እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝተሸጠት 1.3 ቢልዮን ዶላር እተሸልም ሎተሪ ክሳዕ ሕጂ ዋናኣ ኣይተረኸበን
ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኢሊኖይስ ዝተሸጠት 1.3 ቢልዮን ዶላር ተሸልም ሎተሪ ክሳዕ ሕጂ ነታ ትኬት ኣነ’የ ዓዲገያ ዝብል ከምዘይተረኸበ ኣወሃሃድቲ ‘ሜጋ ሚልዮን ፕራይዝ’ ገሊጾም።
ኣብ ኣሜሪካ፡ እዛ ትኬት ብእተውህቦ ሽልማት ኣብ ካልኣይ እያ ትስራዕ።
ነዚ ሽልማት ዝተዓወተ ክልተ ኣማራጺ እዩ ዝወሃቦ።
ብቐጥታ ሽዑን ንሽዑን ብካሽ 780.5 ሚልዮን ዶላር ክወስድ፡ ወይ ከኣ ንብምሉኡ እቲ 1.3 ቢልዮን ዶላር ኣብ 29 ዓመታት ክወሃቦ።
እቲ ብዓርቢ ዝወጽአ ዕጫ ኣብ ሓንቲ ትኬት ክሳብ 300 ሚልዮን ዶላር ዘሸልም ዕጫታት’ውን ነይርዎ’ዩ።
እዛ ናይ ሎሚ ዓመት ሎተሪ ኣብ ኣሜሪካ ብእተውህቦ መጠን ሽልማት ገንዘብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ኰይና፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ኣገባብ፡ 1.537 ቢልዮን ዶላር ዘሸለመት ትኬት እታ ዝበዝሐ ገንዘብ ዘሸለመት ተባሂላ ኣብ መዝገብ ሰፊራ ኣላ።
እታ ትኬት ኣብ ደቡብ ካሮላይና’ያ ተሸይጣ ነይራ፣ ሓደ ሰሙ ዘይተገለጸ ውልቀሰብ ኸኣ ተዓዊቱላ።
እንተዀነ ኣብ 2016 ሰለስተ ሰባት ዝተዓወቱላ ትኬት እታ ዝበዝሐ ሰልዲ ዝሓቘፈት ኰይና፡ እቶም ሰለስተ ዕዉታት ነቲ 1.586 ቢልዮን ዶላር ኣብ መንጐኦም’ዮም ተማቒሎም።
እታ ብዓርቢ ዝወጽአት ዕጫ፡ ቍጽራ 13፡ 36, 45፡ 57፡ 67 ኰይኑ እታ መዐወቲት ናይ መወዳእታ ቍጽሪ 14 እያ።
መርበብ ሓበሬታ ‘ሜጋ ሚሊዮንስ’ ነታ ኣብ ግዝኣት ኢሊኖይስ ዝተሸጠት ትኬት፡ ሓደ ሰብ ከምዝተዓወተላ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ ኣነ’የ ተዓዊተ ዝብል ሰብ ከምዘይተረኸበ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ መጠን ሽልማት ክሳብ ክንድዚ ክዓቢ’ኳ ሓሳብ እንተዘይነበረ፡ ቍጽሪ ዓደግቲ ብዝተዓጻጸፈ ስለዝዓበ’የ ግን እቲ ሽልማት ብዕጽፊ ክዓቢ ከምዝተገበረ’ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።