ጸጉረን ብዘይምሽፋነን ዝተጠቕዓ ክልተ ኢራናውያን ደቂ ኣንስትዮ ተኣሲረን

ኣብ ኢራን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጸጉረን ብዘይምሽፋነን ሓደ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊአን ሩግኦ ብምድፋእ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ኣትየን ኣለዋ።

ኣብቲ ብኢንተርኔት ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዓማዊል ቀሪቡ ክዛረበን የርእይ።

ድሕሪኡ ነቲ ሩግኦ ዝመስል ካብ መደርደሪ ኣልዒሉ ብሕርቃን ኣብ ልዕሊ ርእሰን ይደፍኦ።

ብድሕሪኡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ እቲ በዓል ድኳን ካብቲ ድኳን ደፊኡ የውጽኦ።

ፍርዳዊ ኣካል ኢራን፡ እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ብዘይምሽፋነን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዋን፡ እቲ ተግባረን ድማ ኣብ ኢራን ዘይሕጋዊ ምዃኑን ገሊጹ።

እቲ ሰብኣይ’ውን ስርዓት ህዝቢ ብምዝራግ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ወሲኹ ሓቢሩ።

ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወጺኡ፡ ሰለስተኦምኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ናይቲ ዳይነት ማዕከን ዜና ሚዛን ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ፡ ንዋና እቲ ድኳን እቲ ሕጊ ተፈጻሚ ምዃኑ ከረጋግጽ መምርሒ ከም ዝተዋህበ’ውን ኣፍሊጡ።

እዚ ማእሰርቲ፡ ኣብታ ሃገር ሂጃብ (መሸፈኒ ርእሲ) ምኽዳን ግዴታ ምዃን ደው ክብል ዝጠልብ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞታት ስዒቡ’ዩ ተፈጺሙ።

ኣብ ኢራን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሂጃብ ዘይምኽዳን ንደቂ ኣንስትዮ ዘይሕጋዊ እዩ፣ ይኹን እምበር ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብዙሓት ብዘይ ሂጃብ ይንቀሳቐሳ እየን።

በቲ ሕጊ ዝነበረ ቁጥዐን ብስጭትን ኣብ ሕብረተሰብ ኢራን ተቓውሞ ኣስዒቡ እዩ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ቴህራን ሂጃባ "ብዘይግቡእ ተኸዲና" ብዝብል ብፖሊስ ሞራል ተኣሲራ ዝነበረት ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ምሟታ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተቓውሞታት ኣልዒሉ ’ዩ።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኣሲሮም ኣርባዕተ ሰልፈኛታት ድማ ተቐቲሎም። ሰበስልጣን ግን ዕሽሽ ናይ ምባል ምልክት ኣየርእዩን።

ሓደ ተሪር ኣባል ባይቶ ኢራን ሑሴን ዓሊ ሓጂ ደሊጋኒ፡ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 48 ሰዓታት ምጥሓስ ሕግታት ደው ከብል ስጉምትታት ንክወስድ ንቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ።

ብሰንበት ድማ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ሂጃብ ከም "ሃይማኖታዊ ኣድላይነት" ክኽደና ከም ዘለወን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

"ሂጃብ ሕጋዊ ጉዳይ ስለዝኾነ ምኽባር ግዴታ'ዩ" ከም ዝበለ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጠቒሱ።