃኔ ተዛሪቡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣቶ ኣበራ ከደነው እቲ ክሳራታት ኣብ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ።

“ንፈልጦ ኢና፤ ኣብ ራያ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ዘጋጠመ (ክሳራ) እዩ።”

ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ሰፊሕ ሽፋን ልምዓት መስኖ ከም ዝነበረ ዝገልጽ እቲ ምኽትል ሓላፊ፡ ዋጋ ኮሚደረ ድሕሪ ምኽባሩ እዩ ብዙሓት ሓረስቶት ኮሚደረ ናብ ምፍራይ ምእታዎም ዝሕብር።

እዚ ድማ፡ ኵሉ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ዕዳጋ ክመጽእ እንከሎ ዋጋ ናይ ምንካይ ዝንባለ ከም ዘጋጠመ ኣብሪሁ።

እዅል ስርሓት ምትእስሳር ዕዳጋ ከም ዘይተሰርሐ ዝገልጽ ኣቶ ኣበራ፡ እቲ መስርሕ ፍርያት’ውን ቴክኒካዊ ኣገባባት ዝተኸተለ ከም ዘይነበረ ጠቒሱ።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብቶም ሓረስቶት ንዘጋጠመ ክሳራ ክንደየናይ እዩ ዝብል ዝሰነዶ መረዳእታ የለን።

“ብትሑት ዋጋ ይሽየጥ ከም ዘሎ መረዳእታ ኣለና፤ ክንደይ ሄክታር እዩ እቲ ክሳራ ዝብል ኣብ ቀጻሊ ዝጽናዕ እዩ።”