እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ንገለርያታት ሓማስ ብማይ ባሕሪ ከተዕለቕልቘ ትኽእል ድያ?
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተወልዐ ኲናት ሎሚ ካልኣይ ወርሒ ከቚጽር እንከሎ፡ እስራኤል ንሓማስ ንምድምሳስ ዝከኣላ ኵሉ ክትገብር ምዃና ክትገልጽ ጸኒሓ ኣላ።
በዚ ኸኣ ቓዛ ንዕጡቓት ሓማስ ንምህራም ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ብመሬት፣ ኣየርን ባሕርን ብዝዘነባ ቦምባታት ዝበዝሐ ክፋላ ኩምራ ፍርስራስ ኮይኑ ይርከብ።
ሕጂ ድማ ሓማስ ዝርከበሎም ንዝተባሃሉ ከም ዓለባ ሳሬት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንዝተዘርግሑ ገለርያታት ብማይ ባሕሪ ክትድምስሶም ኣንቂዳ ምህላዋ ይግለጽ ኣሎ።
ዎል ስትሪት ጆርናል ንምንጭታት ሰበሰልጣን ኣሜሪካ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣብ ዝዘርግሕዎ ገለርያታት ውሕጅ ብምእታው ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ንምግባር ኣማራጺታት ትፍትሽ ምህላዋ ገሊጹ።
እስራኤል ነቶም ‘ሰራውር ደም ሓማስ’ ምዃኖም እትገልጾም ኣብ ቓዛ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃነጹ በዓቲታት ንምዕናው ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ወተሃደራዊ ስጕምትታት ክትወስድን ንገሊኦም ክተዕንውን ጸኒሓ ኣላ።
ድሕሪ እቲ ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ግና ነቶም ገለርያታት ጥራይ ዘይኮነ ንሓማስ ንባዕሉ ካብ ቓዛ ክትድምስስ ዘንቀለት እስራኤል ኣብታ ግዝኣት ኣብ ልዕሊ መሬት ኮነ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ሓማስ ዝጥቀመሉ ዝበለቶ ትሕተ ቅርጺ ኣብ ምዕናው ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እስራኤል ብመሬት፣ ብባሕርን ኣየርን ኣብ ቓዛ እተካይዶ ብዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ሓማስ ይሕባኣሎም'ዩ ዝበለቶም ቦታታት፡ ሆስፒታላት ከይተረፉ ተጥቅዕ ኣላ።
እስራኤል ንዓመታት ብጥንቃቐ ኣብ ትሕቲ መሬት ቓዛ ዝሃነጾም ንወተሃደራዊ መኣዘዚ፣ ስንቅን ዕጥቅን ንምድላውን ንምኽዛንን፣ ዕጡቓት ንምሕባእን ኣብ ትሕቲ መሬት ንምንቅስቓስ ዝጥቀመሎም ገለርያታት ብማይ ክተዕለቕልቕን ነቶም ዕጡቓት ካብ ዝተሓብኡሉ ክተውጽእን ተበጊሳ ምህላዋ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ሰራዊት እስራኤል ርእይቶኡ ክህብ ክውከሶ እንከሎ፡ ነቲ ጸብጻብ ይፍትሾ ምህላው እዩ ገሊጹ።
ቢቢሲ ዛጊት ብመገዱ ነዚ ውጥን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
እንተኾነ ኣብ 2015፡ ግብጺ ምስ ቓዛ ኣብ ዘዳውባ ከባቢታት ንዘይሕጋዊ ንግዲ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኢት ዝቍጸር ገለርያታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ንምግባር ካብ ማእከላይ ባሕሪ ማይ ከምዘእተወትሉ ይዝከር።
ዎል ስትሪት ጆርናል ከምዝሕብሮ፡ ሰራዊት እስራኤል ነዚ ውጥን ንምፍጻም፡ ሓሙሽተ ዓበይቲ ማይ ዝጭንጉዑ ሞተረታት ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ከተማ ቓዛ ንሸነኽ ሰሜን ተኺሉ ኣሎ። ንዝበዝሐ እቲ ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ዝርከብ መርበብ ገለርያታት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ከዕለቕልቕ ከምዝኽእል’ውን ይገልጽ።
ነዚ ኣጸጋሚ ክገብሮ ዝኽእል ሓደ ረቋሒ ግና ጉዳይ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞመ ዘለው ሰባት ምዃኑ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዮላንድ ኒል ትገልጽ።
ሓማስ ነቶም ሰባት ኣብ “ውሑስ ቦታታትን ገለርያታትን” ሓቢእዎም ምህላው እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
ብዘይካ’ዚ ጨዋም ማይ ናብ ዝበዝሐ ክፋላት ቓዛ ክተእቱ ምፍታን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መዕቆሪታት ማይ ዘዕንውን ንክዙን ማይ እታ ግዝኣት ዝብክልን ክኸውን ይኽአል እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ብመንጐኝነት ቐጠር በጺሖምዎ ዝነበሩ ስምምዕ ንሸውዓተ መዓልታት ተግባራዊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራትን ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ከባቢ 100 ሰባትን ነጻ እኳ እንተወጹ ጌና ብዙሓት ኣብ ኢድ ሓማስ ይርከቡ።
ሓማስ በቲ ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1200 ሰባት ክቐትል እንከሎ ኣስታት 240 ጅሖ ምሓዙ ይፍለጥ።
እስራኤል ነዚ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ቓዛ ትወስዶ ብዘላ ስርሒት ልዕሊ 15000 ሰባት ከምኡ’ውን ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝርከቡ ሰባት 50 ከምዝተቐተሉ ሓማስ ይገልጽ።