ዓበይቲ ትካላት ዓለም ንስደተኛታት ስራሕ ከምዝቘጽራ ኣፍሊጠን

ኣማዞን፡ ሂልተንን ፔፕሲን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ስራሕ ክቘጽራ ቃል ኣትየን።

ኣብ ኦንላይን ዕዳጋ ዝነጥፍ ትካል ኣማዞን ብሰንኪ ኲናትን ካልእ ጸገማትን ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣብ ዝገብሮ ንጥፈታት፡ 5 ሽሕ ዩክሬናውያንን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታትን ከምዝቘጽር ኣፍሊጡ’ሎ።

ልዕሊ 40 ዓበይቲ ኩባንያታት ኣውሮጳ ን250 ሽሕ ዩክሬናውያንን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታትን ዕድል ስራሕ ክህባ ምዃነን ገሊፀን ኣለዋ።

ከም ጨንፈራት ሂልተን ሆቴል፡ ‘ኣዴኮ’ [ዓቢይ ትካል ኣቕራቢ ሓይሊ ሰብ]ን ማይክሮሶፍትን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ትካላት ካብቶም ናይ ስራሕ ዕድል ወይ ሞያዊ ደገፍ ክህቡ ቃል ዝኣተዉ እዮም።

ኣብ ዓለም ቍጽሪ ካብ ሃገራቶም ዝስደቱ ሰባት ብዝለዓለ መጠን ዝወሰኸ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ቍጽሪ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ሰባት 110 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።

ብዙሓት ስደተኛታት ስራሕ ንምርካብ ከም ዝጽገሙ ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ማርጋሪቲስ ሺናስ ይዛረብ።

"እዚ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝርከባ ኩባንያታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደገፍ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዩክሬናውያን ናብርኦም ክመርሑን ኣብ ዩክሬን ንዝተረፉ ዝፈትውዎም ሰባት ክድግፉን ዘኽእሎም'ዩ" ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራር ስዒቡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝኸዱ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ልዕሊ 5.9 ሚልዮን በፂሑ ኣሎ። ካብዚኦም እቶም 1.3 ሚልዮን ኣብ ሩስያን ቤላሩስን ይርከቡ።

ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ድማ ኣብ ከም በዓል ሶርያ፣ ሱዳንን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ ዝካየድ ውግእ ህይወቶም ንምድሓን ስደት መሪጾም ኣለዉ።

እቶም ስደተኛታት ስራሕ ንኽረኽቡ ዘኽእል ጻዕርታት የወሃህድ ዘሎ ትካል ‘ቴንት ፓርትነርሺፕ ፎር ረፊዩጂ’ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝርከቡ ዩክሬናውያን ስደተኛታት እተን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ዝሕብር እቲ ትካል ስራሕ ኣብ ምርካብ ዝተፈላለየ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጥመን ይጠቅስ።

ካብቶም ዘጋጥምወን ብድሆታት እቶም ቀንዲ ድማ ቋንቋ ናይታ ዝተሰደዳላ ሃገር ክዛረባ ዘይምኽኣለንን ቆልዑ ምእላይን እዮም።

ብተበግሶ እዚ ትካል ከኣ ኣማዞን፣ ሂልተንን ማሪዮትን ሓዊሱ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት 13,680 ዩክሬናውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ክቖጽራ ቃል ኣትየን ኣለዋ።

ከም ‘ኣዴኮ’ [ዓብዪ ትካል ኣቕራቢ ሓይሊ ሰብ] ዝኣመሰላ ናይ ስራሕ ትካላት እውን ን150 ሽሕ ስደተኛታት ስራሕ ኣብ ምርካብ ከም ዝሕግዛ ተፈሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ ከም ‘ኣክሰንቸር’ ን ማይክሮሶፍትን ዝኣመሰላ ትካላት ንልዕሊ 86 ሽሕ ስደተኛታት ብስልጠና ክሕግዛ ድልዋት ምዃነን ይሕብራ።