ትግራይ፡ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ስለምንታይ ስራሕ ኣቋሪፁ?

ሓደ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ፅላል ትእምት ዝዀኑ ትካላት - ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ስራሕ ደው ከምዝበለ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ክብረኣብ ተወልደ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረጋጊፁ።

ኣቶ ክብረኣብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፋብሪካ ስርሑ ጠጠው ከምዘበለ ብምእማን፡ እንተዀነ እቲ ምኽንያት ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝለዓል ስግኣት ድሕነት ከምዝዀነ ይዛረብ።

"ካብቲ ሕብረተሰብ ኣልዕሉና ዝብል ሕቶ ስለዘሎ ምስኡ ብዝተሓሓዝ እዩ ጠጠው ኢሉ ዘሎ፤ ካልእ ምኽንያት የብሉን" ይብል።

ብኸመይ ደኣ ዛጊድ ፍታሕ ዘይተረኽቦ ንዝብል ሕቶ እንትምልስ፡ "ፍታሕ ዝህብ መንግስቲ እዩ፤ ምስ ዝምልክቶም ኣካላት መንግስቲ እናተዘራረብና ኢና፤ ኣብ ከይዲ እዩ ዘሎ፤ እቲ ሕብረተሰብ'ውን ይፈልጥ እዩ" ኢሉ።

እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ወሲኹ፡ ዛጊድ ዝተባረረ ኰነ መሃይኡ ዝተቛረፀ ሰራሕተኛ ከምዘየለ ኣረዲኡ።

"ንመዓልቲ ክሳብ 60 ሽሕ ኩንታል ስሚንቶ እዩ ዘፍሪ ነይሩ። እዚ ዝኣክል ዓቕሚ ተቛሪፁ ኣሎ ማለት እዩ፡" ብምባል በዚ ምቍራፅ ልዕሊ እቲ ትካል፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዝፈጠሮ ቅልውላው ዕዳጋ ልዑል ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

እንተዀነ፡ እቲ ፋብሪካ ስራሕ ጠጠው ዘበለሉ ምኽንያት ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝለዓሉ ኰይኖም፡ ብቐንዱ ምስ ምቅይያር ግዝያዊ ምምሕዳር ተኣሳሲሩ ዝተገብረ ለውጢ ኣመራርሐ ቦርድ ትእምት ዝተሓሓዝ ከምዝዀነ ይንገር።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደሊ ኣባል ቦርድ ትእምት፡ 'ሕቶ ነበርቲ ኣሉታዊ ፅልዋ የብሉን ኣይብልን' ብምባል፡ እቲ ኣብ ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ዝተገብረ ለውጢ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።

"ምስ ኣሰያይማ ኣባላት ቦርድ ብዝተሓሓዝ፤ እቲ ዘሎ [ፖለቲካዊ] ኵነታት ፀልዩዎ እዩ ዝመስለኒ።"

ንሱ፡ " ኣብቲ ከባቢ ስርዓት ኣልቦነት ሰፊኑ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ" ድሕሪ ምባል፤ "እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ሓደገኛ ነገር እዩ፤ ኵሉ በብኢዱ ነጣቒ ኰይኑ እዩ ዘሎ፤ ሕቶ እንተሎ እቲ ፋብሪካ ስርሑ እናሰርሐ ክምለስ ይኽእል እዩ" ብምባል እቲ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ሓድሽን ሎሚ ዝተጀመረ ከምዘይኰነ የረድእ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ክብረኣብ ተወልደ ግን፡ "እዚ ጌጋ እዩ፤ እቲ ሓድሽ ኣመራርሓ [ቦርድ] ዝፀደቐ ካብ ሰነ 13 ጀሚሩ እዩ፤ እቲ ፋብሪካ ግን ክልተ ወርሑ ስርሑ ኣቋሪፁ ኣሎ፤ ምስኡ ዘተሓሕዝ ምኽንያት የብሉን" ብምባል ነቲ ካልእ ምኽንያታት ይነፅግ።

ገለ ካብ ነባር ኣባላት ቦርድ ትእምት፡ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ኣብቲ ዛዕባ ቅረታ ኣልዒሎም ከምዘለዉ እውን ይዛረቡ።

እንተዀነ፡ ዛጊድ ካብቲ ፕረዚደንት ዝተውሃበ ምላሽ ከምዘየለ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ መንጐ እቲ ሓድሽን ነባርን ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ከምኡ ድማ፡ እቲ ኣብ ጥቓ እቲ እታወት ዝወፅኣሉ [ሓመድ] ከባቢ ነበርቲ ዘቕረብዎ ቅረታ፡ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ዝተሓወሰዎ ከምዝኾነ ገለ ፀብፃባት ይሕብሩ።

እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ግን፡ እቲ ፀገም ኣብ ቀረባ ብምርድዳእ ከምዝፍታሕ ተስፋ ብምግባር፡ ኣብ መንጐ እቲ ነባርን ሓድሽን ኣመራርሓ ትእምት ተፈጢሩ ዝበሃል ዘይምርድዳእ ዘንቀሎ እዩ ምባሉ፡ ጌጋ ከምዝዀነ ይዛረብ።

ድሕሪ ውዕል ሰላም ኲናት ትግራይ፡ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ካብ ዝተመልሱ ሒደት ትካላት እቲ ክልል ሓደ ኰይኑ፡ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዝነበረ ቅልውላው ዕዳጋ ኣብ ምርግጋጽ ዓቢይ ተራ ከምዝጸንሖ ይፍለጥ።

እቲ ብ240 ሚልዮን ብር ከምዝተጣየሰን ልዕሊ 25 ዓመታት ከም ዘቝፀረን ዝንገረሉ ፋብሪካ፡ ኣብ ኣመት 1.3 ሚልዮን ቶን ስሚንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ መረዳእታት የመልክቱ።

ምቍራፅ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ስዒቡ ድማ፡ ዋጋ ሓደ ኩንታል ሲሚንቶ ካብ 900 ናብ 1400 ብር ክብ ከምዝበለን ኣብ ዕደጋ ልዑል ሕፅረት ስሚንቶ ተፈጢሩ ከምዘሎን ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።