እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ኣብ ሕርሻታት ብሪጣንያ ፍሩታ ምእራይ ዳርጋ ቤት ማእሰርቲ እዩ” ምስክርነት ስደተኛ
ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ስደተኛ፡ ኣብ ሕርሻታት ደቡባዊ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምእራይ ፍሩታ ምስራሕ "ባርነት እዩ" ክትብል ተዛሪባ።
እታ ሲቢል ምሰዛነ ዝተባሃለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ንኮሚተ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት "ከም ሰብ ኣይንረኣይን ኢና" ክትብል ኣረዲኣ።
ሰራሕተኛታት መዓልታዊ ን18 ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝግደዱን ብሰባት ኣዝየን ኣብ ዝተጨናነቓ ተንቀሳቐስቲ ገዛውቲ [ካራቫን] ክነብሩ ከምዝተገደዱን ብምሕባር፡ ብስሞም ዘይኮነስ ልክዕ ከም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ብቑጽሪ ከምዝጽውዑ ተዛሪባ።
ናብ ሓለፍቲ ጥርዓን እንተኣቕሪቦም ክጥረዙ ምዃኖም ምፍርራሕ ከምዝበጽሖም'ውን ኣብቲ ንኮሚተ ኣትኽልቲ ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ዝሃበቶ መብርሂ ገሊጻ።
እቲ ኮሚቴ ኣብ ሕርሻታት ብሪጣንያ ንዝርከቡ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ዝግበር ኣተሓሕዛ ኣብ ምምርማር እዩ ዘሎ።
ኣንድሬይ ኦክሪመንኮ ዝተባህለ ካዛኪስታናዊ ብወገኑ ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት "ብቕልጣፈ እንተዘይሰሪሕካ፡ ንጽሬት እንተዘየማእኺልካ... 'ቪዛኻ ክንስርዞ ኢና፤ ናብ ሃገርካ ክንመልሰካ ንኽእል ኢና’ ይብሉኻ” ክብል ተዛሪቡ’ሎ።
ንሱ ወሲኹ "ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ነይሩና። ኣብ ኩነታት ስራሕ ጸገም ነይሩና። ክብሪ ኣይወሃበናን፤ ጉልበትና ንብዝበዝ ኔርና" ብምባል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።
ልክዕ ከም ሲቢል ምሰዛነ ንሱ’ውን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገሩ ብዝርከብ ሓደ ወኪል ዝተመልመለ ኮይኑ፡ ቅድሚ ኣብ ደቡባዊ እንግሊዝ ኣብ ዝርከባ ሕርሻታት ፍሩታ ናይ ምእራይ ስራሕ ምእታዉ ናይ ነፋሪትን ቪዛን ባዕሉ ክኸፍል ነይርዎ።
'ሰባት ስራሕ የድልዮም እዩ’
ካብ ጆሃንስበርግ ዝመጸት ምሰዛነ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደ ናይ እንግሊዝ ከባቢያዊ ምምሕዳር ሰራሕተኛ ክንክን ኮይና ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
ኣብዚ ሓድሽ ስርሓ ብኣኽብሮት ከምዝተታሕዘት ከኣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ተዛሪባ። እዚ ዝረኸበቶ ሓድሽ ዕድል ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራሕተኛ ሕርሻ ኮይና ንሱፐርማርኬታት ብሪጣንያ ዝኸውን ስትሮበሪ ኣብ ምልቃምን ምዕሻግን ዝነበራ ስራሕ ፈጺሙ ዝነፃፀር ኣይኮነን።
"ኣብ 2022 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝፀንሓኒ ኩነታት ከምኡ ክኸውን ኣይተጸበኹን። ዘሰንብድ እዩ ነይሩ" ትብል።
"ዳርጋ ማዕረ 2500 ፓውንድ ዝቐርብ ወጻኢታት የውፅእ ነይረ። ኣብቲ እዋን'ቲ ናብ ገዛይ ዝኸደሉ ዕድል ኣይነበረን። ገንዘብ ንምርካብ እየ ኣብዚ ዘለኹ። ስለዚ ትሰርሕ።"
ምስ ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓንቲ ተንቀሳቓሲት ገዛ ተኻርያ ትነብር ነይራ። ኩሎም ድማ ሓንቲ ሻወርን ፍሪጅን ይጥቀሙ።
"ሃገረይ ብዙሕ ቁጠባዊ ፀገማት ኣለዋ። ሰባት ስራሕ የድልዮም እዩ። ስለዚ ንሰባት ብወቕታዊ ቪዛ ሰራሕተኛ ናብዚ ኣይትምጽኡ ፈጺመ ኣይምበልኩን" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ወሲኻ ድማ "ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ሰራሕተኛ ንእትረኽቦ መሰላት ክትሕልወልካ ናብ ዘይትኽእል ሃገር ትመፅእ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ ኣለካ። ስለዚ እዚ በዳሂ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢላ።
'በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴላት'
ካብ ካዛኪስታን ዝመጸ ቫዲም ሳርዶቭ፡ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ሕርሻ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ ብምዃኑ ሓያሎ ሰባት ገዲፎምዎ ክወጹን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑን ከምዝወሰኑ ይዛረብ።
ወቕታዊ ሰራሕተኛታት "በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴላት" ይሓቱ ከምዘየለዉ ነቲ ኮሚተ ዘረደአ ሳርዶቭ፡ "ኣስራሕቲ ግን ግቡእ ኩነታት መነባብሮን ስራሕን ከማልኡ ኣለዎም" ክብል ተማሕፂኑ።
ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ተኸታታሊ ጽሑፋት ዝጸሓፈ ጋዜጠኛ ቢሮ መርማሪ ጋዜጠኝነት ኤሚልያኖ ሜሊኖ፡ ገለ ሰራሕተኛታት ምድሃልን ግህሰትን ከምዝበጽሖም ነቲ ኮሚተ ገሊጹ።
ብዙሓት፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምምጻእ ዝወጽእ ወጻኢታት ንምሽፋን ልቓሕ ከምዝወስዱን ንመዕረፊኦም ኣብ ሰሙን ክሳብ 80 ፓውንድ ዝበጽሕ ክራይ ክኸፍሉ ከምዝግደዱን ብምሕባር ድማ ስርሖም ከይስእኑ ብምስጋእ ብዛዕብኡ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ኣረዲኡ።
እዚ ሕጂ ዘሎ መደብ ቪዛ ወቕታዊ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ 2019 ክጅመር ከሎ፡ ኣብ ዓመት ን 2500 ሰራሕተኛታት ጥራይ ኮታ ነይርዎ። መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ሩስያን ዩክረይንን ዝመጹ እዮም።
ኣብ 2022 ግን ብሰንኪ ኣብ ኢንዱስትሪ ሕርሻ ዝተፈጠረ ፀቕጢ ናብ 38 ሽሕ ዓብዩ።
እቲ መደብ ክሳብ 2024 ዝቕጽል ኮይኑ፡ መንግስቲ ንውሑዳት ብ "ስኪም ኦፕሬተራት" ዝፍለጣ ናይ ምልመላ ኩባንያታት ጥራይ እዩ ወቕታዊ ቪዛ ሰራሕተኛታት ከዳልዋ ፍቓድ ሂቡ።
ሓረስቶት ብመንገዲ እተን ኩባንያታት ኣቢሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክቖጽሩ ይግደዱ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ንምቑጻር እውን ይጽዕሩ ከምዘለዉ ከርእዩ ኣለዎም።
እተን ‘ስኪም ኦፕሬተራት’ ንውሕስና ሰራሕተኛታት ናይ ምክትታልን ዓስቢ ዋጋ ከም ዝረኽቡ ናይ ምርግጋፅን ሓላፍነት ኣለወን።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ኮሚተ፡ ማይክ ኔዊ ዝተብሃለ ሓረስታይ እቲ ምስ ወቕታዊ ስራሕ ምልቃም ፍሩታ ተታሓሒዙ ዝለዓል ጉዳይ ምንኣስ ክፍሊትን ሕማቕ መንበሪን "ጽውጽዋይ" ክብል ገሊፅዎ ነይሩ።
"እቶም ወቕታዊ ሰራሕተኛታትና ብውሑዱ 10.42 ፓውንድ እዮም ዝኽፈሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብቑንጣሮ ስራሕ ኣብ ሰዓት ካብ 15 ክሳብ 20 ፓውንድ ይረኽቡ። ጽቡቕ ደሞዝ'ዩ። ኣብቲ ሕርሻ ድጎማ ዝግበረሉ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎም" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ "ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት እግሪ ክተኽሉ ብምግባርና ክንሕበን’ዩ ዝግባኣና። ነዚ ኢና ንገብር ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።