ሽልማት ብሉጻት ተጻወትቲ ኣፍሪቃ ወሲዶም ዘይፈልጡ 5 ኰኸባት ኩዕሶ እግሪ

ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ዝወሃብ ሽልማት ‘ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ’ ኣጥቅዓይ ናይጄሪያ ቪክቶር ኦሲምሄን ክዕወት ትጽቢት ይግበር።

እንተዀነ፡ ካብ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕን ተኸላኻላይ ፓሪስ ሴንት ጀርመን ኣሽራፍ ሄኪሚን ሓያል ንሕንሕ ክገጥሞ’ዩ።

ሓለቓ ጋንታ ግብጺ መሓመድ ሳላሕ ኣብ 2017ን 2018ን ሽልማት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ክዕወት እንከሎ - ኣብ 2019ን 2022ን ድማ ንሳድዮ ማነ ስዒቡ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ነይሩ።

ሞሮካዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ሄኪሚ ድማ፡ ሃገራዊት ጋንታ ሃገሩ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትበጽሕ ገይሩ ነይሩ።

ኣብ 2023 ኣብ ውድድር ባሎን ዲ ኦር ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ንምዃን ዝበቕዐ ኦሲምሄን፡ ዝሓለፈ ዓመት ንኢጣልያዊት ጋንታ ናፖሊ (Società Sportiva Calcio Napoli) 26 ሸቶታት ብምቑጻሩን ንፈለማ እዋን ዋንጫ ሰሪኣ ክትዓትር ብምሕጋዙን ኣብቲ ውድድር 8ይ ደረጃ ሒዙ።

እዚ ወዲ 24 ዓመት ተጻዋታይ ግን፡ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ውልቃዊ ሽልማት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ፍሉጣት ተጻወትቲ ክጽንበር ኢዩ።

ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ገለ ካብቶም ካልኦት ኣብታ ኣህጉር ዓበይቲ ኣስማት ዘለዎም ግን ድማ ሽልማት ካፍ ዘይተዓወቱ ተጻወትቲ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ጄይ-ጄይ ኦኮቻ (ናይጀርያ)

ኣብ ታሪኽ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ‘ሱፐር ኢግልስ’፡ ኣከፋፋሊ ኦኮቻ ብዘለዎ ፍሉይ ክእለት ኩዕሶ ሰለስተ ግዜ ኣብ ዝርዝር ካፍ ኣትዩ’ዩ።

ንሱ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ 1994 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ (ኣፍኮን) ከምኡ’ውን ኣብ 1996 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ወርቂ ሜዳልያ ዝዓተረ ወርቃዊ ወለዶ ናይጀርያ እዩ።

ኣብዚ ጸወታ፡ ናይጄሪያ፡ ንብራዚልን ኣርጀንቲናን እያ ረቲዓ ነይራ።

እቲ ዝደመቐ ህሞት ኦኮቻ፡ ኣብ 1998 ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ኰይኑ፡ ዘለዎ ፍሉይ ክእለት ዘመስከረሉ'ዩ።

ኣብታ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ካፍ ግን ብክልተ ነጥቢ ኣፈላላይ ብሞሮካዊ ሙስጣፋ ሓጂ ተበሊጹ።

ኣብ 2003ን 2004ን ዳግማይ ተረቚሑ፤ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ግን ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ።

ኣብቲ ኣብ 2004 ዝተኻየደ ውድድር ኣፍኮን፡ ኦኮቻ ምስ ካሜሩናዊ ሳሙኤል ኤቶ ሓባራዊ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶን ብሉጽ ተጻዋታይን ኰይኑ እኳ እንተተመዘዘ፡ ነቲ ሽልማት ግን ኣይተዓወተሉን።

ሚካኤል ኤሰን (ጋና)

ካልእ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ትኩር ኣከፋፋሊ ኤሰን፡ ካብ ነዊሕ ርሕቀት ዘደንቓ ሸቶታት ናይ ምምዝጋብ ክእለት ዘለዎ’ዩ።

ኤሰን ኣብ 2005፡ ናብ ቼልሲ ቅድሚ ምጽንባሩ ኣብ ፈረንሳ ብሉጽ ተጻዋታይ ሊግ 1 ተባሂሉ ዝተሸለመ እዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ክብረወሰን ብዝሰበረ ዋጋ (24.4 ሚልዮን ፓውንድ) እያ ቼልሲ ዓዲጋቶ ነይራ።

እዚ ጋናዊ ዓለምለኻዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ኣብ ዝጸንሓሉ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ን’ብሉስ’ ቁልፊ ሰብ ኰይኑ፡ ቼልሲ ኣብ 2012 ክልተ ዋንጫ ፕሪምየርሊግ፡ ኣርባዕተ ዋንጫ ኤፍ.ኤ.ን ሻምፕዮንስ ሊግን ክትዓትር ሓጊዙዋ።

ካብ 2005 ክሳብ 2009፡ ዓመት መጽአ ኣብ ዝርዝር ሽልማት ካፍ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ 2007 ድማ ድሕሪ ኣጥቃዓይ ማሊ ፍረደሪክ ካኖተ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

ናይ ኩሉ ግዜ መሪሕ ኣመዝጋቢ ሸቶታት ጋና ኣሳሞ ግያን ካልእ ፍሉጥ ሽም ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ኣብ 2010 ድሕሪ ኤቶ ብምዝዛም ከይተሸለመ እዩ ተሪፉ።

ተጻዋቲ ባየር ሙኒክን ብላክ ስታርስን ሳሙኤል ኩፎር ድማ ኣብ 1999ን 2001ን ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

መሓመድ ኣቡትሪካ (ግብጺ)

ግብጺ ካብ 2006 ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዘይትግታእ ብምንባራ፡ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዋንጫ ኣፍኮን ወሲዳ እያ።

ኣቡትሪካ ድማ ሕመረት ናይዚ ዓወታት'ዩ ነይሩ።

ሸቶ ንምቑጻር ዝጥምታ ኣዒንቲ ዘለውኦ ኣከፋፋሊ ኰይኑ፡ ንሃገሩን ንጋንታ ኣል ኣህሊን ፍሉይ ጸጋ ምባሩ ይፍለጥ።

ንሱ፡ 5 ሻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃን 4 ዋንጫ ካፍ ሱፐር ካፕን ተዓዊቱ’ዩ።

ኣቡትሪካ 4 ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ክለባት ካፍ ( inter-club player) ተዓዊቱ፤ 4 ግዜ ኣብ ብሉጽ ጋንታ ካፍ ተሸሊሙ፤ ክልተ ግዜ ድማ ኣብ ‘ድሪም ቲም’ ኣፍኮን ተመሪጹ።

ብስራሕ ካብ ሃገሩ ናብ ካልእ ቦታታት ክወጽእ ድልየት ኣይነበሮን፤ እዚ ድማ ነቲ ዓቢ ሽልማት ካፍ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ሃስዩዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ብ2008 ድማ፡ ንኢማኑኤል ኣደባዮር ስዒቡ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ነይሩ።

ኣጥቃዓይ ግብጺ ሑሳም ሓሰን'ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሽልማት ኣፍኮን ክዕወት ኣይክኣለን።

እዚ ድማ ሰለስተ ዋንጫ ኣፍኮን ብምዕዋት ኣብ 1998 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኰይኑ ዛዚሙ።

ቤኒ ማካርቲ (ደቡብ ኣፍሪቃ)

ኣብ 1998 ኣብ ኣፍኮን 7 ሸቶታት ብምምዝጋብ (ኣብ ጎኒ ሓሰን) ሓባራዊ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ፡ ኣብ 2004 ድማ ምስ ፖርቶ ተዓዋቲ ሻምፕዮንስ ሊግ ዝዀነ ማካርቲ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ወለዶኡ ዝነበሩ ሓያላት ኣጥቃዕቲ ኣፍሪቃ እዩ።

ምስ ሻውን ባርትሌት ዝገበሮ ሽርክነት ንባፋና ባፋና ሓንቲ ካብተን ላዕለዎት ጋንታታት ኣፍሪቃ ክትኸውን ኣኽኢሉዋ፤ ኣብ 1998ን 2002ን ክኣ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፉ።

ይኹን’ምበር ማካርቲ ነታ ኣብ 1996 ኣብ ሜድኣ ንኣፍኮን ዝተዓወተትን ዋንጫ ዓለም 2010 ዘአንገደትን ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ምምራጽ ኣምሊጡ።

ዋላ'ኳ ኣብ ሆላንድን ፖርቱጋልን ዕውት ሞያ እንተሃለዎ፡ ማካርቲ ኣብ ዝርዝር ሽልማት ካፍ ኣትዩ ኣይፈልጥን።

ክሪስቶፈር ካቶንጎ’ውን ኣብዚ ዝርዝር ኣትዩ ዘይፈልጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ’ዩ።

ንሱ ብ2012 ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ድምጺ ህዝቢ ብምርካብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ እዚ ዓመት ተባሂሉ ተመሪጹ ነይሩ።

ሰይዱ ኬይታ (ማሊ)

እዚ ኣከፋፋሊ፡ ኣብ 2008 ካብ ሰቪያ ናብ ባርሴሎና ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ቁልፊ ኣካል ናይታ ካብ 2009 ክሳብ 2011 ሰለስተ ተኸታታሊ ዋንጫ ላሊጋ ዝዓተረት ዓብላሊት ጋንታ ፐፕ ጓርድዮላ ባርሰሎና ኰይኑ፡ ነዛ ካታሎንያዊት ክለብ ወኪሉ ዝጸንሐ ፈላማይ ማሊያዊ ኮይኑ።

ካብ 2009 ክሳብ 2011 ምስ ባርሳ ብምዃን ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ሱፐር ካፕ ዩኤፋን ዋንጫ ዓለም ክለባትን ዝዓተረ ኰይኑ፡ ድሕሪ'ቲ ዓወታት ኣብ ብሉጽ ጋንታ ካፍ እቲ ዓመት (2011) እውን ኣትዩ።

ኬይታ፡ ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ንያያ ቱረ ስዒቡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ፤ ኣብ 2012ን 2013ን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት ኣፍኮን ድማ ሃገሩ ማሊ ሳልሳይ ደረጃ ክትሕዝ ሓጊዙዋ።

ካሊዱ ኩሊባሊ ካልእ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ 2020 ይኹን 2021 ዘይተዋህበ ሽልማት ውልቀ ከይተዓወተሉ ተሪፉ’ዩ።

ሕጂ ምስ ስዑዲ ፕሮ ሊግ ክለብ ኣልሂላል ይጻዋት ኣሎ።

እዚ ማእከላይ ተኸላኻላይ ዝሓለፈ ዓመት ንሰኔጋል ሓለቓ ጋንታ ኰይኑ ዋንጫ ኣፍኮን ክትዓትር ርኡይ ተራ ነይሩዎ።

እንተዀነ፡ ደቂ ጋንትኡ 'ቴራንጋ ላዮንስ' (ኣናብስ ቴራንጋ) ማነን ኤድዋርድ መንዲን ከምኡ’ውን ሳላሕ እዮም ኣብ ፖድዮም ተራእዮም።