እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ወልፊ ንዘትሓዘኒ ማሕበራዊ ሚዲያ ይኸሶ ኣለኹ’
ኣማኢት ስድራቤታት ብፍላጥ ህጻናት ንጎዳኢ ትሕቶታት ክቃልዑ ገይሮም እዮም ንዝበልዎም ገለ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዓለም ይኸሱ ኣለው።
“ቃል ብቃል ቈልዓ 12 ዓመት ኰይነ’የ ብወልፊ ተጸሚደ ነይረ። ንኹሉ ህይወት ዕድመ ንእስነተይ ድማ ተመሊሰ ኣይረኸብኩዎን”።
ወልፊ ቴይለር ሊትል ማሕበራዊ መራኸቢታት ኰይኑ፡ ብሰንኩ ንዓመታት ናብ ጭንቀትን ፈተነታት ቅትለትን 'ኣእቲዩወን' ጸኒሑ።
ብናይ ብዙሓት ክንዲስም "ንሳተን/ንሰን" ብዝብል ክጽውዓ ዝመርጻ 21 ዓመት ዝዕድሚአን ወይዘሪት ቴይለር፡ ነቶም ዓርሞሸሽ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ “ዓበይትን ግናያትን” ክብላ ይገልጽኦም።
እቶም ኩባንያታት፡ ብፍላጥ ኣዝዩ ወልፊ ዘትሕዝን ጎዳኢን ፍርያት ኣብ ኢድ ህጻናት ክኣቱ ገይሮም ኢለን ይኣምና።
በዚ ምኽንያት ድማ’ዮም ቴይለርን ካልኦት ኣማኢት ኣሜሪካውያን ስድራቤታትን ንኣርባዕተ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ዓለም ዝኸስሱ ዘለዉ።
ብዕላማ ጐዳኢ ክኸውን ዝተገብረ
እቲ ኣብ ልዕሊ ሜታ - ወናኒ ፌስቡክን ኢንስታግራምን - ዝተኸፍተ ክሲ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ቲክቶክ፡ ጉግልን ስናፕ ኢንክን -ዋና ስናፕቻት-- ዝቐረቡ ክስታት ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ካብ ዝቐረቡ ዝዓበዩ ክስታት ሓደ እዩ።
እቶም ከሰስቲ ድማ ካብ መላእ ኣሜሪካ ዝመጽኡ ተራ ስድራቤታትን ኣብያተ ትምህርትን ዝርከቡዎም’ዮም።
ንሳቶም፡ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላጥ ጎዳእቲ ኰይኖም’ዮም ይብሉ።
ጠበቓታት እተን ስድራቤታት፡ ጉዳይ ጓል 14 ዓመት ብሪጣንያዊት ተመሃሪት ሞሊ ራስል ኣገዳሲ ኣብነት ናይቲ መንእሰያት ከጋጥሞም ዝኽእል ጉድኣት ምዃኑ ይኣምኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዝቐረበ መርመራ ሞት ሞሊ፡ ኣብቲ ናይ ኣሜሪካ ክሲ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ዝዀነ መርትዖታት ይደልዩ ስለ ዝነበሩ ብቪድዮ ካብ ዋሽንግተን ተኸታቲሎምዎ።
ኣብቲ ኣብ ካሊፎርንያ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ቀንዲ ጥርዓን ክኣ ስም ሞሊ 12 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ስድራቤታት፡ ሓደ ዳኛ ፌደራል፡ እተን ኩባንያታት ነቲ ስጉምቲ ንምዕጋት ነቲ ንናጽነት ምዝራብ ዝሕሉ ቀዳማይ መመሓየሺ ቅዋም ኣሜሪካ ክጥቀማሉ ከም ዘይክእላ ብምውሳኑ፡ ሓይሊ ዝዀኖም እቶት ረኺቦም።
ብተወሳኺ ዳኛ ጎንዛለዝ ሮጀርስ፡ ‘S230 of the Communications Decency Act’ ዝተባህለ ሕጊ ጠቒሱ እቶም --ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣሕተምቲ ከም ዘይኰኑ ዝገልጽ ሕጊ--እተን ኩባኒያታት ቅሉዕ ሓለዋ ኣይሃበንን ክብል ወሲኑ።
እቲ ዳኛ፡ ንኣብነት፡ ከምቲ እቶም ስድራቤታት ዝምጉትዎ፡ "ጽኑዕ" ምርግጋጽ ዕድመ ዘይምህላውን ድኹም ቁጽጽር ወለድን፡ ናይ ጉዳያት ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ከም ዘይኰኑ ወሲኑ።
ጠበቓታት እቶም ስድራቤታት ድማ እዚ “ዓቢ ዓወት” እዩ ኢሎምዎ።
እተን ኩባንያታት ግን፡ እቲ ዝቐርበለን ዘሎ ክሲ ሓቂ ከም ዘይኰነን፡ ንነብሰን ብጽኑዕ ክከላኸላ ከም ዝዀናን ይገልጻ።
ኣብ ኮሎራዶ ዝነብራ ቴይለር፡ ቅድሚ ናይ መጀመርታ ስማርት ስልኪ ምርካበን፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘዘውትራን ደገ ዝፈትዋን ምንባረን ይዛረባ።
“ስልከይ እንተተመንጢለ፡ ደው ዘበልኩ ኰይኑ ይስምዓኒ፤ ዘይጽወር'ዩ ነይሩ። ቃል ብቃል፡ ወልፊ'ዩ ክብል እንከለኹ፡ ልምዲ ዝኸውን ነገር’ዩ ማለተይ ኣይኰንኩን። ኣካላተይን ኣእምሮይን እዩ ሃረር ዝብሎ” ይብላ።
ቴይለር፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጠወቕኦ ‘ኖቲፊኬሽን’ ኣይርስዕኦን'የን።
እዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ውልቃዊ ርእሰ-ጉድኣት ዝፈጸመሉ ገጽ ኰይኑ፡ ብግልጺ በሰላን መጉዳእትን ዘርእዩ ምስልታት ነይሮም።
“ከም ቈልዓ 11 ዓመት ኣብ ሓደ ዝዀነ መጠንቀቕታ ዘይነበሮ ገጽ ጠዊቐ። ደልየ ኣይኰንኩን ረኺበዮ። ክረኽቦ ኣይሓተትኩን። ሕጂ 21 ዓመት ገይረ ኣለኹ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ይርኣየኒ”።
ቴይለር ምስ ቁመናን ኣመጋግባን ዝምልከት’ውን ዓብዪ ብድሆታት ኣሕሊፈን'የን።
“እዚ ልክዕ ከም ኣምልኾ እዩ ነይሩ። ኣምልኾ ኰይኑ ይስምዓካ። ብቐጻሊ እንትርፎ ሞይትኻ ክህልወካ ብዘይኽእል ስእሊ ኣካላት ትሳቐ። ካብዚ ክኣ ክትሃድም ኣይትኽእልን ኢኻ”።
ጠበቓታት ቴይለርን ካልኦት ከሰስትን ኣብ ልጣፋት፣ ርኢይቶታትን ስእልታትን ውልቀሰባት ዘይኰነ ኣብ ቅዲ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ትኹረት ገይሮም።
እቶም መተግበሪታት ወልፍን ጉድኣትን ዘስዕቡ ቅዲታት ከም ዘለዎም ድማ ይዛረቡ።
‘ሓቂ ኣይኰነን’
ሜታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሓሳብና ምስቶም ኣብዞም ጥርዓናት ዝተወከሉ ስድራ'ዩ” ኢሉ።
“ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ንመንእሰያት ውሑስን ደጋፍን ተመኩሮታት ብኢንተርነት ንምሃብ እንገብሮ ዘለና ስራሕ ወለዲ ተገዳስነቶም ቅቡል ከም እንገብር ከነረጋግጽ ንደሊ” እውን ይብል።
ቲክቶክ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።
ጉግል “ኣብዞም ጥርዓናት ዝቐርቡ ክስታት ሓቂ ኣይኰኑን። ኣብ መላእ መድረኻትና ንቆልዑ ምሕላው ወትሩ ቀንዲ ስራሕና እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ከምኡ'ውን ስናፕቻት እቲ መድረኽ “ፍጹም ንምዃን ዝግበር ጸቕጢ ንምእላይ ዝተዳለወ'ዩ። ንኹሉ ትሕዝቶ ቅድሚ ናብ ብዙሕ ተዓዛቢ ምብጽሑ፡ ዝዀነ ክጎድእ ዝኽእል ነገር ከይዝርጋሕ ንፍትሾ ኢና” ዝብል መልሲ ሂቡ።
ሞሊ ራስል
ቴይለር ዛንታ እታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ለንደን ኣብ ኢንስተግራም ንዋሕዚ ኣሉታዊ ትሕዝቶታትን ጭንቀትን ምስ ተቓልዐት ዓርሰ ቕትለት ዝፈጸመት ሞሊ ራስል ይፈልጥኦ እየን።
ኣብ ዙርያ ሞት እዛ ውልቀሰብ ዝተገብረ መርመራ፡ “ብጭንቀትን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ትሕዝቶታት ኢንተርነትን እናተሳቐየት እንከላ” ከም ዝሞተት ኣረጋጊጹ።
ቴይለር ምስ ሞሊ ተመሳሳሊ ዛንታ ከም ዘለወን ይዛረባ።
“ብህይወት ምህላወይ ንምእማኑ ዘጸግም ዕድለኛ ኰይኑ ይስምዓኒ። እዚ ኣብ ከም ሞሊ ዝኣመሰሉ ሰባት ዘሕድሮ ጽልዋ ብቃላት ክገልጾ ብዘይክእል መገዲ ምዃኑ ድማ ልበይ ይሰብሮ። ሕጉስቲ’የ፤ ንህይወተይ ብሓቂ እየ ዝፈትዋ። ክህሉ እየ ኢለ ኣብ ዘይሓሰብኩሉ ቦታ’የ ዘለኹ”።
ቴይለር እቲ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ሕጋዊ ስጉምታት ኣበይ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ክርእያ ውፍይቲ እየን።
“ንመውት ከም ዘለና ይፈልጡ እዮም። ኣይግድሶምን እዩ። ካብ ሞትና ገንዘብ’ዮም ዝረኽቡ”።