እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብጌጋ ሓካይም ንዝሞተ ወደይ ዝተኸፍለና ካሕሳ ዓስቢ ደም'ዩ' - ኣቦ
ኮሊን ስሚዝ ወዲ 7 ዓመት እንከሎ፡ ብሰንኪ ኣቐዲሙ ዝተወሃቦ ዝተለኽፈ ደም ብሕማም ኤይድስ'ዩ 1990 ሞይቱ።
ጠንቂ ሞቱ ድማ ሓከይም ገለ ሕግታት ዕሽሽ ብምባሎም እዩ።
ንዓሰረተታት ዓመታት ፍትሒ ክረክብ ክቃለስ ዝጸንሐ ኣቡኡ፡ ሕጂ ናይ 100 ሽሕ ፓውንድ ግዝያዊ ካሕሳ ተኸፊልዎ'ሎ።
እቲ ከም ወዱ ኮሊን ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኣቦ ግን እቲ ካሕሳ "ዓስቢ ደም" እዩ ይብል።
እቲ ካሕሳ ነቲ ኣብ ወዱ ዘጋጠመ "ኣፍልጦ" ዝህብ'ኳ እንተዀነ፡ ሕጂ'ውን ብሰንኪ'ቲ ፍጻመ ክኽሰሱ ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ይዛረብ።
ኣብቲ እዋን ወዱ ሄሞፊልያ ብዝበሃል ሕማም ይሳቐ ነይሩ። ሄሞፊልያ ሳሕቲ ዝረአን ብውርሻ ዝመጽእን ጸገም መፍሰስቲ ደም ኰይኑ፡ ደም ብግቡእ ከይረግእ ይገብር።
ኣብ 1970ታን 1980ታትን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘጋጠመ ፍፃመ ነይሩ።
ሓካይም፡ መንግስትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያን ብዝፈጸምዎ ጉድለት፡ ብዙሓት ተሓከምቲ ዝተለኸፈ ደም ክወሃቡ ተገይሮም።
ብሰንኪ'ዚ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ብኤችኣይቪን ሄፓታይተስ ሲን ተለኺፎም።
ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ዝተኻየደ ህዝባዊ መርመራ፡ እቲ ፍፃመ "ዘስካሕክሕ" ምዃኑ ይገልጽ።
ሕጂ መንግስቲ ነዞም ግዳያት ንምኽሓስ 11.8 ቢልዮን ፓውንድ መዲቡ ኣሎ።
ኮሊንን በዓልቲ ቤቱ ጃኔትን፡ ወዶም ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ'ዩ ብኤችኣይቪ ከምዝተለኽፈ ተነጊርዎም።
ነዚ ስዒቡ፡ እታ ስድራቤት ንዝተፈላለየ ግህሰት ተቓሊዓ። ማሕበራዊ ኣድልዎ ኣጋጢምዎም። ደቆም'ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ይጽረፉን ይድንደኑን ነይሮም። ኣቡኡ ኮሊንስ እውን ስርሑ ከቋርጽ ተገዲዱ።
ኮሊን ስሚዝ ዝተበከለ ደም ክወሃቦ እንከሎ ወዲ 10 ወርሒ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ደሙ ኤችኣይቪ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣቦን ኣደን ከምዝብልዎ፡ ወዶም ብዘይ ፍቓዶም ኣብ ሓደ ፈተነ ፍርያት ደም ክሳተፍ ከምዝተገብረ ይኣምኑ።
ወዶም ኮሊን ስሚዝ ኣብቲ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተለኽፉ ፍርያት ደም ተዋሂብዎም ካብ ዝሞቱ ልዕሊ 3000 ሰባት ሓደ እዩ።
"እቲ ፍጻመ ሃንደበት ኣይነበረን" ዝብል ኣቦ'ቲ ህጻን፡ ክውገድ ዝኽእል ከምዝነበረ ይኣምን።
ወለዱ፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ፍትሒ ክረኽቡ ንልዕሊ 40 ዓመታት ተቓሊሶም እዮም።
"ኣብ መወዳእታ ወደይ ንዘጋጠሞ ነገር ኣፍልጦ ስለዝረኸብና ሕጉስ'የ፡ እቲ ገንዘብ ግን ንዓና ብዙሕ ትርጉም የብሉን" ይብል።
"ዓስቢ ደም እዩ።"
"ገለ ክስታት ከምዝህሉ ሕጂ'ውን ተስፋ ንገብር፡ ምናልባት ግን ብህይወት እንከለኹ እዚ ክፍጸም ይኸውን።"
ኮሊን ብሕማም ኤይድስ ካብ ዝመውት 34 ዓመታት ሓሊፉ። እታ ስድራ ግን ሕጂ'ውን ብካልእ በደል ትሳቐ'ላ።
ንኮሊን ዝተለኽፈ ደም ዝሃበ ሓኪም ፕሮፌሰር ኣርተር ብሎም'ዩ። ንሱ፡ እዚ ክፍጽም እንከሎ ንገዛእ ርእሱ ሕጊ ጥሒሱ ከምዝነበረ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ የመልክት።
እቲ ህጻን እንታይ'ዩ ኣጋጢምዎ?
ኣብ ጥሪ 1982፡ ፕሮፌሰር ብሉም ንኮሊን ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ ምሕካሙ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ናብ ንኵለን ማእከላት ሄሞፊልያ መምርሒ ጽሒፉ ነይሩ።
እቲ መምርሒ፡ ንተሓከምቲ ዝወሃብ ደም ገለ ቫይረሳት ንምጥፋእ ብዝዓለመ ሓዱሽ መስርሕ ሙቐት ዝተሓከመ ፍርያት ደም ክኸውን ከምዝግባእ ይጠቅስ።
እቲ ደብዳበ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ቺምፓንዚ ዝተገብረ ፈተነታት ምቹው ከምዘይኰነን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ፈተነ ምክያድ ከምዘድልዮምን ይገልጽ።
'ቢቢሲ ዌልስ ኢንቨስቲጌትስ'፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ግንቦት 1983 ጀሚሩ ናብቲ ብፕሮፌሰር ብሉም ዝምራሕ ክፍሊ ዝለኣኾም ውሽጣዊ መምርሒታት ረኺቡ።
እዞም ውሽጣዊ መምርሒታት ድማ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝኣቱ ደም ብሰንኪ ሓደጋታት ረኽሲ ንህጻናት ከይወሃቡ ዝኽልክሉ እዮም።
ግን ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ፡ ፕሮፌሰር ብሉም ንኮሊን ኣብ ዝሕክመሉ ዝነበረ እዋን ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት ዕሽሽ ኢሉ ዝተለኸፈ ደም ሂብዎ።
ኮሊን ኣብ ነሓሰ 1983 ካብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ፍርያት ደም ምስተዋህቦ ብኤችኣይቪን ሄፓታይተስ ሲን ተለኺፉ። ኣብ 1990 ድማ ህይወቱ ሓሊፋ።
ኣቦን ኣደን ኮሊን፡ ወዶም ፈተነ ብሙቐት ዝተሓከመ ሓድሽ 'ፋክተር VIII' ደም ይግበረሉ ከምዝነበረ ይኣምኑ፤ 'ፋክተር VIII' ከም ኤችኣይቪን ሄፓታይተስን ዝኣመሰሉ ቫይረሳት ክቐትል ተስፋ ተገይርሉ ነይሩ።
"እዞም ፈተነታት ኣብ ዝጅምሩሉ እዋን ሄሞፊልያ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ" ትብል ኣዲኡ ጃኔት።
"ብህይወት ሰባት ቁማር ይጻወቱ ነይሮም፡ ብጌጋ ድማ ኣሽሓት ቀቲሎም" ክብል ይውስኽ ኣቦ'ቲ ህጻን።
ጃኔት፡ እታ ስድራቤት ብዛዕባ ምርመራ ኤችኣይቪ ኮሊን ኣብ ኮሪደር እቲ ሆስፒታል ከምዝተነግሮም ትዛረብ።
ፕሮፌሰር ብሉም፡ "ኣብቲ ኮሪደር 'ኤችኣይቪ ኣለዎ' ኢሉና" ትብል።
"ኣብ ማእከል እቲ ወለዲ ደድሕሪ ደቆም ዝጎይሉ፡ ንኣሽቱ ቆልዑ ናብዚን ናብትን ዝብልሉ ኮሪደር'ዩ ተነጊሩና፡ ናይ ብሓቂ ተረቢሸ ከምዝነበርኩ ይዝከረኒ።"
ኣብ 1980ታት ኣብ ደሞም ኤችኣይቪን ኤይድስን ዘለዎም ሰባት ንፍርሒ፡ ጸለመን ኣድልዎን ክቃልዑ ምርኣይ ልሙድ'ዩ ነይሩ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 1987 ኣብ ዘውጽኦ መወዓውዒ ንቕሓት ኤይድስ፡ "መድሓኒት ዘይብሉ ቀታሊ ሕማም" ዝብሉ ቃላት ዘለዎም መወዓውዒታት ህዝቢ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ዝነበሮ ግጉይ ኣረኣእያ ክጋደድ ገይሩ'ዩ።
ጃኔትን ኮሊንን፡ ጥዕና ወዶም እናገደደ ምስ ከደ፡ እቲ ኣብ ኒውፖርት ዝርከብ ማሕበረሰብ ኣግሊልዎም።
"ስድራቤት ኤይድስ ኢሎም ይጽውዑና ነይሮም" ትብል ጃኔት።
"12፡ ሰዓት ሓደ ንግሆ ቴለፎን ተደዊሉ። 'ከመይ ጌርኩም ምስ ኣሕዋቱ ተደቅስዎ? ንበይኑ ክውሸብ ኣለዎ፡ ኣብ ደሴት ክቕመጥ ኣለዎ' ኢሎምና... ወዲ ሰለስተ ዓመት ጥራይ'ዩ እኮ ነይሩ።"
"ሓደ መዓልቲ ተንሲእና፡ ኣብ መንደቕ ገዛና ብጸሊም ቀለም 'ሞት ኤይድስ' ዝብል ተጻሒፉ ረኺብና" ይብል በዓልቤታ ብወገኑ።
ብድሕሪኡ ብሰንኪ ጸለመ "ስራሕ ኣልቦ" ክኸውን ተገዲዱ።
"ጸባ ናይ ምብጻሕ ሓድሽ ስራሕ ረኺበ ነይረ፡ ድሕሪ ምጅማረይ ንግሆ ቴለፎን ተደዊሉኒ፡ 'ይቕሬታ፡ ኣብ ስድራቤትካ ኤችኣይቪ ከምዘሎ ሰብ ነጊሩና፡ ክነስርሓካ ኣይንኽእልን' ኢሎምኒ።"
ቢቢሲ ዌልስ ኢንቨስቲጌትስ ዝረኸቦም ሰነዳት ከምዘቃልዕዎ፡ ሓካይም ወጻኢታት ንምንካይ ዝያዳ ሓደገኛ ፍርያት ክቕበሉ ድልዋት ነይሮም።
እቲ ንኮሊን ዝተዋህበ ፋክተር VIII ዘፍረየን ሕጂ ዝፈረሰን ኢሙኖ ዝተበሃለ ኩባንያ መድሃኒት፡ ኣብ ክንዲ ካብ ኤውሮጳ ዝተረኸበ ደም ካብ ኣመሪካ ዝመጽእ ሓደገኛ ፍርያት ኣብ ዕዳጋ ዓባይ ብሪጣንያ ተቐባልነት ክረክብ እዩ ከምዝሓሰበ ሰነዳት የመልክቱ። ናይ'ዚ ምኽንያት ድማ ዋጋኡ ዝሓሰረ ስለዝነበረ'ዩ።
"ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ንዓና መቕተልቲ እዩ ነይሩ" ትብል ጃኔት። "ገንዘብ እዮም ዝቑጥቡ ነይሮም። ኣነ ከምዝመስለኒ ብዛዕባ ጥዕና ሰባት ኣይተጨነቑን።"
ዝተለኽፈ ደም ስለምንታይ ኣጋጢሙ?
እቲ ፍፃመ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝዓበየ ፍሽለት ከምዝዀነ'ዩ ዝንገር።
ግዳያት ካሕሳ ክረኽቡ ዝግበር ጎስጓስ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሳዕ ሕጂ እናቐጸለ ይርከብ።
ኣብ 1970ታት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሕክምና ዝረግእ ደም ዘጋጠማ ጉድለት ንምምካት ቀረብ ካብ ኣመሪካ ኣእትያ።
መብዛሕትኡ እቲ ደም ግን ካብ ከም እሱራትን ተጠቀምቲ ሓሽሽን ዝኣመሰሉ ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ለገስቲ ዝተዓደገ እዩ ነይሩ።
ፋክተር VIII ካብ ደም ዓሰርተታት ኣሽሓት ለገስቲ ፕላዝማ ብምእካብ እዩ ተሰሪሑ። ሓደ ለጋሲ ቫይረስ ኣብ ደሙ እንተሃልዩ ግን ኵሉ እቲ ዝተኣከበ ይብከል ኣሎ ማለት'ዩ።
ንመጀመርታ ግዜ ኤችኣይቪ ከይተፈልጠ እንከሎ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ 1975፡ ሓደ ሰነዳዊ ፊልም ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያት ደም ብቫይረስ ዝተለኸፈ ክኸውን ሓደጋ ከምዘሎ ብምቅላዕ፡ መንግስቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ርእሱ ክኽእል ተማሕጺኑ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ብሄሞፊልያ ንዝሳቐዩ ሰባት ዝሕክም ዝነበረ ፕሮፌሰር ኤድዋርድ ቱደንሃም፡ እቶም ፍርያት ሓደገኛታት ምዃኖም ከምዝተረድአ ይገልጽ። መንግስቲ፡ ፖሊሲ ርእሰ-ምኽኣል ክኽተል ምዃኑ ተነጊሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ ወሲኹ ይዛረብ።
"ካብ ኣመሪካ ምእታው ዝሓሰረ ነይሩ። ሕማም ጸላም ከብዲ ይመሓላለፍ ከምዝነበረ ንጹር እዩ ነይሩ።"
"[ኩባንያታት መድሃኒት] ብዙሕ ገንዘብ ዝረኽብሎም ፍርያት ነይርዎም" ክብል ይውስኽ።
"ስለዚ፡ ዋላ'ውን እቲ ሓደጋ እናተጋደደ ክኸይድ ከሎ፡ ነዚ ክደፍኡ ምድላዮም ተፈጥሮኣዊ ዝንባለ ነይሩ።"
ኣብ 1983 ብኤችኣይቪ ዝፍለጥ ሓድሽ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ ጀሚሩ።
ዋላ'ኳ ኣቐዲሙ ዝተወሃበ መጠንቀቕታን እናዓበየ ዝኸይድ መርትዖታትን እንተነበረ፡ ሰበስልጣን መንግስትን ሚኒስተራትን ዓባይ ብሪጣንያን ግን፡ ካብ ወጻኢ ብዝኣቱ ፍርያት ደም ክመሓላለፍ ከምዝኽእል 'ርኡይ መርትዖ' ከምዘየለ ብተደጋጋሚ ይገልጹ ነይሮም።
ኣገልግሎት ደም እታ ሃገር፡ ኣብ ዝተወፈየ ደም ብስሩዕ ኤችኣይቪ መርመራ ክገብር ዝጀመረ ኣብ 1985 እዩ። ኣብ 1991 ድማ መርመራ ሄፓታይተስ ሲ ጀሚሩ።
ኣስታት 27,000 ሰባት ብሰንኪ ዝውውር ደም ብከም ሄፓታይተስ ሲ ዝኣመሰሉ ቫይረሳት ተለኺፎም።
ግዳያት ንዓመታት ጎስጓስ ድሕሪ ምክያዶም፡ ኣብ 2017 ብደረጃ ዓባይ ብሪጣንያ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ደም ዝተለኽፉ ሰባት ተኣዊጁ።
መንግስቲ ነቶም ግዳያት ዝኽፈል ናይ 11.8 ቢልዮን ፓውንድ ካሕሳ ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ካቢነ ሚኒስተራት፡ ግዝያዊ ክፍሊት ካሕሳ ክፍጽም ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ። ምሉእ ካሕሳ ድማ ሓላፍነት በዓል መዚ ካሕሳ ብደም ዝተለኽፉ (ICBA) ክኸውን'ዩ።
እቲ ካሕሳ ኣብ ሓሙሽተ መዐቀኒታት ዝምርኰስ እዩ፤ እዚኦም ድማ ዘጋጠመ ጉድኣት፡ ጸለመን ተነጽሎን ዘስዓቦ ማሕበራዊ ጽልዋ፡ ኣብ ርእሰ-ምሕደራን ውልቃዊ ህይወትን ዘሕደሮ ጽልዋ፡ ወጻኢታት ክንክንን ፋይናንሳዊ ክሳራን እዮም።
ብመሰረት እቲ ውጥን ካሕሳ፡ ሓደ ብኤችኣይቪ ዝተለኽፈ ሰብ ካብ 2.2 ሚልዮን ክሳብ 2.6 ሚልዮን ፓውንድ ክኽፈሎ ትጽቢት ይግበር።
ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሕዱር ረኽሲ ሄፓታይተስ ሲ ዘጋጠሞም ሰባት ድማ ካብ 665 ሽሕ ክሳብ 810 ሽሕ ፓውንድ ክካሓሱ እዮም።
ሎሚ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ናይ ሓደ ብኤችኣይቪ ዝተለኽፈ ሰብ፡ ኣስታት 110 ሽሕ ፓውንድ ከምኡ'ውን ሓደ ህጻን ድማ 55 ሽሕ ፓውንድ ይኽፈሎም።
ኣብ ዝሞተ ኣዝማዶም ጽግዕተኛታት ንዝነበሩ ሰባት እውን ዓመታዊ ክፍሊት ክወሃብ እዩ።