ብጎንጽንታት ዝሕመስ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናበይ የምርሕ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ዘይምእግጋእ፡ ነታ ሃገር ንስግኣት ጽጥታን ድሕነትን ኣቃሊዕዋ።
ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት፣ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ጎንፂ፣ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ዝካየዱ ጎንጺታት ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምኽባር ናብራ ተደሚሩ ኢትዮጵያ ካብ ዘጋጠምዋ ጸገማት ገሊኦም እዮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኻየዱ ጎንጽታት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ክሞቱ፣ ክፈናቐሉን ንብረቶም ክስእኑነ ገይሮም።
ዋላኳ ኲናት ትግራይ ብሰላም እንተተወደአ፡ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ጎንጺ ግን ብዘይ ፍታሕ ቀጺሉ ኣሎ። እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ሓድሽ ጎንጺ ተፈጢሩ ዘሎ።
ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ዝተላለዩ ከባቢታት ዘጋጠሙን ዝካየዱ ዘለዉን ጎንጺታት ክፍትሑ ብዘይምኽኣሎም ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ።
ንምዃኑ ቀንዲ ጸገማት ፖለቲካ ኢትዮጵያ እንታይ እዮም?
መበገሲ ናይቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ጸገማት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዙሓት ከምዝኾኑ እዮም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ዝገልጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ፖለቲካል ሳይንስ ዝምህር ብዙነህ ጌታቸው (ዶ/ር) ቀንዲ ሕቶ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ርእዮተ ዓለማት ዘሎ ጎንጺ እዩ ይብል።
እታ ሃገር ኣብ መንጎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራሊዝምን ኣሃዳዊ ስርዓት ዝድግፉን ከምዝተወጠረት እቲ ምሁር ይገልጽ።
ስርዓት ኢህወደግ ምስ ወረደ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝድግፉን ክቕጽል ኣለዎ ዝብሉን ጉጅለታት “ባዕልና ንባዕልና ክነመሓድር ኢና” ዝብል ሕቶኦም ከምዝወሰኸ ክልል ደቡብ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ብዙነህ (ዶ/ር) ይጠቅስ።
ብካልእ ገጽ ድማ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝቃወሙን “ነታ ሃገር ክኸፋፍላ እዩ፣ ከዳኽማ እዩ” ዝብሉ ወገናት ድማ ድምጾም ከስምዑ ጀሚሮም ይብል።
ኣብ መንጎ እዚ ናይ ሓሳብ ጎነጽ፡ ጸገማት ይፍጠር ከምዘሎ ብዙነህ (ዶ/ር) የረድእ።
ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ርእይቶ ብምሃብ ዝፍለጥ እያስፔድ ተስፋየ ብወገኑ መሰረታዊ ጸገም ፖለቲካ ኢትዮጵያ “እታ ሃገር ብተቓራኒ ጫፍ ደው ዝበሉ ሓሳባትን ነቶም ሓሳባት ኣሰማሚዕካ ዘይምኻድን እዩ” ይብል።
“ኢትዮጵያ ሃገራዊ ህንጸት ዘይወደአት ሃገር እያ” ዝብል እያስፔድ፡ ካብ 2011 ኣግ ጀሚሩ እቶም ተቓረንቲ ሓሳባት ነቲ ዘሎ ጸገም ዝበለጸ ከምዘጋደድዎ ይዛረብ።
ንሱ፡ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ነቶም ሓሳባት ኣሰማሚዑ ናብ ሃገራዊ ህንጸት ዘውዕሎም “ካብቶም ጎንጺታት ናብ ዝረኽቦ ረብሓ ኣተኲሩ” ይብል።
ኣብ ለንደን ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ፡ ኣብ መጽናዕቲ ጎንጽን ኣፈታትሓን ዝሰርሕ ዶ/ር መብራህቱ ከቻለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ዘለዉን ፖለቲካዊ ጸገማት፡ ምስ ምስረታ እታ ሃገር ተተሓሒዞም ናይ ዝመጹ ብዙሓት ጸገማት ድምር ከምዝኾኑ ይጠቅስ።
ነዚ እንተብርህ፡ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ብሄር ብሄረሰ ሰባት ሃገር ከምዝኾነት ብምጥቃስ፡ ብንጉሳውን ወታሃደራውን ኣገዛዝኣታት ዝሓለፈት ምዃና ከምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናትን ፍታሕ ዘይምርካቦም ነቲ ጸገም ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ይሕብር።
እዞም ብታሪክ ዝተፈጠሩ ቅርታታት ከይተፈትሑ ኣብዚ ብምብጸሖም እታ ሃገር ንዝኣተወቶ ናይ ጎንጺ ዕንክሊል ምኽንያት ከምዝኾኑ ይዛረብ።
“ግልጺ ፖለቲካዊ መስመር ዘይምህላው”
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ሓደ፡ ብናይ ኣርባዕተ ውድባት ግንባርነት ዝምራሕ ዝነበረ ኢህወደግ ኣፍሪሱ፡ ውድብ ብልጽግና ምምስራት እዩ።
እያስፔድ ተስፋየ፡ በዚ መንጽር ዋላኳ እቲ ውድብ እንተተጣየሽ ከምቲ ኣብ እዋን ኢህወደግ ዝነበረ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ግልጺ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
“ኢህወደግ ግልጺ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፣ ድኻ ማእከል ዝገበረ ስትራተጂ ነይሩዎ። ልምዓታዊ ስትራተጂ ይኽተል ነይሩ። ውጽኢታዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ከምዘሎ ኮይኑ።”
ብተወሳኺ “ብልጽግና ካብ ዝምስረት ናብዚ ግና ንሕና ‘ፕራግማቲስት ኢና። ኣብዚ ተመስሪትና ኢና እንነቀሳቐስ እምበር ቀዋሚ ዝኾነ መስመር የብልናን’ ኢሎም ብግልጺ እናተናገሩ ነይሮም። ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ግና ብዝተወሰነ ናብ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝምለሱ ዘለዉ ይመስሉ። ኮይኑ ግና ግልጺ ዝኾነ ቅዋም የብሎምን” ይብል።
ምሁር ፖለቲካ ብዙነህ (ዶ/ር) ግን ነዚ ሓሳብ ኣይድግፎን። እቲ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ካብ ኢህወደግ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከምዘይብሉን ነቲ ዝነበረ ምምሕዳር ዲሞክራስያዊ ንምግባር ዝሰርሕ ከምዝኾነን ይምጒት።
ኣብ ኦሮምያ ብሄር ተኮር ፌደራሊዝም ዲሞክራስያዊ ንምግባር መንእሰያት ብዘካየድዎ ተቓውሞ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ከምዝመጸ ብምግላጽ ካብ ኢህወደግ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ፕሮግራም የብሉን ይብል።
“ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ (ኣብዪ) ስርዓት ፌደራሊዝም ዲመክራስያዊ ምግባር ይመስለኒ። ነዚ ግልጺ ዝገብረልና ድማ ኣብዪ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ክልላት ምፍጣሮም እዩ።
“እዚ ማለት ፌደራሊዝም እዩ ዝድግፍ ማለት እዩ። ተጻሒፉ ኣብ ሕጊ ዘይወዓለ ሕገ መንግስቲ፡ ዝለዓል ዝነበረ ሕቶ ህዝቢ መሊሱ እዩ። እዚ መንግስቲ ፌደራሊዝም ከቐጽል እዩ ዝደሊ። ኣብዚ ዝዀነ ጥርጣረ የለን” ይብል።
“ቅድሚ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዝርርብ ይቐድም”
ኢትዮጵያ “ኣናእሽቱ ሃገራት ዝሓቖፈት ሃገር እያ” ዝብል እያስፔድ፡ ጫፍ ዝወጹ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታታት ናብ ሓደ ንምምጻእ ካብ መንግስቲ ብዙሕ ስራሕ ትጽቢት ይግበር ክብል ይውስኽ።
“ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታት ከምዕድል ወሲዱ ንናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ድልየት ምስራሕ ገዲፉ፡ ከም ብሄራዊ ምኽክር ዝበሉ ነገራት ብምጥቃም ነቶም ጸገማት ክፈትሕ ይኽእል እዩ።”
ብካልእ ገጽ ከም ኢዜማ ዝበሉ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ 'ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ግልጺ ዝኾነ ፖለቲካዊ መስመር የብሉን፡ መራሕቱ'ውን ዓቕሚ የብሎምን' ብምባል መጻኢ ዕጫ ፖለቲካ እታ ሃገር ኣስጋኢ ከምዝኾኑ ይገልጹ።
ብዙነህ (ዶ/ር) ድማ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘጋጥሙ ጎንጺታት ነታ ሃገር ኣስጋእቲ ከምዝኾኑ ብምግላጽ፡ ሐዚ ዘሎ ጸገም ኣብ ቀረባ ክፍታሕ እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ይዛረብ።
ዘለዉ ጸገማት ብሓይሊ ጥራሕ ምፍታሕ ዘይኮነስ ልዝብን ዓውዲ ፖለቲካ ምስፋሕን ነታ ሃገር ንምርግጋእ ወሰንቲ ከምዝኾኑ ይመክር።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ነታ ሃገር ሓደጋ ኮይኑ ከምዝነበረ ዝገልጽ እቲ ምሁር “ኲናት ትግራይ ብሰላም ምዝዛሙ እታ ሃገር ብውሱን መልክዑ ክትረጋጋዕ ሓጊዙ እዩ” ይብል።
እያስፔድ፡ ብወገኑ ንኹሎም ሕቶታት ብናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምላሽ ምሃብ ከምዘየዋፅእ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኣካይድኡ እንተዘይኣዐርዩ፡ ነታ ሃገር ኣብ ቀረባ ናብ ሰላምን ምርግጋእን ምምላስ ከቢድ ምዃኑ ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







