ሽልማት ግራሚ 2025፡ ቢዮንሰ ብሃገረሰባዊ ኣልበም ተዓዊታ፣ ሌዲ ጋጋ ፖለቲካዊ ዘረባ ኣስሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስነስርዓት ሽልማት መበል 67 ግራሚ፡ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ይካየድ ኣሎ፤ ኣብዚ ልዕሊ 94 ሽልማታት ክወሃቡ'ዮም።
ኣብዚ ዓመት፡ ህብብቲ ስነ-ጥበባዊት ቢዮንሰ፡ ብብሉጽ ሃገረሰባዊ ኣልበም [country album] - ካውቦይ ካርተር - ነቲ ሽልማት ተዓዊታትሉ።
ነቲ ሽልማት ወግዓዊት ዝገበረቶ - ብተመሳሳሊ ዓውዲ መነሓንሕቲ ቢዮንሰ ኰይና ተሓጽያ ዝነበረት- ተይለር ስዊፍት እያ።
"ዋው! ብሓቂ እዚ ኣይተጸበኹዎን፡" ዝበለት እታ ኮኸብ፡ ንዅሎም ነቲ ሽልማት ዘድመጹ "ስነ-ጥበባውያን ሃገረሰባዊ ሙዚቃ" ኣመስጊና።
ቢዮንሰ፡ ኣብዚ ዓመት ካብታ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ግዜ ብሉጽ ኣልበም እዚ ዓመት ዝተዓወተት ተይለይ ስዊፍት ሓያል ንሕንሕ ከም ዝገጥማ ተገሚቱ ነይሩ።
ተይለር፡ እቲ ኣብ ዓለም እናዘረት ተላልዮ ዝነበረት 'ዘ ቶርቸርድ ፓየትስ ዲፓርትመንት' ዝተሰምየ ኣልበማ ብብሉጽ ኣልበም እዚ ዓመት ንሽልማት ግራሚ ተሓጽዩ ነይሩ።
ቢዮንሰ፡ ኣብ መስከረም 2024 ዓ.ም፡ ካብ ሽልማታት ሃገረሰባዊ ሙዚቃ [Country Music Awards] ከይተኻተተት ድሕሪ ምትራፋ እያ ንግራሚ እዚ ዓመት ተዓዊታትሉ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢዮንሰ 'Texas Hold 'Em' ብዝብል ስርሓ ኣብቲ ሽልማት ኣፍልጦ ክትረክብ እያ ዝብል ልዑል ትጽቢት ነይሩ።
ኣድነቕታ ድማ 'ካውቦይ ካርተር' ብዝብል ስርሓ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ብሉጽ ኣልቡም ናይዚ ዓመት ክትሕጸ እትኽእል ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን ከም እትኽእል ግምታት ነይሩዎም።
ኣብ ክንድኡ፡ ዓሌታዊ ቃል ብምጥቃሙ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ሞርጋን ዋለን ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ብብዙሕ መዳያት ነቲ ሽልማት ተሓጽይሉ። እቲ ስነ-ጥበባዊ ድሕሪኡ ይቕሬታ ሓቲቱ'ዩ።
ቢዮንሰ፡ 'ቴክሳስ ሆልድ'ም (Texas Hold 'Em) ዝተሰመየ ስራሓ ብሉጽ ናይዚ ዓመት ሙዚቃ ብዝብል ዓውዲ ንሽልማት ግራሚ ተሓጽዩ እዩ።
ኣብዚ ዓውዲ፡ ካብ ሳብሪና ካርፐንተር፡ ኬንድሪክ ላማርን ቻፔል ሮንን ንሕንሕ ገጢሙዋ እዩ።
ኣብዚ ምድብ፡ 'ናው ኤንድ ዘን' ብዝብል ኣልበሞም ናይዚ ዓመት ብሉጽ ኣልበም ዝተሓጸዩ ዘ ቢልትስ'ውን ተሓርዮም እዮም።
እታ ደርፊ፡ ኣብቲ 94 ሽልማታት ዝብርከተሉ ስነ-ስርዓት ፕረምየር" ብልጽቲ ምርኢት ሮክ ተዓዊታ እያ።
ፍልጥቲ ኣመሪካዊት ድምጻዊት ቢዮንሰ፡ ኣብ ታሪኽ ሽልማት ግራሚ ንመበል 99 ግዜ ሕጽይቲ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዛ እያ።
ቢዮንሰ ብ11 ዓውዲታት ሕጽይቲ ኰይና ከም ዝቐረበት ይፍለጥ፤ ናይቲ ዓውዲ ዝዓበየ ሽልማት'ዩ ዝበሃል 'ብሉጽ ኣልበም እዚ ዓመት' ግን ክሳብ ሕጂ ከይተዓወተትሉ ጸኒሓ።
ኣብ ታሪኽ ግራሚ ዝነገሰት ቢዮንሰ
ቢዮንሰ፡ ንሽልማት ግራሚ 2025 ዝበዝሐ ዝተሓጽየት ስነ-ጥበባዊት - ብድምር 11 - እያ።
ንሳ፡ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጥበባዉያን ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ 32 ሽልማታት ግራሚ ሒዛ ጸኒሓ።
እቲ ዝዓበየ ሽልማት እዚ መድረኽ ዝዀነ 'ብሉጽ ኣልቡም እዚ ዓመት' ግን ክሳብ ሕጂ ከይተዓወተትሉ እያ ጸኒሓ።
ነዚ ምድብ፡ ሓሙሽተ ግዜ ተወዳዲራትሉ።እቲ ምድብ ግን ብማዕረ ብቢሊ ኣይሊሽን ኣርባዕተ ግዜ ዝተዓወተትሉ ተይለር ስዊፍትን ተወዳዲረናሉ እየን።
ብሪጣንያዊ ኮኾብ ፖፕ ቻርሊ ኤክስ ሲኤክስ እውን 'ብራት' ብዝብል ኣልበም - ብሉጽ ሳዕስዒት/ፖፕ ኣልበም ሓዊሱ ሰለስተ ዋንጫታት ተዓዊቱ - ኣብቲ ውድድር ኣትዩ ነይሩ።
ሳብሪና ካርፐንተር ካልእ ሓያል ተወዳዳሪት ኰይና፡ ሾርት 'ኤን' ስዊት [Short 'n' Sweet] ብሉጽ ድምጻዊ ኣልበም ፖፕ ከምኡ'ውን ብሉጽ ብሕታዊ ምርኢት ፖፕ ተዓዊታ።
ቻፐል ሮኣን፡ ብብልጽቲ ሓዳስ ስነ-ጥበባዊት ተዓዊታ።ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ድማ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ማዕረ ክፍሊት ክህሉ ሓቲታ።
"ግራሚ እንተተዓዊተ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብ ሙዚቃ ኣዝዮም ሓያላት ዝዀኑ ሰባት ደዉ ክብል እንተኽኢለ፡ ኣሕተምቲ ትካላትን እቲ ካብ ስነጥበባውያን ሚልዮናት ዶላር ዝረብሕ ኢንዱስትሪን፡ እዅል ደሞዝ ክኸፍሉን ንክንክን ጥዕና ክሽፍኑን ክሓትት እየ ክብል ንነብሰይ ቃል ኣትየላ ነይረ፡" ኢላ።
ፖለቲካዊ መደረ ሌዲ ጋጋ
ንነዊሕ እዋን ምስ ድሬክ ሓያል ንሕንሕ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ዝጸንሖ ራፐር 'ኮምፕተን' ኬንድሪክ ላማር 'ኖት ላይክ ኣስ' ብዝብል ደርፊ ብሉጽ ኣልበም እዚ ዓመት ተዓዊቱ።
እዚኣ፡ ድሕሪ እታ ኣብ 2019 ቻይልዲሽ ጋምቢኖ 'This Is America' ብዝብል ዝወሰዶ ሽልማት፡ ነዚ ሽልማት ዝተዓወተት ካልኣይቲ ደርፊ ሂፕ-ሆፕ እያ።
"እዚ ሽልማት ነዛ ከተማ ከነወፍዮ ኢና፡" ኢሉ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንግስቲ ብዙሕነት፡ ፍትሓውነትን ሓቛፍነትን ብምእጋድ ኣብ ልዕሊ መሰላት ልውጠ-ጾታ [ትራንስጀንደር] ዘሕለፎ ውሳነ ኣመልኪቱ፡ ሌዲ ጋጋ ኣብቲ መድረኽ ሽልማት ሓንቲ ካብተን ንማሕበረሰብ ሕደ-ጾታውያን [ኤልጂቢቲኪዩ+] ደው ዝበሉ ብዙሓት ስነጥበባውያን እያ ነይራ።
"ሎሚ ምሸት ትራንስ ሰባት ዘይርኣዩ ኣይኰኑን ክብል'የ ዝደሊ" ክትብል ኣብቲ ምስ ቡርኖ ማርስ ብምዃን ብብሉጽ ፖፕ ጕጅለ ምርኢት ዝተዓወተትሉ ሽልማት ክትቅበል እንከላ ተዛሪባ።
"ትራንስ ሰባት ፍቕሪ ይግብኦም፡ ማሕበረሰብ ኲየር ሓፍ ክብል ይግብኦ፣ ሙዚቃ ፍቕሪ እዩ፣ የቐንየልና።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ቀንዲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ክሪፕቶ ዶት ኮም ዝካየድ ስነ-ስርዓት፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ከተማ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ንዝተሃስዩ ሰባት ሓገዝ ንምትእኽኻብ ልዑል ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።
እቲ ምርኢት ብፍሉይ ምርኢት ኣባይቶም በቲ ሓዊ ዝዓነወ 'ባንድ ዳውስ' ክኽፈት እንከሎ፡'I Love LA' ዝተሰምየት ክላሲካል ሙዚቃ ራንዲ ኒውማን ተጻዊቶም።
ድሒሩ፡ ሌዲ ጋጋን ብሩኖ ማርስን፡ ነቶም ነቲ ባርዕ ንምምካት ምላሽ ዝሃቡ ቀዳሞት ሰራሕተኛታት ዝተወፈየት ቅዳሕ 'ካሊፎርንያ ድሪሚን' ኣቕሪቦም።
ነቲ መደብ ዘአንግድ ዘሎ ኮሜድያን ትሬቨር ኖህ፡ "ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ጥራይ፡ እዚ መደብ ከም ዝሳለጥ ርግጸኛታት ኣይነበርናን፡" ክብል ተዛሪቡ።
"ሳላ ጀግንነታዊ ጻዕሪታት እቶም መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ባርዕ ተገቲኡ፤ ምስቲ ኵሉ ዕንወት፡ መንፈስ እታ ከተማ ተለዓዒሉ፡" ኢሉ።
ኣባላት ጕጅለ ምጥፋእ ሓዊ ሎስ ኣንጀለስ ናብ መድረኽ እቲ ሽልማት ተዓዲሞም ምስ ዓበይቲ ኮኾባት ሙዚቃ ክራኸቡን ክስኣሉን ተራእዮም።
'Birds Of A Feather' ብዝብል ስርሓ ኣብ ሽልማት ግራሚ ዝተሓጸየት ተወላዲት ሎስ ኣንጀለስ ቢሊ ኣይልሽ፡ እውን ነታ ደርፊ ኣብቲ መድረኽ ተጻዊታታ።
ትሬቨር ኖህ፡ ናይ ሽልማት መደረኦም ልዕሊ ሓደ ደቒቕን ፈረቓን ዝወሰደ ተዓወትቲ፡ ብነፍሲ ወከፍ ካልኢት 1000 ዶላር ከወፍዩ ኣለዎም ክብል ተዋዝዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







