ዶናልድ ትራምፕ ቀጻሊ ዓመት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

ሰነዳት ብዝግባእ ብዘይምሓዝ ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ተወሲኑ።

ቤት ፍርዲ፡ ጉዳይ ትራምፕ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ወርሒ ግንቦት ንኽርአ እዩ ወሲኑ።

ትራምፕ ግን እቲ ጉዳይ ድሕሪ ናይ 2024 ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኽረአ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ቅድሚ መረጻ ንኽርአ ተኻቲዑ።

ወዲ 77 ዓመት ዶናልድ ትራምፕ ኣገደስቲ ሰነዳት መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ሓቢኡ ዝብል ከቢድ ክሲ ከምዝቐረበሉ ይፍለጥ።

ነቶም ሚስጥራዊ ሰነዳት መንግስቲ ኣብ ናይ ውልቀ ገዛኡ ካብ ምሕብኡ ብተወሳኺ መንግስቲ ነቶም ሰነዳት ንኸይረክብ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ዓቃቢ ሕጊ ከሲሱ።

ትራምፕ ግን እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክወዳደር ብምውጣኑ፡ ንምትእጉጓል ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እምበር ዋላ ሓንቲ ዝፈጸሞ ገበን ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ።

ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ስዒቡ፡ ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናቱ ጉዳይ ንኽርአ ዝተወሰነሉ ግዜ “ነቲ ናተይ ፕረዚደንታዊ ውድድር ኣብ ቀራና መገዲ ዘእተወ’ዩ” ኢሉ።

ነዚ ድማ ምስ ጠበቓታቱ ኮይኑ ከምዝካትዐሉ ገሊጹ።

ጉዳይ ትራምፕ ንኽርኢ ዝተመዘዘ ዳይና ካኖን፡ ከይዲ ብይን እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ፍሎሪዳ ፎርት ፒርስ ከምዝርአ ኣፍሊጡ።

ጉዳይ ትራምፕ ዝርእዩ ደያኑ፡ ንሱ ኣብ ናይ 2020 መረጻ ብብዝሒ ካብ ዝተዓወተሎም ግዝኣታት ክሕረዩ ምዃኖም ተገሊጹ።

ዓቃቢ ሕጊ እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ ስለዘይኮነ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክውዳእ ከምዘለዎ ተኻቲዑ። ኣብ ዝቕጽል ታሕሳስ ክጅመር’ውን ድልየት ኣለዎ።

ጠበቓታት ትራምፕ ድማ እቲ ጉዳይ ፍሉይ ባህርያት ዘለዎ ስለዝኾነ ነዊሕ ግዜ ከምዘድልዮ ብምግላጽ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝካየድ እንተኾይኑ ግን ዓሚሎም ኣብ 2024 ኣብ ዘካይዶ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፍትሓዊ ሜዳ ከምዘይርከብ ኣገንዚቦም።