እስራኤል ጅሆ ንምፍታሕ ዘካየደቶ ወፍሪ ፈሺሉ ሞት ሓደ እስራኤላዊ ከምዘስዓበ ሓማስ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EFE/REX/
ሓማስ ንሓደ እስራኤላዊ ጅሆ ሓራ ንምውጻእ ዝፈሸለ ስርሒት እስራኤል ዘስዓቦ ደማዊ ሳዕቤን ዘርኢ እዩ ዝበሎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ዘርጊሑ።
ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሓደ ሰብኣይ ን40 መዓልታት ከምዝተኣሰረ ይዛረብ፡ እዚ ድማ እቲ ቪድዮ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ዝተቐድሐ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።
ኣብ ሓደ ብስርሓት ሸኽላ ዝተሰርሐ መሬት ብዙሕ ደም ይርአ፣ ከምኡ’ውን ሓማስ ማሪኸዮ ዝበሎ ወተሃደራዊ መሳርሕታት ይርአ።
እቲ ቪድዮ ብዘስካሕክሕ ምስልታት ደማዊ ሬሳ ምናልባት’ውን ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተራእየ ጅሆ ዝመስል እዩ ዝዛዘም።
ሽም ናይቲ ሰብኣይ ዓቂብናዮ ኣለና። ሽሙን ዕድሚኡን ኣብቲ ቪድዮ ይዛረብ’ዩ።
ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሕፈ ፅሑፍ፡ ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ጅሆ "ክበጽሕሉ ብዘይምኽኣሎም" ከምዝሞተን፡ እታ እስራኤላዊት ጋንታ ድማ "ካብቲ ቦታ ቀልጢፋ ከምዝሃደመት" ይገልጽ።
ብተወሳኺ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣምቡላንስ ተጠቒሙ ናብቲ ጅሆ ዝተታሕዘሉ ቦታ ከምዝበጽሐ ይገልጽ።
ቢቢሲ ነቲ ቪድዮ ከምዘየረጋገጾን ሓማስ ኣብ ውሽጡ ዘቕረቦ ዘረባ ዘረጋግጽ መረዳእታ የብሉን።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጋዛ ንዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ ኣረጋጊጹ።
"ኣብ ምጭዋይን ምሓዝን ጅሆ ዝተሳተፉ ኣሸበርቲ" ከምዝተቐትሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ጅሆ ዝተታሕዘ ግና ከምዘይተፈትሐ ገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ብሓማስ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ዝተገልጸ ፍጻመ ድዩ ወይስ ካልእ ይዛረብ ነይሩ ንጹር ኣይኮነን።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ጋዛ ወተሃደራዊ ስርሒቱ ጀሚሩ።
እስራኤል ኣብ መጥቃዕቲ ሓማስ 1200 ሰባት ከምዝሞቱን 240 ድማ ጅሆ ከምዝተታሕዙን ገሊጻ።
ድሒሮም ብርክት ዝበሉ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብቲ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም ሓማስ ምስ ሰራዊት እስራኤል ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ግና ኣይተፈትሑን።
እስራኤል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ወፍሪ 7 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለት ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







