ኣብ ሽልማት ግራሚ፡ ክሪስ ብራውን ስለምንታይ የዘራርብ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሽልማት ግራሚ ንኣፍሪቃዊ ሙዚቃ ፍሉይ ቦታ ካብ ዝህብ ፀኒሑ ኣሎ፤ በዚ ድማ ብዙሕ ናእዳን ሙገሳን ረኺቡ እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ ምድብ ካብ ዝጅመር፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ጥራይ ድሮ ኣካታዒ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊት ታይላ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣማፒያኖን ኣፍሮፖፕን ዝተወሃሃደት 'ዋተር' እትብል ፍልጥቲ ደርፋ ብልፅቲ ኣፍሪቃዊት ሙዚቃ ኰይና ተዓዊታ ኣላ።
ኣብ መላእ እቲ ኢንዱስትሪ ብፍላይ ድማ ብኣፍሪቃውያን ስነጥበባውያን ተቐባልነት ዝረኸበ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።
ንሕጹያት ናይዚ ዓመት ሽልማት ግን ቅረታ ኣልዒሉ ኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣመሪካዊ ኮኾብ ኣር ኤንድ ቢ ክሪስ ብራውን ኣብቲ ምድብ ምሕዋሱ የዘራርብ ኣሎ።
እዚ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ፡ ንባእታታት ኣፍሮቢትስ ዝሓቖፈትን ናይጀርያውያን ስነጥበባውያን ዳቪዶን ሎጃይን ብዘካተት ደርፉ፡ ኣብ ቻርት ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘት ደርፉ እዩ ተሓጽዩ ዘሎ።
ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣመሪካዊ ስነ-ጥበባዊ ኣብ ሓደ ኣፍሪቃዊ ምድብ ሙዚቃ ምክፋሉ፡ ገለ ክትዕ ኣበጊሱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፍሪቃዊ ተውህቦ ንምርኣይ ኣብ ዝዓለመ ምድብ፡ ኣፍሪቃውያን ዘይኮኑ ስነጥበባውያን ክሕወሱ ይግባእ ድዩ? ዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ይለዓል ኣሎ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ግራሚ ሃርቪ ሜሰን ጁንየር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሙዚቃ ሓቛፊ እዩ። ንሰባት ኣብ ዝኾኑ ክሊታት ሓጹር ክነእትዎም ኣይንደልን ኢና" ኢሉ።
"መን ሓደ ውሱን ዓይነት ሙዚቃ ክሰርሕ ከም ዝኽእልን ዘይኽእልን ክንውስን እንተጀሚርና፡ ፅባቐ ምህዞ ንስእን።"
ሓላፊ ሽልማት ግራሚ ከምዚ ዓይነት ምድቃል [ምትሕውዋስ] ትጽቢት ከምዝግበሮ ይገልጽ።
"ንኹሉ ሙዚቃ ካበይ ከም ዝመጽእ ወይ መን ከም ዝሰርሖ [ብዘየገድስ] ከነኽብሮ ይግባእ። ብሉጽ እንተኾይኑ ድማ ሓፍ ክነብሎ ንደሊ።"
ካልእ ኣብዚ ዓመት ዘካታዕ ዘሎ ዛዕባ፡ ኣሰሩ ካብ ናይጀርያን ጋናን ዝኾነ ኣፍሮቢትስ ዓብሊሉ ምርካቡ እዩ።
ዋላ እኳ ንኹሉ ዝሓቁፍ ጻውዒታት እንተቐረበ፡ ንኻልኦት ዓይነታት ሙዚቃ ኣፍሪቃ ገዲፍካ፡ ሽልማት ግራሚ ኣዝዩ ኣተኲሩሉ ዝቕጽል ዘሎ ስምዒት እዚ እዩ።
ናይጀርያዊ ጋዜጠኛ ሙዚቃ ኣዮሚደ ታዮ፡ ኣፍሮቢትስ ንምንታይ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ዓብሊሉ ከምዘሎ ከምዝርዳእ ገሊፁ።
"ኣፍሮቢትስ ዝበለፀ ስለዝዀነ ኣይመስለንን" ክብል ንቢቢሲ ይዛረብ።
"ኣፍሮቢትስ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ቦታ ስለዝረኸበ እዩ። ንዓለምና ናብኡ ዝሰሓቡ ዓበይቲ ሙዚቃታት፡ ሱፐርስታራትን ፍጻሜታትን ብቐጻሊ ንርኢ ነይርና" ይብል እቲ ኣብ ሌጎስ ዝመደበሩ ታዮ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ናይጀርያውያን እውን ኣብ ህቡብነት ኣፍሮቢትስ ወሳኒ ተራ ከምዝተፃወቱ ይኣምን።
"ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ሰሜን ኣመሪካን ዝርከቡ ናይጀርያውያን ዲያስፖራ፡ ኣፍሮቢትስ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ንክስፋፍሑ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ'ዩ" ይብል ታዮ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት ኣብ ኣፍሪቃ ዝመደበሮም ሰብ ሞያ ንግዲ ሙዚቃ፡ ንኻልኦት ዓይነታት ሙዚቃ እታ ኣህጉር'ውን ብሩህ መፃኢ ይርእዩ ከምዘለዉ ይኣምን።
ምድብ ብሉጽ ሙዚቃ ኣፍሪቃ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ ሙዚቃ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
ታይላ ምስ ተዓወተት፡ ንከም በዓል ዳቪዶን ቡርና ቦይን ዝኣመሰሉ ናይጀርያውያን ከበድቲ ሚዛናት ብምስዓር ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ስፍራ ሒዛ ኣላ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እዛ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ- Met Gala in New York- ተሳቲፋ፡ ኣብ ላዕለዎት መጽሄታት ፋሽን ድማ ተዘርጊሓ፡ እዚ ድማ ጽልዋ ግራሚስ ክንደየናይ ሰፊሕ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።
ናይ ሎሚ ዓመት ሕጹያት ግን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ናይጀርያውያን ኰይኖም ኣለዉ።
የሚ ኣላዴ፣ ቡርና ቦይ፣ ቴምስን ናይ ሓባር ሕጹይ ንኣሳከ ኤንድ ዊዝኪድን ከምኡ'ውን ዳቪዶን ሎጃይን ኣብታ ክሪስ ብራውን ዝሰርሓ ውርይቲ ደርፊ ዝተዋስኡ እዮም።
"ሓቂ ንምዝራብ፡ ክሪስ ብራውን ኣብ ኣፍሮቢትስን ኣፍሪቃዊ ሙዚቃን ካብ ዝኣቱ ነዊሕ እዋን ኮይኑዎ'ሎ" ይብል ታዮ፡ እቲ ኣመሪካዊ ሙዚቀኛ ምስ ዳቪዶን ዊዝኪድን ንምትሕብባር ናብ ናይጀርያ ከምዝበረረ ይገልጽ።
"ክሪስ ብራውን ናይጀርያዊ እዩ ዝብል ዋዛ ኣለና፡ ምኽንያቱ ኣብ ደርፍታቱ ኩሉ ግዜ ዝረአዩ ቅድታትና እዮም"።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ 90 ሽሕ ተቐማጦ ዝሕዝ ስታድዩም ክልተ ዓበይቲ ኮንሰርታት ኣካይዱ ።
ሰባት ካብ መላእ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ተጓዒዞም ብቕዓቱ ክዕዘቡ ከለዉ፡ ደገፍቱ ድማ ስንባደ ዝፈጥር'ዩ ኢሎም።
ኣፍሪቃውያን ሙዚቀኛታት፡ ሽልማት ብሉጽ ብቕዓት ሙዚቃ ኣፍሪቃ ቅድሚ ምምስራቱ'ውን ሽልማት ግራሚ ተዓዊቶም እዮም።
ደቡብ ኣፍሪቃዊት ማርያም ማኬባ፡ ኣብ 1966 ምስ ሃሪ ቤላፎንተ ብምትሕብባራ፡ ንመጀመርታ ግዜ ተኣዊታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







