ስነ-ጥበብ፡ 99 ግዜ ንሽልማት ግራሚ ብምሕራይ ክብረወሰን ዝሓዘት ቢዮንሴ

ቢዮንሴ ብ11 ዓውዲታት ተሓጽያ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፍልጥቲ ኣመሪካዊት ድምጻዊት ቢዮንሴ፡ ኣብ ታሪኽ ሽልማት ግራሚ ንመበል 99 ግዜ ሕጽይቲ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዛ።

ሕጹያት ሽልማት ግራሚ 2025 ትማሊ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡ ቢዮንሴ ብ11 ዓውዲታት ሕጽይቲ ኰይና ቀሪባ ኣላ።

ንዓኣ ስዒቦም ብሸውዓተ ዓውዲታት ሕጹያት ኰይኖም ዝቐረቡ ኬንድሪክ ላማር፡ ቻርሊ ኤክሲኤክስን ቢሊ ኣይሊሽን እዮም።

ቢዮንሲ ሕጂ ካብ ዝዀነ ስነ-ጥበባዊ ንላዕሊ ኣብ ግራሚ ንመበል 99 ግዜ ሕጽይቲ ብምዃን ክብረወሰን ክትሕዝ እንከላ፡ ናይቲ ዓውዲ ዝዓበየ ሽልማት’ዩ ዝብሃል ‘ብሉጽ ኣልበም እዚ ዓመት’ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተትሉን።

ተዓወትቲ መበል 67 ሽልማት ግራሚ 2 ለካቲት 2025 ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ክፍለጡ እዮም።

ኣብዚ ብ11 ዓውዲታት ሕጽይቲ ዝዀነት ቢዮንሴ፡ ንበዓል ቤታ ጄይዚ በሊጻቶ ትርከብ።

እዞም መጻምዲ ቅድሚ ሕጂ 88 ግዜ ነዚ ሽልማት ክሕጸዩ እንከለው፡ ሕጂ ቢዮንሴ ካውቦይ ካርተር (Cowboy Carter) ብዝተባህለ ኣልበም ብ11 ዓውዲታት ክትሕጸ ብምኽኣላ ንበዓል ቤታ በሊጻቶ።

ንሳ፡ ብብሉጽ ኣልበም፡ ብሉጽ ናይ ሃገረሰብ ሙዚቃ፡ ከምኡ’ውን ‘ቴክሳስ ሆልድ’ም(Texas Hold 'Em) ብዝተሰመየ ስራሓ ብሉጽ ናይዚ ዓመት ሙዚቃ ብዝብሉ ዓውዲታት እያ ተሓርያ ዘላ።

ዘ ቢልትስ’ውን ‘ናው ኤንድ ዘን’ ብዝብል ኣልበሞም ብዓውቲ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ኣልበም ተሓርዮም ኣለው።

እዚ ኣልበም፡ ኣባል እቲ ጕጅለ ሙዚቃ ጆን ሌነን ብህይወት እንከሎ ዘይወድኦ ሓደ ሙዚቃ ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ ወዲኦም ከም ዘካተትሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ቢዮንሴ፡ ሽልማት ግራሚ ብውልቃ 32 ግዜ፡ ምስ ዴስትኒስ ቻይልድ ብሓባር ብምዃን ድማ ሰለስተ ግዜ ብምዕዋት ዝለዓለት ተሸላሚት ግራሚ ኰይና እያ።

ብ2024 ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ግራሚ፡ ቢዮንሴ ብብሉጽ ኣልበም ዘይምዕዋታ ከም ዝሓዘነ ዝገለጸ በዓል ቤታ ጄይዚ፡ “ካብ ዝዀነ ንላዕሊ ሽልማታት ግራሚ ወሲዳ’ያ፤ ግን ድማ ብሉጽ ኣልበም ብዝብል ኣይተዓወተትን። እዚ ግን ልክዕ ኣይኰነን፤ ዝለዓለ ግራሚ ዝተዓወተ ሰብ ከመይ ኢሉ’ዩ ብሉጽ ኣልበም ዘይዕወት” ብምባል ብሕርቃን ተዛሪቡ ነይሩ።

ቢዮንሴ ኣብዚ ዓመት ብ11 ዓውዲታት ክትሕጸ ብምኽኣላ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ብልዑል ዓውዲታት ዝተሓጸየት ጓል ኣንስተይቲ ስነ-ጥበባዊት ኰይና ኣላ።

ቢዮንሴ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ ሽልማት ግራሚ ድማ፡ ካብታ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ግዜ ብሉጽ ኣልበም እዚ ዓመት ዝተዓወተት ቴይለይ ስዊፍት ሓያል ንሕንሕ ከም ዝገጥማ ምግማት ይከኣል።

ቴይለር፡ እቲ ኣብ ዓለም እናዘረት ተላልዮ ዘላ ‘ዘ ቶርቸርድ ፓየትስ ዲፓርትመንት’ ዝተሰምየ ኣልበማ ብብሉጽ ኣልበም እዚ ዓመት ተሓጽዩ ኣሎ።

ኣብዚ ዓውዲ ኣንድሬ 3000፣ ሳብሪና ካርፔንተር፣ ቻርሊ ኤክሲኤክስ፣ ጃኮብ ኮሊየር፣ ቻፔል ሮኣንን ቢሊ ኣይሊሽን’ውን ሕጹያት እዮም።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር’ውን ብዕድመ ዝደፍአ ሕጹይ ግራሚ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መበል 100 ዓመቱ ብድምጺ ተቐዲሑ ዝተዘርግሐ መጽሓፉ ስዒቡ’ዩ ነዚ ሽልማት ተሓጽዩ ዘሎ።

ንሱ፡ ‘ታንክስ ቱ ላስት ሰንዴይስ ኢን ፕሌይንስ’ ዝብል ርእሲ ዝሃቦ መጽሓፉ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዓሰርታት ዓመታት ከገልግል እንከሎ ዝኣከቦም ጸሎትን ኣብነታትን ዘካተተ እዩ።