ኣብ ጽንብል ደገፍቲ ሊቨርፑል እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ደገፍቲ ናይታ ኣብ ዓመተ 2024-2025 ተዓዋቲት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ሊቨርፑል ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ሓጐሶም ኣብ ዝጽንብሉሉ ዝነብሩ፡ ሓንቲ መኪና ብናህሪ ናብኦም ብምእታዋ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጉድኣት ወሪዱ።

ፖሊስ ሜርሲሳይድ እቲ ሓደጋ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ከምዘጋጠመን፡ በታ መኪና ዓሰርተታት ሰባት ክህረሙ እንከለዉ፡ ካብቶም ዝተሃረሙ እቶም ክልተ ማህረምቶም ከቢድ ክኸውን እንከሎ ካልኦት 27 ሰባት ናብ ሕክምና ተወሲዶም ከምዝተሓከሙ ገሊጹ።

ነቲ ሓደጋ ፈጺምዎ ዝተባህለ ወዲ 53 ዓመት እንግሊዛዊ ተቐማጢ ሊቨርፑል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሪፖርተር ቢቢሲ ማት ኮል፡ እታ መኪና ንዕኡን ንስድራኡን "ብውሑዳት ሴንቲሜትር" ስሒታቶም ከምዝሓለፈት ሓቢሩ።

ማት ኮል፡ "እታ ተጻወትቲ ሊቨርፑል ሒዛ ዝነበረት ዓባይ ኣውቶቡስ ሓሊፋ፡ ርቺት ምትኳስ ተወዲኡ ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ'ዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ፡" ይብል።

"ሓንቲ ኣምቡላንስ ብማእከል እቲ ህዝቢ ሓሊፋ፡ እዛ ኣምቡላንስ ኣካል ናይተን ንተጻወትቲ ዝዕጅባ ዝነበራ መካይን ኰይና ኣብ ድሕሪት'ያ ነይራ።"

ኣስዒቡ ማት፡ "ብድሕሪት ኣውያት ክስማዕ ጀሚሩ ሓንቲ ድሙቕ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዋ መኪና ብማእከል እቲ ህዝቢ እናጠሓሓሰት ሓደጋ ከተውርድ ጀሚራ፣ ኣነ ኸኣ ነታ ምሳይ ዝነበረት ጓለይ ሒዘ ናብ ወሰን እቲ ጽርግያ ሃዲመ፡ ብናይ ሰንቲሜተራት ፍልልይ ከኣ ሓሊፋትና።"

ብተግባር ናይቲ መራሒ መኪና ዝተቘጥዑ ሰባት ነታ መኪና ይሃርምዋን ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ነገራት ይድርብዮላን ምንባሮም ዝሓበረ ማት፡ ኣብ መወዳእታ እታ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረት ኣምቡላንስ ከም ባህርያዊ ሓጹር ኰይና ደው ከምዘበለታ ገሊጹ።

ብድሕሪ እዚ ፖሊስን ወሃብቲ ቀዳማይ ረዲኤትን መጺኦም ነቶም ዝተሃረሙ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ከምዝወሰድዎምን ነቲ መራሒ መኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተውዎን ማት ይሕብር።

ወዲ 48 ዓመት ሃሪ ራሺድ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ኣብቲ ቦታ ከም ዝነበረ ብምሕባር፡ እታ መኪና ናብቶም ዝጽንብሉ ዝነበሩ ሰባት ብናህሪ ቅድሚ ምእታዋ፡ ኣብ ወሰን ደው ኢላ ከምዝነበት ንማዕከን ዜና ፒኤ ገሊጹ።

"ብርቱዕ ናህሪ ነይርዋ፣ ንሰብ ክትሃርሞ እንከላ ዝወጽእ ዝነበረ ድምጺ ይስማዕ ናይሩ፡ ብዙሓት ሰባት ከኣ ፈቐድኡ ወዲቘም ነይሮም፡ ገሊኦም ሃለዋቶም ዘይፈልጡ'ዮም፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ።"

ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረ ሪፖርተር ቢቢሲ ዳን ኦጎንሻከን ነቲ ሓደጋ ብዓይኑ ካብ ዝተዓዘቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር'ዩ።

"እቲ ብሓጐስ ዝሰራሰር ዝነበረ ህዝቢ ብሓንሳብ'ዩ ናብ ፍርሕን ናብ ራዕድን ተቐይሩ" ኢሉ።

ካልእ ማቲው ኦኮሮል ዝተበሃል ወዲ 28 ዓመት ከኣ፡ "እታ መኪና ንሓንቲ ደው ኢላ ዝነበረት ናይ ፖሊስ መኪና ምስ ሓለፈታ ናህሪ ክትውስኽ ጀሚራ፣ ብተግባር ናይቲ መራሒ መኪና ዝተቘጥዑ ሰባት ደድሕሪ እታ መኪና ብምኻድ ንዳሕረዋይ ቬትሮ ናይታ መኪና ሰይረሞ፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "ብጥቓና ክሓለፍ እንከሎ፡ እቲ መራሒ መኪና ካብ ገለ ነገር ዝሃድም ዝነበረ'ዩ ዝመስል ነይሩ፡" ኢሉ።

ካልእ ማይክ ማድራ ዝተበሃለ ምስክር'ውን፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ኰይኑ እታ መኪና ሰባት እናሃረመት እንከላ ከምዝርኣያ ሓቢሩ።

"እታ መኪና ብናህሪ ናብ ጸጋም ተጠውያ ናባና ገጻ ክትመጽእ ጀሚራ፡ ንሕና ሃዲምና ኣሕሊፍናያ፡ ክልተ ሰባት ኣብ ቅድመይ ሃሪማቶም ሓሊፋ፣ ኵሉ ነገር ከኣ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ'ዩ ዝመስል፡" ኢሉ።