ብሉጻት ተጻወትቲ ዓለም ዝፈርዩላ ቁሸት ፈረንሳ

ኢብራሂም ትራኦረ፡ ነታ ጸላም ሬንጅሮቨር መኪናኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኵዕሶ እግሪ ዝጀመረሉ ኣፓርታማ ደው ከብላ እንከሎ ፍሽኽ በለ።

ናብ ፓንቲን ተመሊሱ፤ ማእከላይ ፓሪስ ምስ ኣብ ዙርያኣ ዝርከባ ከባቢታት ዝፈልያ ቀለበት መገዲ ውጽእ ኢልካ እትርከብ ዓዲ።

ሓዉ ኣብ መበል ሓምሻይ ደብሪ ኣብ ዝርከብ ናይ ቁልዕነት ገዛኦም ክቕበሎ ይጽበዮ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ፡ ስእሊ ጋናዊ ኣቡኡን ሊባኖሳዊት ኣዲኡን ከምኡ’ውን ስእልታት ኣቦ ሓጉኡን እኖ ሓጉኡን፣ ንኣሽቱ ወለዶታት እቲ ስድራ ተሰቒሎም ኣለው።

ካብ ናሕሲ እቲ ገዛ ናብ መሬት ክትጥምት እንከለኻ፡ ኣብ ስግር መካይንን ኵዕሶ ሜዳታትን ይርኣዩ።

“መጻወቲና’ዩ፤ ቈልዑ ሸውዓተ ዓመት ኰይንና ወትሩ ንጉሆ በቲ ሓጹር እናዘለልና ቅላዕ ንለማመድ ነይርና። ቅድሚ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድናን ካብኡ ምስ ተመለስናን ክኣ ኵዕሶ ጥራይ ንጻወት ነይርና” ይብል ታራኦረ።

መብዛሕትኦም ኣብዚ ከባቢ ንዝዓብዩ ቈልዑ፡ "ብቀጻሊ ልምምድ ምግባር ዓብዪ ክብሪ ከጐናጽፈካ ይኽእል’ዩ" ዝብል እምነት ኣለዎም።

ወዲ 35 ዓመት ትራኦረ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ጋንታታት ጀርመን ቡንደስሊጋ ልዕሊ 250 ጸወታታት ተሰሊፉ፤ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪቃ ድማ ካፒቴን ጋና ኰይኑ ተጻዊቱ።

ኣብዚ ንክበጽሕ ምትብባዕ ዝዀኖ፡ እቲ ብቴሌቪዥናት ዝርእዮ ዘይኰነ ኣብ ከባቢኡ እናርኣዮ ዝዓበየ ዓወታት እዩ።

“ኣብ ገዛውትና፡ ንማንቸስተር ዩናይትድ ዝስለፍ ተጻዋቲ ከም ዝነበረ ይዝክር፤ ጋብሪኤል ኦቤርታን። ሓደ ካብ ከባቢኻ ክዕወት ክትርኢ እንከለኻ ሕልሚ ኩለኻ ይኸውን። ካብዚ ከባቢ ኰይንካ’ውን ንኸም ማንቸስተር ዩናይትድ ዝበላ ጋንታታት ክትጻወት ትኽእል ኢኻ ዝብል ነገር ክትሰምዕ እንከለኻ፡ ክትስዕቦ፣ ክትዀኖ እትደሊ ነገር ይኸውን” ይብል።

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 04፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ቈልዑን ኣሰልጠንትን ናብ መጻወቲ ሜዳ ይኸቱ።

ተጻዋቲ ኣስቶን ቪላ ሙሳ ዳቢ፣ ተጻዋቲ ኣርሰናል ነበር ኒኮላስ ፔፐን፣ ተኸላኻሊ ፈረንሳን ሞናኮን ዮሱፍ ፎፋንን ኵዕሶ እግሪ ኣብ ሓደ መሳለጢያ’ዮም ኵዕሶ እግሪ መሊዀም።

እዚ መሳለጢያ እዚ ጋንታታት ውሽጢ ዓዲ ዝዀና ኤስፐራንስ ፓሪስ 19ኤምን ሶሊተር ፓሪስ ኢስትን ይካፈልኦ እየን።

ኣብቲ ካብ ኵሎም ዝዓበየ መድረኽ ስፖርት፡ ብሉጻት ተጻወትቲ ፓሪስ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት’ዮም ዘለው።

ብ2022 ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ዝተሰለፉ 30 ተጻወትቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ’ዮም ተወሊዶም።

ካልኦት ክልተ ጋንታታት መናእሰይ ዝዀና ሳኦ ፖሎ ድማ 12 ተጻወትቲ ዋንጫ ዓለም፤ ሸሞንተ ድማ ንለንደን ኣፍርያ።

ነዚ ምስ ካልኦት ክልተ ኣፍረይቲ ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት ከነነጻጽሮ፤ ሳኦ ፓውሎ 12 ተጻወትቲ ንዋንጫ ዓለም ኣብቂዓ፤ ዓባይ ለንደን ድማ ሸሞንተ ተጻወትቲ ኣቕሪባ።

ንዋንጫ ኣብ ዝተገብረ ጸወታ ብኣርጀንቲና ኣብ ዝተስዓረት ጋንታ ፈረንሳ 11 ዕባይ ፓሪስ ዝዀኑ ተጻወትቲ ነይሮም።

ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ 30 ተጻወትቲ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ተወሊዶም። ነዚ ምስ ካልኦት ክልተ ትኹረት ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት ኣነጻጽሮ፡ ሳኦ ፓውሎ 12 ተጻወትቲ ዋንጫ ዓለም፡ ዓባይ ለንደን ድማ ሸሞንተ ተጻወትቲ ኣቕሪባ።

ኣብታ ብፍጻመ ብኣርጀንቲና ዝተሳዕረት ጋንታ ፈረንሳ 11 ፓሪሳውያን ክህልዉ እንከለዉ፡ ካልኦት 19 ድማ ኣብ ሸሞንተ ሃገራውያን ጋንታታት ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ሰኔጋል፡ ጋና፡ ካሜሩን፡ ፖርቱጋል፡ ጀርመንን ቀጠርን ተሰሊፎም እዮም።

ደሓር ከኣ ኰኸባት ኵዕሶ ዝዀኑ ተጻወትቲ ኣለው።

ተዓወትቲ ዋንጫ ዓለም ቴሪ ሄንሪ፡ ንጎሎ ካንተን ፖል ፖግባን ከምኡ’ውን ኣብ ሌስት ወዲ ጋንታ ካንተ ዝነበረ ሪያድ ማህረዝ ኩሎም ኣብ ባንሊዩስ (ከባቢታት) ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ዓብዮም።

ፓሪስ ግን ከመይ ኢላ እያ ካብ ካልእ ከባቢ ንላዕሊ ተውህቦ ኩዕሶ እግሪ ዘለዎም ተጻወትቲ እተፍሪ ከተማ ኰይና?

ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተገብረ ኲናት፡ ኵዕሶ እግሪ ካብ ዘፍቅራ ግዝኣታት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ናብ ፈረንሳ ዝግበር ልዑል ዋሕዚ ስደት እዩ ስዒቡ።

እዚ ድማ፡ ፈረንሳ መስተንክራዊት መፍረ ኵዕሶ እግሪ ክትኸውን ምኽንያት ኰይኑ።

ትራኦረ ኣብ ፓሪስ’ዩ ተወሊዱ።

“ኣብዚ ዙርያና ብዙሓት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ሰባት ነይሮም፤ ብዙሓት ሰኔጋላውያን፣ ጊኒያውያን፣ ማሊያውያን ክኣ መጺኦም። ክረምቲ ክኸውን እንከሎ ዋንጫ ኣፍሪቃ ነዳሉ። ኩሎም ተጻወትቲ ጊኒ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ይዀኑ፤ ኩሎም ተጻወትቲ ማሊ ኣብ ሓንቲ ጋንታ፤ ኣይቮሪኮስት . . . ከም ዝደለኻዮ። ኵሉ ክኣ ንዓዱ ስለ ዝውክል ኣዝዩ ደስ ዝብል ነይሩ” ይብል።

ኣብ ሓደ ካብዞም ዘይወግዓዊ ውድድራት እዩ እምበኣር ሓደ ናይቲ ከባቢ 'ስካውት' ንትራኦረ ሓጽዩዎ፤ ናብ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲ ዝገብሮ ጉዕዞ ድማ ብኡ ኣቢሉ ተርሓወ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባንሊዩ ፓሪስ ልዑል ጽሬት ዘለዎም መሳለጥያታት ኩዕሶ እግሪ ምህናጽ ዝብል ፖሊሲ ከባቢያዊ ምምሕዳር፡ ብኸፊል ቈልዑ ካብ ግዳምን ጸገምን ንምውጻእ ከምኡ'ውን፡ ስፖርት ብቐሊሉ ንኹሉ ተበጻሒን ዝዀነሉ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣርን ሓጋዚ ተራ ነይሩዎ።

“ካብ ገዛኻ ውጽእ ክትብል እንከለኻ ኵዕሶ ሜዳ ኢኻ ትረክብ፤ ስለዚ እቲ ቀዳማይ ነገር እትገብሮ ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት’ዩ ክኸውን” ይብል ዳይሬክተር ስፖርት ናይታ ኣብ ዞባ ፓሪስ ኣብ ከባቢ ከተማ ሴን ሴንት ደኒስ እትርከብ ምዕብልቲ ጋንታ ኤፍ ሲ ሞንትፈርማይል 93 ዝዀነ ዓብደላዚዝ ካዱር።

ሴን ሴንት ደኒስ፡ ኣብ ፈረንሳ ዝለዓለ መጠን ገበንን ሽቕለት ኣልቦነትን ካብ ዘለዎም ሓደ እዩ።

ዓብደላዚዝን ሞንትፈርማይልን ኣብ ዕብየት ተኸላኻሊ ኣርሰናል ዊልያም ሳሊባ ዓብዪ ግደ ነይሩዎም።

ንሱ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረት ኤኤስ ቦንዲ ዝተባህለት ጋንታ’ዩ ተሰጋጊሩ፤ ኰኸብ ፈረንሳ ኪልያን ምባፐ ቈልዓ ኰይኑ ኣብዛ ጋንታ ተጻዊቱ እዩ።

“ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ መንእሰያት ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ኩዕሶ እግሪ ይጻወቱ" ይብል ዓብደላዚዝ።

ወሲኹ፡ “ኩሉ ኣብዚ ይመሃሩ። ምስ ግዜ ድማ ዓቕሞም ከዕብዩ፣ ምሽካዕ፣ ፍጥነት፣ ነገራት ኣቐዲምካ ምርኣይ፣ ምጥቃዕ . . . ከማዕብሉ ይሕግዞም። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ኵዕሶ እግሪ እንጀርኦም ክኸውን’ዮም ዝደልዩ። ልዑል መንፈስ ኣለዎም። ክትሓቶም እንከለኻ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ክዀኑ እዮም ዝደልዩ።

“ኣብዚ ከባቢ ምንባር ቀሊል ኣይኰነን፤ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ጸገም’ዮም ዝርከቡ። እቶም ቈልዑ ነዚ ስለ ዝፈልጡዎ፡ ንክዕወቱ ኩሉ ጸንቂቘም ይጥቀሙ። ካብ ተውህቦ ወጻእ ኣተሓሳስባኻ ክህነጽ እንተኽኢሉ ዝፈጥሮ ለውጢ ዓብዪ’ዩ” ይብል።

ተኸላኻላሊ ቶተንሃም፡ ኒውካስልን ካሜሩንን ነበር ሰባስቲያን ባሶንግ፡ ኰኸብ ኩዕሶ እግሪ ቅድሚ ምዃኑ ኣብታ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ኣብ እትርከብ ቫል ዲ ኦይስ እትርከብ ጋንታ ደዩል ኤንገይን እዩ ጀሚሩ።

ኩዕሶ እግሪ “ኣብ ዲኤንኤ” ናይቶም ኣብ ባንሊየስ ዝዓብዩ ሰባት ኣሎ’ዩ ዝብል።

“ተወራራሲ ዝዀነ ፍሉይ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ዓበይቲ ኣሕዋት ኣለዉኒ፤ ንዓይ ሽመይ ከጸውዕ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ኩዕሶ እግሪ ክጻወት ምስ ጀመርኩ ግን ሰባት ብዝተፈላየ መገዲ ክርእዩኒ ጀሚሮም። ኩዕሶ እግሪ ናብ ህይወተይ ምስ ኣተወ ብኡንብኡ ሃለዋተይ ክፍለጥ ጀሚሩ። ደረተይ ነፊሐ ክኸይድ ጀሚረ” ይብል ሰባስቲያን።

ሰባስቲያን፡ ጌና ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ኣትሒዙ ልዑል ክእለት ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ሄንሪን ኒኮላስ ኣነልካን ዝወሰድዎ መንገዲ ተኸቲሉ፤ ናብታ ንነዊሕ እዋን ካብ ከባቢ ኢል-ደ-ፍራንስ ብሉጻት ስፖርተኛታት ብምብርካት ፍሉጥቲ ዝዀነት መንበሪ ኣካዳሚ ክሌርፎንታይን ተጓዒዙ።

“ሃርቫርድ ናይ ኩዕሶ እግሪ ኢና ንብሎ" ይብል ባሶንግ።

“መብዛሕትኡ ፈላጥ ኵዕሶ እግሪ ካብ ክሌርፎንታይን'ዩ (ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ) መጺኡ። እትሓስቦ፣ እትሰትዮ፣ እተሽትቶ ኵዕሶ እግሪ እዩ፤ ኵዕሶኻ ሒዝካ ድማ ትድቅስ፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ስነ ምግባር ትመሃር። ሻምፕዮናት ኣዕብዮም’ዮም” ኢሉ።

እቶም ስካውት ክሌርፎንታይን ክርእዩዎም ዕድል ዘይገበሩ ኣብ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩን ሓያል ንሕንሕ ዘለዎምን ኣማተር ሊጋት ኵዕሶ እግሪ ዓለም እግሮም የጽርዩ።

ሊግ ዲ ፓሪስ ኢል ዲ ፍራንስ ልዕሊ 1000 ክለባትን 270,000 ተጻወትን ኣለዉዎ።

እዚ፡ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ትካል ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ማእከል ፓሪስ ካብ ቤተ መዘክር ሉቭር ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ንዝኽሪ ዝተሰቕለ ስእሊ ኣሎ።

“ገለ ካብቶም ዓበይቲ ፈረንሳውያን ተጻወትቲ፡ ወይ ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ኤውሮጳ ዘለው ተጻወትቲ፡ እቲ ኣብ ኢል-ዲ-ፍራንስ ዝረኸቡዎ ስልጠናታት ብዝበለጸ ከም ዘገልገሎም ይዛረቡ፤ እቲ ደረጃ ኣዝዩ ኣዝዩ ጽቡቕ ምንባሩ ይዛረቡ" ይብል ፕረዚደንት እቲ ሊግ ጃሜል ሳንጃክ።

ንሱ፡ ኣልጀርያዊ መበቈል ዘለዎ ተኸላኻሊ ነበር ኰይኑ ቅድሚ ናብ ምምሕዳር ኵዕሶ እግሪ ምእታዉ ኣብቲ ሊግ ተጻዊቱ እዩ።

“መብዛሕትአን ሃገራውያን ጋንታታት መንእሰያት ፈረንሳ ብተጻወትትና መሊአን እየን። ስለዚ ዞባዊ ጋንታታትና ብደረጃ ሃገር እየን ዝጻወታ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጽኡ ስካውት ንተጻወትቲ ሊጋትና ክርእዩ ናብ ኢል-ደ-ፍራንስ ይመጽኡ” ኢሉ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዝለዓለ ብዝሒ ፈረንሳውያን ተጻወትቲ ከም ዘሎ’ዩ ዘረድእ።

ተጻዋታይ ሊቨርፑል ኢብራሂማ ኮናተ ከምኡ'ውን ተጻዋታይ ቴልሲ ኣክሰል ዲሳሲ ካብቶም ዳሕረዎት ፈረንሳ ንዓለም ዘብቅዓቶም ተጻወትቲ ምጥቃስ ይክኣል።

ጋንታታት እንግሊዝ ካብታ ኣብ ፓሪስ ዘላ ናይ ኤሊት ክለብ ዝዀነት ፓሪስ ሴንት ጀርመን ኣብ ውሽጢ ብዝዓቢ ክእለት ቀዳምነት ሂባ እትሰርሕ ብምዃና ብዙሕ ተረቢሐን እየን።

እዚ ፖሊሲ ኣብ 2020 ኣብ ዘካየደቶ ሓደን እንኰን ፍጻመ ሻምፕዮንስሊግ ዋጋ ኣኽፊሉዋ እዩ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ፒኤስጂ ብነጻ ናብ ጁቬንቱስ ዝለቐቐቶ ተጻዋታይ ኪንግስሊ ኮማን ዘመዝገባ ሸቶ ዘመዝገበት ባየር ሙኒክ 1ብ0 ክትስዓር ከም ዝገበረት ይዝከር።

ንኮማን ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድሚኡ ዘሰልጠኖ፡ ኣሰልጣኒ መንእሰያት ፒኤስጂ ነበር ይቭ ገርጋውድ፡ ብራዚላዊ ሉካስ ሞራ ኣብታ ናቱ ንክጻወት ብ33.5 ሚልዮን ፓውንድ ምምጽኡ፡ እቲ ሽዑ ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ ተጻዋቲ ክንፊ ካብታ ብቐጠር እትውነን ክለብ ምኻዱ፡ ከም ዝደረኸ ይዛረብ።

“ኩሉ ንግዲ'ዩ” ይብል ገርጋውድ።

“ሕጂ 15 ወይ 20 ዓመት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክዕወቱ ይደልዩ ነይሮም፤ እዚ ንምስኻዕ ድማ ከም ሜሲ፡ ኔይማር፡ ቲያጎ ሲልቫ ዝበሉ ብሉጻት ተጻወትቲ ንምስሓብ ይጽዕሩ ኣለው። እንተዀነ ሕጂ'ውን ምናልባት ዝጐድሎም ነገር ዘሎ ይመስል።

"ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኣካዳሚ ኣሎ፤ ኣብ ካልእ ኵርናዕ ድማ ፕሮ-ቲም፣ ኩል ግዜ ዝቀያየሩ ዳይሬክተራትን ኣካየድትን ኣለው። ስለዚ ተጻወትቲ ምዕባይ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፤ ግን ሓቂ'ዩ፡ ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ካብ ፓሪስ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጋንታታት ተጻወትቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ።

"ካብ 2002 ክሳብ 2007 ኣብ ፓሪስ ሴንት ጀርመን ነይረ፤ ኣብ ኣካዳሚ ጽቡቕ ስራሕ'ዮም ሰሪሖም። እቶም ስካውት ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሖም - ኣዝዮም ንፉዓት መንእሰያት የለልዩ ነይሮም። ድሓር ግን ዕቑር ጋንታ ስለ ዘይብሎም ናብ ቀዳመይቲ ጋንታ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ'ዩ፤ ስለዚ ሻምፒዮን ኣብ ትሕቲ 19 ዓመት ጥራይ ተሓጺሮም ይጸንሑ።

"ስለዚ ከም ዋረን ዛየር-ኤመሪ ዝበሉ ኣብ 16 ወይ 17 ዓመቶም ድሉዋት ክዀኑ ዝኽእሉ ተጻወትቲ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ኣብ ፒ.ኤስ.ጂ ኰይኖም ናብ ቀዳመይቲ ጋንታ ክበጽሑ ዝኽእሉ ተጻወትቲ ኣለዉ" ይብል።

ፍሉይ ክእለት ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ሓንቲ ከተማን ከባቢኣን ብጻዕቒ ዝርከቡ ምዃኖም ኣብ ዙርያ መሰረታዊ ኩዕሶ እግሪ ፓሪስ ፍሉይ ጽልዋ ፈጢሩ እዩ።

"ክጅምር እንከለኹ ኣብ ከባቢ ፓሪስ ብዙሕ የጽንዕ ነይረ፤ ኣዝዮም ብዙሓት ወኪላት፡ ብዙሓት ሰባት ቀጻሊ ተጻዋቲ ኣብ ምሕራይ ተጸሚዶም'ዮም ዘለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ፓሪስ ተጻዋታይ እትረኽበሉ ጫካ'ዩ" ትብል ወኪል ኣብ ምዕራባዊ ፓሪስ ዝመደበሩ ሱፐርኖቫ ዝዀነት ጀኒፈር መንደለዊች።

"ንሓደ ስድራቤት ትዛረብ እሞ ቀደም ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ወኪላት ኣለዎ ትብሃል። ቁልዕነቶም ቈልዑ ኰይኖም እዮም ከሕልፉዎ ዝግባእ" ብምባል ኣብ ልዕሊኦም ጸቕጢ ዘሕድሩ ኩነታት ከም ዘለው ትዛረብ።

ምባፐን ዛየር-ኤመሪን ርእሲ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ፈረንሳውያን ተጻወትቲ'ዮም።

ኣብ ሜዳ ክኣ ኣብታ ከተማ ንዝደመቑ ከዋኽብቲ ብርቱዕ ንሕንሕ ክገጥሙ ምርኣይ ልሙድ እዩ።