ፍርቂ ህዝቢ ቓዛ ብጥሜት ይሳቐ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ንኣሽቱ ህጻናት ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ናስር ኣብ ካን ዩኒስ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍርቂ ህዝቢ ቓዛ ብጥሜት ይሳቐ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ግን ይቕጽል ኣሎ።

ምክትል ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ካርል ስካው፡ ካብቲ ዘድሊ ቀረብ ውሑድ ጥራይ ናብቲ ከባቢ ክኣቱ ከምዝኸኣለ፡ ካብ 10 ሰባት ድማ ትሽዓተ መዓልታዊ ክበልዑ ከምዘይክእሉ ገሊጹ።

ኣብ ቓዛ ዘሎ ኵነታት፡ ረድኤት ምብጻሕ "ዳርጋ ዘይከኣል" ከምዝገበሮ ምክትል ዳይረክተር ገሊጹ።

እስራኤል፡ ንሓማስ ንምድምሳስን ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ንምምላስን ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ክቕፅል ኣለዎ ትብል።

ወሃቢ ቓል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሌተናል ኮሎኔል ሪቻርድ ሄችት፡ ብሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝዀነ ሞትን ቃንዛን ሲቪል መሪር'ዩ፡ ኣማራጺ ግን የብልና" ኢሉ።

"ብዝተኻእለና መጠን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ረድኤት ንምእታው ዝከኣለና ኵሉ ንገብር ኣለና" ኢሉ።

ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሄርዚ ሃለቪ፡ "ኣሸበርቲ ኢዶም ክህቡ ንርኢ ኣለና... መርበቦም ይበታተኽ ከምዘሎ ዘርኢ" ስለዝዀነ፡ እቲ ሰራዊት "ዝያዳ ጸቕጢ ክገብር" ከምዘለዎ ንወተሃደራት ክነግሮም ተሰሚዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምምሕዳር ባይደን ህጹጽ ሕጊ ተጠቒሙ ንኮንግረስ ከየፍቀደ፡ ልዕሊ 106 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣስታት 14 ሽሕ ዙርያ ተተኮስቲ ታንኪ ንእስራኤል ክሽየጥ ፍቓድ ሂቡ።

ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ተዋጋእቲ ሓማስ ነቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ዝነበረ ሓጹር ዙርያ እስራኤል ሰቢሮም - 1200 ሰባት ቀቲሎም 240 ጅሆ ክሕዙ እንከለዉ - ካብኡ ንደሓር ምእታውን ምውጻእን ኣዝዩ ተገዲቡ ጸኒሑ።

ከም ምላሽ ድማ ነዚ፡ እስራኤል ምስ ቓዛ ዘለዋ ዶባት ዓጽያ ኣብቲ መሬት ደብዳብ ነፈርቲ ከተካይድ ጀሚራ፡ እዚ ድማ ቓዛውያን ኣመና ዘገድሶም ዝነበረ ዕደላ ሓገዝ ገዲባቶ።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እስራኤል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ወፍሪ፡ ልዕሊ 7 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 17,700 ነበርቲ ቓዛ ከምዝቐተለት ይገልጽ።

ምስ ግብጺ ዝዳወብ መሕለፊ መስመር፡ ራፋ ጥራይ ተኸፊቱ፡ ውሱን መጠን ሓገዝ ናብ ቓዛ ክበጽሕ ኣኽኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን እስራኤል ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ካብ እስራኤል ናብ ቓዛ ዝኣቱ መሳገሪ ከረም ሻሎም ክትከፍቶ ተሰማሚዓ፤ እዚ ግን ንናይ ሓገዝ ጽዕነት ጥራይ እዩ።

ድሕሪኡ እተን ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ራፋሕ ብምኻድ ናብ ቓዛ ክሰግራ ክትፈቅድ እያ።

ሚስተር ስካው፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ምስ ጋንትኡ ናብ ቃዛ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ዘጋጠሞም "ፍርሒ፡ ህውከትን ተስፋ ምቑራጽን" ከምዘሰንበዶም ገሊፁ።

"ኣብ መኽዘናት ምድንጋር፡ ኣሽሓት ተስፋ ዝቖረጹ ጥሙያት ሰባት፡ ጥረሖም ዝተረፉ መደርደሪታት ዘለዎም ሱፐርማርኬታት፡ ከምኡ'ውን ሽቓቕ ዘዕለቕለቖም ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቑ መዕቆቢታት" ከምዝተዓዘቡ ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሐ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲን ገለ ኣዝዩ ዘድሊ ሓገዛት ናብ ምድረበዳ ቃዛ ክኣቱ ኣኽኢልዎ እኳ እንተነበረ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ግን ሕጂ ጠለብ ንምምላእ ካልኣይ መስገሪ ዶብ ከምዘድሊ ይገልፅ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ካብ ዝርከባ 10 ስድራቤታት እተን ትሽዓተ "ምሉእ መዓልትን ለይትን ብዘይ ዝኾነ ዓይነት መግቢ" የሕልፋ ከምዘለዋ ሚስተር ስካው ወሲኹ ተዛሪቡ።