ድየጐ ጋርስያ፡ ንብዙሓት ስደተኛታት ‘ገሃነም’ ዝዀነት ደሴት

ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ሓደጋ ካብ ዝነበረት ጃልባ ድሕሪ ምድሓኖም ንኣዋርሕ ኣብ ንእሽቶ ብሪጣንያዊት ደሴት ተዓጊቶም ኣለው።

ናብ ውሑስ ቦታ ክሰጋገሩ ዝነበሮም ተስፋ ዝማህመነ እቶም ስደተኛታት፡ ነቲ ዝርከቡሉ ኵነታት ገሃነም ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ። ሕጋዊ ኵነት እታ ደሴት ግን ኣብ ፍርሒን ተስፋ ምቝራጽን ክነብሩ ደሪኽዎ ኣሎ።

ኵሉ ስማት እቶም ስደተኛታት ተቐዪሩ እዩ

ኣብ ለካቲት 2021 ሓደ ወጋሕታ፡ ሓንቲ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ከባቢ ደሴት ድየጐ ጋርስያ ተራእያ።

እታ ጃልባ ኣቓልቦ ሰብ መዚ እታ ደሴት ንኽትስሕብ ግዜ ኣይወሰደትን። እታ ካብ ካልእ ሰብ ዝነብረሉ ከባቢ ኣማኢት ኪሎሜተራት ርሒቓ እትርከብ ደሴት፡ ሕቡእ ወተሃደራዊ መደበር ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝርከበላ ኰይና ብዘይፍቓድ ምብጽሓ ክልኩል እዩ።

እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 89 ሰባት ስሪላንካውያን ታሚል ኰይኖም ኣብ ሃገሮም ካብ ዝወረዶም ግፍዒ ዝሃደሙ ምዃኖምን ዕላማኦም ናብታ ደሴት ከምዘይነበረን ተፈሊጡ።

ውጥኖም ኣብ ካናዳ ዑቕባ ንምሕታት ምዃኑን፡ ብሰንኪ ምብልሻው ሞተር እታ ጃልባን ማዕበልን ካብ መስመሮም ከምዝወጹ ዘረድእ ካርታ፡ ሰነዳትን ሓበሬታ ጂፒኤስን ኣብታ ጃልባ ተረኺቡ።

እታ ጃልባ ሽግር ምስ ኣጋጠማ፡ ኣብ ቀረባኦም ዝርከብ ውሑስ ስፍራ ከናድዩ ከምዝጀመሩ ሓደ ካብኣቶም ይገልጽ፡ “ንእሽቶ ብርሃን ምስ ርኣና፡ ናብ ድየጐ ጋርስያ ገጽና ኣቢልና፡” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ወተሃደራዊት መርከብ ብሪጣንያ ነታ ጃልባ ናብ ገምገም ባሕሪ ክተሰንያ እንከላ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ከምዝኣቱ ተጌሩ።

እዚ ቅድሚ 20 ኣዋርሕ እዩ። ኣብ መንጐ ኣብታ ደሴት ዘለው ሰብመዚን ለንደንን ዝተገብረ ርከብ እቶም ስደተኛታት ንምንታይ ክሳዕ ሕጂ ኣብኡ ከምዘለው ንምግማት ዘኽእል እዩ።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት ብሰንኪ እቲ ዝርከቡሉ ጽንኩር ኵነታት፡ ርእሰ ቅትለት ክፍጽሙ ፈቲኖም ኣለው።

እቶም ስደተኛታት ናብታ ደሴት ምስበጽሑ፡ ቢቢሲ ብመገዲ ጠበቓኦም ዝረኸቦ ሓበሬታ ዘነጽሮ ሓደ ነገር፡ እቶም ሰብ መዚ በቲ “ዘይተጸበይዎ ክስተት” እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ሓርቢትዎም ምንባሩ እዩ።

ገለ ካብቲ ዝቐደመ መልእኽትታት ብዛዕባ ውጥናት “ምጽጋን እቲ ሞተር” ክነግር እንከሎ እቲ ጕጅለ ኣብ ድየጐ ጋርስያ ሕቶ ዑቕባ ከልዕል ከምዝኽእል እውን ይዛረብ።

ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልቲ እቲ ግምት ክውን ኰይኑ።

እቶም ታሚል፡ ኣብ ሃገሮም ካብ ዝወረዶም ግፍዒ ዝሃደሙ ምዃኖም፡ ቅድሚ 18 መዓልቲ ካብ ታሚል ናዱ ህንዲ ከምዝተበገሱ ዝገልጽ ደብዳበ ኣብታ ደሴት ንዝርከብ ኣዛዚ ሓይልታት ብሪጣንያ ከረክቡ እንከለው፡ ድልየቶም “ናብ ውሑስ ሃገር ክለኣኹ ምዃኑ” ገለጹ።

ብዙሓት ካብኣቶም ምስቲ ኣብ ስሪላንካ ዝንቀሳቐስ ዝነበረን ኣብ 2009 ብኲናት ሓድሕድ ዝተስዓረን ዕጡቕ ጕጅለ ታሚል ታይገር ምትእስሳር ከምዝነበሮምን ብሰንኩ ከምዝተሳጐጕ ገሊጾም። ገሊኦም ግዳያት ምስቓይ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ምዃኖም’ውን ይዛረቡ።

ኣብ ለንደን ብዳይሬክተር ግዝኣታት ስግር ባሕሪ ብሪጣንያ ፖል ካንድለር ዝጸደቐ ወግዓዊ፡ “መዘክር ሓበሬታ”፡ እቲ “ዘይወግዓዊ ምምጻእ” እቲ ጕጅለ ኣብታ ደሴት ዝቐረበ ፈላሚ ሕቶ ዑቕባ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፡ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሕቶ እንተኣቕሪበን፡ እቲ ወግዓዊ ምላሽ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ “ብዛዕባ እቲ ፍጻም ሓበሬታ በጺሕዎ ኣሎ፤ ብቕልጡፍ ንምፍትሑ ከኣ ይሰርሕ ኣሎ፡” ዝብል ከምዝኸውን ይገልጽ።

እቲ ጕጅለ “ኣብዚ እዋን ምስ ካልእ ዓለም ዝራኸበሉ መገዲ የለን . . . [ግን] ምስ ግዜ እቲ ዜና ክጋዋሕ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ፡” ክብል ከኣ ይውስኽ።

ኣብ ዝሰዓቡ ኣዋርሕ ካብ ናብን ለንደን ምልውዋጥ መልእኽቲ እናቐጸለ እንከሎ ካልኦት ጀላቡ ናብ ድየጐ ጋርስያ በጽሓ። ኣብ ሓደ እዋን ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር ናብ 150 ምብጽሑ ጠበቓታት ይግምቱ።

ሓንቲ ካብቶም ስደተኛታት ዝዀነት ላክሻኒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ፈለማ፡ መግቢ ብምርካበይን ካብ ስቓይ ምድሓነይን ሕጕስቲ ኔረ” ኢላ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኵነታቶም ናብ “ገሃነም ምቕያሩ” ትዛረብ።

ኣብ ለካቲት ዝሓለፈ ዓመት ምስኣ ብሓደ ጃልባ ዝመጸን ኣብ ሓንቲ ቴንዳ ብዝነብርን ሰብኣይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሓ’ውን ሓቢራ።

“ከእዊ ጀሚረ፡ ክረድኣኒ ዝመጸ ግን ኣይነበረን፡” ኢላ።

ጥርዓና ብወግዒ እንተቕረበት’ውን፡ ክዳውንታ ስለዝሓጸበቶ መርትዖ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ከምዝተነገራ ተዛሪባ።

ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ጥርዓና ምላሽ ክሳዕ ዝረክብ ንሓደ ሰሙን ምስቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመላ ሰብ ኣብ ሓንቲ ቴንዳ ትነብር ምንባራ ከኣ ገሊጻ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኮነ ምምሕዳር ብሪጣንያዊ ግዝኣት ህንዳዊ ውቅያኖስ - BIOT (ወግዓዊ መጸውዒ ስም እታ ደሴት) ብዛዕባ እዚ ክስታት ምላሽ ክህቡ ንዝቐረበሎም ጠለብ ኣይመለሱን።

ላክሻኒን ካልኦትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ እቲ ዝርከቡሉ ኵነታት፡ በሊሕ ነገራት ብምውሓጥን ካልእን ካብ መንጐኦም ርእሰ ቅትለት ዝፈተኑ ሰባት ምህላዎም ተዛሪቦም።

ጠበቓታት፡ ኣብቲ መዓስከር ብውሕዱ 12 ፈተነታት ቅትለትን ክልተ ጾታዊ ዓመጽን ከምዝተፈጸመ ይሕብሩ።

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ዝዀነ ቪቱሳን፡ “ህይወት የብልናን፤ ከም ምውት ሰብ ዝነብር ዘለኹ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡” ክብል እንከሎ ካልእ ኣድሃቫን ዝተባሃለ ስደተኛ ብወገኑ፡ “ኣብ ጋብያ ከም ዝተዳጐነ እንስሳ ንሓዋሩ ክነብር ኣይደልን፡” ኢሉ።

ላክሻኒ ነቲ ርእሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝደረኻ ምኽንያት ክተረድእ ከላ፡ ሓደ ኣባል እቲ መዓስከር ናብቲ ኣብ 2021 ብወተሃደራት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን ምስቓይን ዝዀነትሉ ስሪላንካ ክትምለስ ምዃና ምስ ነገራ ምዃኑ ትገልጽ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኮነ ነቲ መዓስከር ስደተኛታት ንምሕላው ዝተቘጸረ ብሕታዊ ኩባንያ ጸጥታ G4S ብዛዕባ እዚ ክሲ ክምልሱ'ኳ እንተተሓተቱ ምላሽ ኣይሃቡን።

G4S ኣባላቱ ኣብታ ደሴት ንዝርከቡ ስደተኛታት “ወትሩ ብኽብሪ” ከምዝሕዙ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣፈኛ መንግስቲ ብሪጣንያ ብወገኑ “ድሕነት” እቶም ኣብ BIOT ዝርከቡ ስደተኛታት “ልዑል ኣቓልቦ” ዝወሃቦን “ኵሉ ክስታት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ብዕቱብ ከምዝርአን ብምልኣት ከምዝምርመርን” ኣፍሊጡ።

ወሲኹ’ውን ምምሕዳር BIOT “ሰፊሕ ሕክምናዊ ሓገዛት” ይገብረሎም ምንባሩ ሓቢሩ።

ኣብታ ደሴት፡ ቈልዑ’ውን ዝተሳተፍሉ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምንባሩ’ውን ጠበቓታት ይገልጹ።

ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ዝተገብረ ኣድማ፡ ኮምሽነር እታ ደሴት ንቴለፎናት እቶም ስደተኛታት ክህግር እንከሎ፡ “ሓላፍነት ከምዝወስዱ ዝገልጽ ሰነድ ንምፍራም ፍቓደኛታት ክሳዕ ዝዀኑ” ነቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ደው ከምዘበሎ ጠበቓታት የረድኡ።

ምምሕዳር BIOT ናብ ቤትፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ፡ ንሓደ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ በሊሕ ነገራት ካብቲ መዓስከር ከምዝተኣለየን ኣብ ኣካላቶም ጉድኣት ከየብጽሑ ንምክልኻል ካልእ ስጕምትታት ከምዝተወሰዱ ብምግላጽ ነዚ ክስታት ነጺጉ።

ኵላቶም ግን፡ ወተሃደራዊ መደበር ድየጐ ጋርስያ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝተዳለወ ከምዘይኰነ ይሰማምዑ።

ብሪጣንያ ኣብ 1965 ነቲ ድየጐ ጋርስያ እትርከቦም ደሴታት ቻጐስ፡ ኣብቲ እዋን ግዝኣታ ካብ ዝነበረት ሞሪሽየስ እያ ወሲዳታ። ነቶም ኣስታት 1000 ዝዀኑ ነበርቲ ብምስጓግ ከኣ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ቀዪራታ።

ኣብ 1968 ካብ ብሪጣንያ ናጽነታ ዝረኸበት ሞሪሸስ እተን ደሴታት ግዝኣታ ምዃነን ክትምጕት እንከላ ዝለዓለ ቤትፍርዲ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያዊ ምሕደራ እታ ደሴት “ዘይሕጋዊ” ምዃኑ ብምግላጽ ከብቅዕ ከምዘለዎ ወሲኑ።

ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝርርብ ንምጅማር ፍቓደኛ ክሳዕ ዝዀነትሉ እዋን፡ ነተን ደሴታት ብዝምልከት ዝርርብ ንምጅማር ንዝቐርበላ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክትቃወሞ እያ ጸኒሓ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ደብዳብ ንምፍጻም ካብታ ደሴት ክብገሳ ጸኒሐን እየን። ብዘይካ’ዚ ኣሃዱ ስለያ ኣሜሪካ - ሲኣይኤ- ነቶም ብግብረሽበራ ዝጠርጠሮም ሰባት ንምምርማር ዝጥቀመሉ “ጸሊም ቦታ” ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ለንደን ዝቐረበ ሰነዳት ቤትፍርዲ፡ ኣብ እዋን ኮቪድ፡ እቲ ሕማም ንዝተርኣዮም ኣባላት እቲ መደበር ንምውሻብ ዝተዳለወ ቴንዳታት ነቶም ስደተኛታት ንምጽላል የገልግል ከምዘሎ የረድእ።

እቲ መዓስከር ብሓጹር ዝተኸበ ኰይኑ ኣብ ውሽጡ ሕክምናዊ መሳለጥያን ቤትመግቢን ኣለዎ።

እቶም ስደተኛታት ካብኡ ክወጹ እንተዀይኖም ብሓለዋ G4S ክስነዩ የድልዮም።

መባእታዊ ትምህርቲ’ውን ክረኸቡ ዝጀመሩ ቅድሚ ዓመት ምዃኑ ዝገልጹ እቶም ጠበቓታት፡ ብሰንኪ ምርባሕ ኣናጹ ኣብ ገለ እዋን እቲ ትምህርቲ ኣብ ደገ ክገብርዎ ከምዝተገደዱ ይጠቕሱ።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት፡ በቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተስፋ ብምቝራጽ ናብ ዓዶም ተመሊሶም እዮም። ካልኦት ከኣ ናብታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝዀነት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት ሪዩንየን ኣምሪሖም። ኣብኡ ዑቕባ ክረኽቡ ከምዝትስፈው እቶም ጠበቓታት ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን ከባቢ 60 ዝዀኑ ታሚል ብዛዕባ መጻኢኦም ንዝወሃብ ውሳነ እናተጸበዩ ኣብታ ደሴት ኣለው።

ብሪጣንያ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት'ኳ እንተፈረመት፡ እታ ደሴት ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፡ “ካብ ብሪጣንያ ዝተፈለየት” ምዃና ብምግላጽ እዚ ንBIOT ከምዘይምልከት ሰነዳት ቤትፍርዲ ይሕብሩ።

እቶም ሰባት ናብ ስሪላንካ ድዮም ክምለሱ ወላስ ናብ “ሳልሰይቲ ውሑስ ሃገር” ክለኣኹ ንምውሳን ግን፡ ዝኾነ ሰብ ናብቲ ግዳይ ምስቓይን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ዝዀነሉ ሃገር ክምለስ የብሉን ብዝብል ዝተፈለየ ሓሳብ፡ ካልእ መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ድየጐ ጋርስያ ኵነታት ጥዕና “የንቆልቁል ምህላው” ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዘተሓሳሰቦ ክሕብር እንከሎ፡ ናብቲ ስፍራ ንምብጻሕ ካብ ሰብ መዚ ብሪጣንያ ፍቓድ ምሕታቱን ዛጊት ከምዘይተዋሃቦን ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ካብቶም ኣብ ድየጐ ጋርስያ ዝበጽሑ ታሚል ኣብ ገዛእ ርእሶም ጉድኣት ንምብጻሕ ድሕሪ ምፍታኖም ናብ ሩዋንዳ ተላኢኾም ሕክምናዊ ሓገዛት ይግበረሎም ኣሎ።

እቲ ንኣታቶም ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምልኣኽ ግን ኣካል እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣይኰነን።

ኣብ ግንቦት ንሓደ ካብኣቶም ኣብ ዝተልኣኸ ደብዳበ፡ ምምሕዳር BIOT፡ ኣብ ርዋንዳ ሕክምናኦም ክሳዕ ዝውድኡ፡ ብሕታዊ መጽለሊ ክረኽበሎምን ክኸፍለሎምን ምዃኑ ይገልጽ።

“በዚ ሕጕስ እንተዘይኴንካ . . . ናብ ድየጐ ጋርስያ ትምለሰሉ መገዲ ክነመቻችእ ንኽእል ኢና። ካልእ ኣማራጺ ግን ኣብዚ እዋን የለን፡” ይብል።

ኣርባዕተ ካብቶም ሓተትቲ ዑቕባ ናብ “ሳልሳይ ውሑስ ሃገር” ክለኣኹ ዝብል ጥርዓኖም ጸዲቑ ኣሎ። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ንሓደ ካብኣቶም ዝተልኣኸ ቢቢሲ ዝረኣዮ ደብዳበ “ነዚ ብቕልጡፍ ንምፍጻም ኵሉ ጻዕርታት ክግበር እዩ፡” ይብል።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብዚ ሰሙን ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ፍሉይ መግለጺ “ንህልው ኩነታት [እቶም ስደተኛታት] ነባሪ መፍትሒ ንምርካብ ምስ ምምሕዳር BIOT ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ” ገሊጹ።

ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ምጽባይ፡ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኵላቶም “ተስፋ ከምዝቘረጹ” ተዛሪቡ።