ኤርትራ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ተራእዩ

ኣብ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ ከም ዝተራእየ ሰብመዚ ሕርሻ እታ ሃገር ሓቢሮም።
ነቲ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ባሕሪ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ንምቁጽጻር ጻዕርታት ይካየድ ከም ዘሎ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ኤፍረም ኣሮን፡ እቲ ኣንበጣ ምድረበዳ ካብ ካብ ቃሮራ ክሳብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ምዝርግሑ ከም ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣብቲ ንምቁጽጻሩ ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ "ኣብ 1200 ሄክታር መሬት ዘተባብዕ" ውጽኢት ከም ዝተረኽቦ ኣቶ ኤፍረም ኣሚቱ።
ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ሕርሻ ካብቶም ኣብ ሒልብ፡ ኢማህሚመንን ሽዕብን ዝርከቡ ማእከላት ብምብጋስ ጻዕርታቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።
ህዝቢ፡ ምምሕዳራትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መኸተ ኣንጻር ኣምበጣ ምድረበዳ ክሳተፉ ሰብመዚ ጸዊዖም።
እቲ ጸብጸብ፡ ዛጊት ብዛዕባ ኣብ ሕርሻን መጋሃጫን ዝወረደ ጉድኣት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ጋዴንን ዓላን ዝርከብዎም ውሱናት ከባቢታት ኤርትራ ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩ ነይሩ።
ኣብ ክፍላ ወርሒ ጥቅምቲ፡ በለይቲ ጥራይ ዝንቀሳቐስ "ኣንበጣ ገረብ" ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ-ያቕነን ማይልሓምን ተራእዩ ነይሩ።
ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት'ውን ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተመሳሳሊ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ተራእዩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ሓያለ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, MOI
ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳማይ ወለዶ ናይቲ ኣምበጣ ምደረባ ኣብ ሓያለ ከባቢታት ስዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ሶማልያ፡ ኤርትራን ግብጽን ክርአ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ቀዳማይ ወለዶ ኩብኩብታን ብጹሓትን ሕጂ ክኽሰቱ'ዮም። ካልኣይ ወለዶ ድማ ካብ ፈለማ ጥሪ 2024 ጀሚሮም ክሳብ መጋቢትን ሚያዝያን ክቕጽሉ'ዮም" ኢሉ።
ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ናይ 13 ሕዳር እዋናዊ ሓበሬታ ኣይተጠቕሰትን።
ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ፋኦ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ወፍሪ፡ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እኽልን ጥሪትን ከምዘድሓነ ኣብ 2021 ገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዝነበረ ወራር ንምክልኻልን ምቁጽጻርን፡ ብውሕዱ 38 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ ሓቢሩ ምንባሩ'ውን ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







