ዚምባብወ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ 100 ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ ክትገብር እያ

ዚምባብወ፡ ኣካል ናይቲ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝግበር ጻዕሪ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ 100 ክውስኽ (ዕጽፊ ክኸውን) ከም ዝወሰነት መንግስታዊ ጋዜጣ ዘ ሄራልድ ጸብጺቡ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ወሰኽ ምስቲ ኣብ ዚምባብወ ዝተረኣየ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ዝመዓራረ ከም ዝዀነ ይግለጽ።

ኣብ ቀረባ ዝወፅኡ ጸብጻባት ከም ዘምልክትዎ ዋጋ ሸቐጣት እታ ሃገር ብ92.3 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

እዚ ከኣ እቲ ኣብ መደብራት ሸቐጣት ዘሎ ዋጋታት ዳርጋ ምስቲ ወሰኽ ደሞዝ ብዝመሳሰል መጠን ከምዝወሰኸ የረድእ።

እቲ ምትዕርራይ ደሞዝ ንዅሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ 250 ድጐማ ኮቪድ-19፡ ከምኡ’ውን ንመምህራን ወርሓዊ 80 ዶላር ኣበል ዘጠቓልል ምዃኑ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝወጸ መግለጺ ኣምልኪቱ’ሎ።

ኣብ ዓውዲ ጸጥታ ንዘለዉ ኣካላት ካብ 1 መጋቢት፡ ንዝተረፉ ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ካብ 1 ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ።

ምስ ጋዜጣ ዘ ሄራልድ ቃለ መጠይቕ ዝገበረ ወኪል ማሕበር መማህራን፡ እቲ ምምሕያሽ ደሞዝ "ኣዝዩ ዘሐጕስ" ምዃኑ ብምግላጽ ወሰኽ ኣበል ኮቪድ-19 ግን ሕጂ'ውን ትሑት ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ዚምባብወ ኣብ 2020 ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኣድማ ሓካይም ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ደሞዝ ክውስኽ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጹ ጽላት ጥዕና እታ ሃገር ተዳኺሙ ጸኒሑ’ሎ።