ጅቡቲ፡ ክልተ ጃልባ ጥሒለን፤ ብውሕዱ 45 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 110 ድሃዮም ኣይተረኽበን

ኣብ ገምግም ባሕሪ ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ክልተ ጀላቡ፡ ብውሑዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝጠፍኡን ሰብ መዚ ገሊጾም።

እተን ጀላቡ፡ ትማሊ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጅቡቲ ቅድሚ ምጥሓለን 310 ሰባት ሒዘን ካብ የመን ገጸን ከም ዝተበገሳ ዓለምለኻዊ ትካል ስደት (ኣይኦኤም) ሓቢሩ።

“ክሳብ ሕጂ 61 ሰባት ድሃዮም ኣይተረኽበን፤ ዘይተሓለለ ናይ ምድላይ ጻዕሪታት ይቕጽል ኣሎ” ክብሉ ሓለውቲ ገምግም ባሕሪ ጅቡቲ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣይኦኤም ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ግን፡ ዛጊድ ድሃዮም ዘይረተረኽበ ተጓዓዝቲ፡ ብዝሖም 111 ከም ዝዀኑ ኣስፊሩ ኣሎ።

እዚ ብዙሓት ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝጥቀምሉ ‘ምብራቓዊ መስመር’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መገዲ ኣብ ዓለም እቲ ሓደገኛ መስመር ጕዕዞ ስደት ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ብሓገዝ ኣይኦኤም፡ “ሰፊሕ ናይ ምድላይ ስራሓት” ይካየድ ከም ዘሎን 55 ስደተኛታት ከም ዝድሓኑን እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ መልክት።

“እቶም ዝጠፍኡ ንምርካብን ድሕነት እቶም ውጻእ መዓት ንምርግጋጽን ድልዋት ኢና” ክብል እቲ ኤጀንሲ ስደት ገሊጹ።

እተን ጀላቡ፡ ኣብ ጥቓ ሰሜን ምዕራብ ጅቡቲ ዞባ ክሆር ኣንጋር 150 ሜትሮ ከም ዝጥሓላ ሓለውቲ ገምግም ባሕቲ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብተን ብነዳዲ ዝበልጸጋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሓገደኛ ጕዕዞ ይገብሩ።

እዚኦም፡ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ጐንጺ፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ቁጠባዊ ጸገማትን ንምህዳም ዝወጽኡ’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣስታት 51 ሶማልያውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ገምግም የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ካልኦት 140 ስደተኛታት ድማ ድሃዮም ኣይተረኽበን።

ቁጽሪ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝኣትው ስደተኛታት ኣብ 2022 ካብ ዝነበሮ 73 ሽሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 97 ሽሕ ከም ዝደየበ ኣይኦኤም ይገልጽ።

መብዛሕትኦም ግዳያት ንሓደጋ ዝተቓልዓን ልዕሊ ዓቐን ዝጽዕናን ጀላቡ ዝጥቀሙ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ከም ዝዀኑ ይፍለጥ።