እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሳካ ብሓቂ ተሓንኲሉ ድዩ? ብኣደነቕቲ ጐላት ዝተሰነየ ጸወታ ማድሪድን ሲቲን
ትማሊ ሰሉስ 9 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ፡ ብኣካታዕቲ ውሳነ ደያኑ ዘደንቓ ጐላትን ተሰንዩ እዩ ተዛዚሙ።
ተዓዋቲት ዝሓለፈ ዓመት ማንቸስተር ሲቲ ናብ ቤርናቡ ኣቕኒዓ ምስ ማድሪድ ሰለስተ ብሰለስተ ተፈላልያ።
ኣርሰናል’ውን ነታ ዓንተር ጀርመን ናብ ሜዳ ኢምሬትስ ዓዲማ ክልተ ብክልተ ተፈላልያ።
ኣብቲ ኣብ ኢምሬትስ ዝተኻየደ ግጥም፡ ዳኛ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ጸወታ ዝወሰዶ ውሳነ ኣርእስቲ ሰሪሑ።
ክልቲአን ጋንታታት 2 ብ2 ኰይነን ኣብ ተወሳኺ ግዜ ኣብ ዝኣተዋሉ፡ ብካዮ ሳካ ምስ ሓላው ልዳት ሙኒኽ ኑየር ፊት ንፊት ምስተራኸቡ፡ ኣርሰናል ኣብ ዝተወድአ ሰዓት ነቲ ጸወታ ዝተዓወተትሉ መሲልዋ ኔሩ፤ ሳካ ምስ ሓላዊ ልዳት ተጋጭዩ ምስ ወደቐ ብዝይ ጥርጥር ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ተገሚቱ ነይሩ።
ዳኛ ግን ጸወታ ክቕጽል ኣዚዙ።
ገለ፡ ሳካ እግሩ ምስ እግሪ ሓላዊ ልዳት ብምግጫው ኮነ ኢሉ ኣብ ናይ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ወዲቑ ክብሉ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ሓላው ልዳት ክልቲኡ ኣእጋሩ ብምኽፋቱ ነቲ ኣብ ናህሪ ዝነበረ ሳካ ሐንኲሉ ኣውዲቕዎ ብምባል መቕጻዕቲ ፍጹም ቅላዕ ንኣርሰናል እዩ ዝግባአ ነይሩ ዝብሉ ኣለዉ።
ተኸላኻላይ ዩናይትድ ነበር ሪዮ ፈርዲናርድ ድማ “እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ፍጹም ቅላዕ ዘይኮነ፡ ምንቅስቓስ ኑየር ርኢኻ ጥራይ ከማን ውሳነ ፍጹም ቅላዕ ክወሃብ ነይሩዎ፡” ኢሉ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ተኸላኻሊ ኣርሰናል ነበር ማቲው ኣፕሰን ድማ ካብ ናይ ፈርዲናንድ ብዝተፈልየ፡ መጀመርታ ክሪኦ እንከለኹ ፍጹም ቅላዕ መሲሉኒ ነይሩ። ደጊመ ምስ ረኣኹዎ ግን ነቲ ግጭት ቡካዮ ሳካ እዩ ፈጢርዎ። ዳኛ ድማ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ኰይኑ ቅኑዕ ውሳነ እዩ ወሲኑ፣” ኢሉ።
ድሕሪ ምዝዛም ጸወታ ቫር ኣብቲ ፍጻመ ጣልቃ ዘይምእታዉ ምስ ተገልጸ ድማ ን ኣርሰናል ዘቘጥዐ ነገር ኰይኑ ኣሎ። ደያኑ ቫር ብማእከላይ ዳኛ ነቲ ፍጻመ ክዕዘቡ ዕድል እንተዝወሃቦም ነይሩ ውሳነኦም ምተቐየረ ክብል’ውን ማይክል ብራውን ንቲኤንቲ ርእይቶኡ ኣካፊሉ።
ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት ጸወታ፡ ዋላ'ኳ ኣርሰናል ንዅዕሶ ዓብሊላቶ እንተነበረት፡ ሙኒኽ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ንኣርሰናል ሓንቲ ነጥቢ ሒዛ ኣብ ሜዳኣ ክትጽበያ እያ።
ኣርሰናል ብቡካዮ ሳካ ኣቢላ ቀዳመይቲ ሸቶ ረኺባ ነይራ፤ እታ ጀርመናዊት ባየር ሙኒኽ ግና ጕድለታት ተኸላኸልቲ መዝሚዛ ክልተ ሸቶታት ከተመዝግብ ክኢላ።
ሓላዊ ልዳት ዴቪድ ራያን ተኸላኻላይ ጋብሪኤል ማጋለሽን ክናበቡ ብዘይምኽኣሎም ኩዕሶ ናብ ተጻወቲ ኣንጻር ጋንታ ብምቕባሎም፡ ተጻዋታይ ኣርሰናል ነበር ኬንብሪ ብብልጽቲ ሸቶ ንጋንታኡ ማዕረ ክገብር ክኢሉ።
ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ድማ ዊልያም ሳሊባ ኣብ ልዕሊ ሊዮር ሳነ ብዝፈጸሞ በደል፡ ሃሪ ኬን ነታ ጋንታኡ ዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ ብቐሊሉ ናብ ጐል ቀይሩዋ።
ተቐይሮም ዝኣተዉ ጋብሪኤል ጄሱስን ትሮዛርድን ሓቢሮም ንኣርሰናል ካብ ስዕረት ዘድሓነት ሸቶ ኣመዝጊቦም። ትሮዛርድ ካብ ካብ ጄሱስን ንዝተቐበላ ኵዕሶ ወሲዱ ብተሪር ቅላዕ ምስ ሰኪዐት ከራኽባ ክኢሉ።
ኣብ ካልኣይ ጸወታ ሲቲ ካብ ሜድኣ ወጻኢ 3 ሸቶታት ብምምዝጋብ ምስ ማድሪድ ማዕረ ተፈላልያላ። ዝቕጽል ጸወታ ኣብ ሜድኣ ክከውን እዩ።
ሲቲ ኵዕሶ ተቛጻጺራቶ’ኳ እንተነበረት፡ ንዝረኸበቶ ዕድላት ግን ናብ ሸቶታት ክትቅይሮ ኣይከኣለትን። ሲቲ ብበርናርዶ ሲልቫ ኣቢላ መሪሕነት ክትሕዝ እንከላ ማድሪድ ግን ሩበን ዲያዝን ናብ ገዛ ርኣሱ ብዘመዝገባ ሸቶን ሮድሪጎ ብዘመዝገባ ሸቶን መሪሕነት ሒዛ ኔራ።
ድሕሪ ዕረፍቲ ግን ፎደንን ጋርድዮልን ንጋንታኦም ናብ መሪሕነት መሊሶምዋ፤ ተጻዋታይ ማድሪድ ቫልቨርደ ግን ንጋንታኡ ማዕረ ጌርዋ።
ባየር ምስ ኣርሰናል ከምኡ’ውን ሲቲ ምስ ማድሪድ ዘካይዶኦ ጸወታ ዝመጸእ ዘሎ ሰሙን ክኸውን እዩ።