እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ክስታቱ ክሰምዕ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ
ኒዩኩለራውን ወተሃደራውን ምስጢራት ዝሓዙ ሰነዳት ብምሕባእ ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ።
ትራምፕ፡ ብመሰረት ሕጋዊ ቅጥዒ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ'ዩ ኣብቲ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንዝቐረበሉ ክሲታት ከምዘይቅበሎ ተዛሪቡ።
ትራምፕ፡ ኣብዚ ዓመት 2023 ብክሲ ገበን እንትኽሰስ፡ እዚ ናይ ሎሚ ንካልኣይ ግዘ እዩ።
49 ገፃት ዝሓዘ እዚ ገበናዊ ክሲ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበር ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዝተመስረተ ፌደራላዊ ክሲ ዝሓዘ እዩ።
እቲ ናብ ዋይት ሃውስ ንክምለስ ጎስጓስ ፕረዝደንታዊ መረፃ 2024 ዘካይድ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ግና፡ 'ኣይወዓልክዎን' ብምባል ንዝቐረበሉ ክስታት ይነፅጎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ከንቲባ ከተማ ሚያሚ ፍራንሲስ ሱዋዝራ፡ እታ ከተማ ውዕሎ መጋባእያ ትራምፕ ንምትእንጋድ ክትዳሎ'ያ ቀንያ።
ክሳብ 50 ሽሕ ሰባት ክርከቡ ትፅቢት ብምግባር ፖሊስ ኣብታ ከተማ ከም ዝዋፈር ዝገለፀ እቲ ከንቲባ፡ “ሰባት ሰላማውያን ክኾኑ ኢና ነተባብዕ” ኢሉ።
ካልኦት ምንጭታት ድማ፡ ካብቲ ትፅቢት ዝተገበረ ኣሃዝ ዝተሓተ ሰብ ከም ዝርከብ ንመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ገሊፆም።
እዞም ገበናዊ ክስታት ካብ ዝምስረቱ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንህዝቢ ዝተርኣየ ትራምፕ፡ እዚ ጉዳይ ቤት-ፍርዲ “ብልሹው” ብዝኾነ ኤፍቢኣይን ክፍሊ ፍትሕን ዝተገበረ “ኢድ ኣእታውነት መረፃ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ትራምፕ ምስ ውልቀ ሓጋዚኡ ዋልት ናውታ እዩ፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርብ ተገሊጹ ነይሩ።
እቲ ናይ ዋይት ሃውስ ወተሃደራዊ ኣገልጋሊ ዝነበረ ዋልት ናውታ፡ ሰነዳት ዋይት ሃውስ ካብ ኤፍቢኣይ ንምሕባእ ብምግዓዝ ብሽድሽተ ገበናዊ ክስታት እዩ ተኸሲሱ።
ቤት-ፍርዲ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ነዚ ናይ ሎሚመዓልቲ መጋባእያ ስእሊ ንምስኣልን ቪድዮ ንምቕራፅን ዘቕረብዎ ሕቶ ነፂግዎ ኣሎ። ይኹን’ምበር ኩነታት እቲ ቤት-ፍርዲ ዝስእል ሰኣላይ ኣብቲ መጋባእያ ክርከብ እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ውዕሎ እቲ መጋባእያ ናብ ቤድሚኒስተር ኣቕኒዑ፡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ክህብ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ውቅያኖስ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ልዕሊ 100 ምሽጥራዊ ሰነዳት ኣሜሪካ ድሕሪ ምርካቡ እዩ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ37 ገበናዊ ክስታት ተኸሲሱ ዘሎ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ፌደራል፡ ነቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ድሮ ዕለተ ልደቱ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐርብ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዘይሕጋዊ መገዲ ሰነዳት ሒዙ፣ ገሊኦም ሰነዳት ኣብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መንበሪኡ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መንበሪኡ ኣብ ናይ ውልቀኣባላት እንዳ ተልሂትን ሻወርን ሓቢኡን መንግስቲ መሊሱ ከይረኽቦም ሸሪሑን ብምባል ይኸስዎ።
ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ሻወርን ኣብ ክፍሊ እንዳ ተልሂትን ኣብ ሳንዱቓት ዘቐመጦም ምሽጥራዊ ሰነዳት ብዛዕባ፡ መደባት ኒዩኩለር ኣሜሪካ፣ናይ ኣሜሪካን ሃገራት ወፃእን ዓቕሚ ምክልኻልን ኣፅዋርን፣ ኣሜሪካን መሻርኽታን ንወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክህልወን ዝኽእል ተቓላዓይነትን ካብ ሃገራት ወፃኢ ንዝፍፀም መጥቃዕቲ፡ ሕነ ንምፍዳይ ዘኽእሉ መደባት ዝምልከቱ እዮም።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ትራምፕ፡ ጠበቕኡ “ክሓብኦም ወይ ከወግዶም” ወይ ከኣ ንመርመርቲ ሰነዳት ምስኡ ከምዘየለዉ ክነግሮም ብምሕባር፡ ኤፍቢኣይ፡ ኣብቶም ዝጠፍኡ ሰነዳት ምርመራ ከየካይድ ከም ዘተዓናቐፈ ይገልፁ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ በዞም ክስታት ገበነኛ ኰይኑ እንተድኣ ተረኺቡ፡ ናብ ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምርሕ ከም ዝኽእል ሰብሞያ ሕጊ ይገልፁ።