ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ምቍራጽ ኢንተርነት ዝሰዓበ ሞት ቍጥዐ ኣለዓዒሉ

ኦፕትስ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዝሕታለ ስለዘርኣየ ኣብ ጸገም ወዲቑ ይርክብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኦፕትስ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዝሕታለ ስለዘርኣየ ኣብ ጸገም ወዲቑ ይርክብ

ኣብ ኣውስትራልያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቍራጹ ሓያለ ሞት ኣጋጢሙ።

ነዚ ስዒቡ ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ እቲ ኢንተርነት ዝህብ ዓቢ ትካል ኦፕትስ ከቢድ ሳዕቤን ክመጽኦ ምዃኑ የጠንቅቝ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳርጋ ኣብ ፍርቂ እታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቍራጹ ኣማኢት ሰባት ን13 ሰዓታት ናይ ርድኡና ደወል ክድውሉ'ውን ከም ዘይክኣሉ'ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኦፕትስ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝህቡ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ኰይኑ፡ ብሰንኪ ኢንተርነት ምቍራጹ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ብምግላጽ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ክስተት "ብፍጹም ዘይቅቡል'ዩ" ብምባል ንስድራ ግዳያት ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ትካል ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዝሕታለ ኣርእዩ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ጸገም ወዲቑ ይርክብ።

እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ'ዩ ተመሳሳሊ ጸገም ዘጋጥሞ ዘሎ።

ናይታ ሃገር ምቁጽጻር ሚድያን ቴለኮምዩኒኬሽንን ከኣ ነቲ ጕዳይ ብዕቱብ ሒዙ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብቲ ኢንተርነት ዘቋረጸሉ ካብ ደቡብ ኣውስትራልያ፡ ምዕራብ ኣውስትራልያን ሰሜናዊ ዶባትን ዝተፈተነ ልዕሊ 600 ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ደወላት ክሰርሕ ከም ዘይክኣለን ካብ ደቡባዊ ምዕራብን ኒው ሳውዝ ዌልስን ዝተገበረ ክልተ ተመሳሳሊ ጻውዒታት'ውን ክሰርሕ ከም ዘይክኣለ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

እንተዀነ ኦፕትስ እዚ ኵሉ ጸገም ኣጋጢሙ ክንሱ ንዓማዊሉ ጸገም ከም ዘጋጠመ ንኽነግር ን40 ሰዓታት ከም ዝደንጐየን፡ ነቲ ጸገም ክሳብ ዝፈትሖ ከኣ ንመንግስታዊ ተቘጻጻሪ ኣካል ከም ዘይሓበረን ሰብ መዚ ሚድያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ኦፕትስ ስቴፈን ሬ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ምቍራጽ ኢንተርነት ነቲ ዝነበሮም ሲስተም ናብ ዝበለጸ ንምምዕባሉ [ኣፕ ግሬድ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ] ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ከም ዘጋጠመ ንማዕከናት ዜና ሓበሩ።

እቲ ሓላፊ ብምስዓብ እቲ ኢንተርነት ዳግማይ ክሰርሕ ምስ ጀመረ ኣብ ዝገበርዎ ምጽራይ ብሰንኪ እቲ ምቍራጽ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ግን ምኽንያት ምቍራጽ ናይቲ ኢንተርነት ከምቲ በቲ ትካል ዝተገለጸ ጥራጥ ከኸውን ከም ዘይክእል'ዩ ዝሕብር ዘሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ሰብ መዚ ብተወሳኺ ብሰንኪ ኢንተርነት ምቍራጹ ዝሞቱ ሰባት ኣርባዕተ ከም ዝበጽሐ'ዮም ሓቢሮም።

ሓላፊ ኦፕትስ ነቲ ሲስተም ኣፕግሬድ ይገብርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኢንተርነት ተቛሪጹ ከም ዘሎ ንኽፈልጡ ጥራይ 13 ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም'ዩ ሓቢሩ።

ሓያለ ዓማዊል ኢንተርነት ተቛሪጹ ኣሎ ኢሎም ምስ ጠርዑ፡ እቲ ጥርዓኖም ጽቡቕ ኣቓልቦ ከም ዘይተዋህቦ ግን እቲ ሓላፊ ተኣሚኑ።

"ብሰንኪ ምቍራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ግዜኦም ረድኤት ብዘይምርካቦም ኣርባዕተ ሰባት ምማቶም ዝተሰምዓኒ ዓሚቕ ሓዘን ይገልጽ፡ ሓደ ርግጸኛ ኰይነ ክነግረኩም ዝኽእል ግን ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ጸገማት ንኸይክሰት ኵሉ ስጕምትታት ንወስድን ከም ዘለናን ክንወስድ ከም ዝዀንናን'ዩ" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ብዓል መዚ ምቁጽጻር ሚድያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ዘጋጠመ ክስተት ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ብምሕባር "ኣውስትራልያውያን ሓገዝ ኣብ ዝደልይሉ ሓገዝ ደሊና ኢሎም ንትካላት ወሃብቲ ህጹጽ ረድኤት ናይ ምርካብ ዘይትንከፍ መሰል ኣለዎም። እዚ ከኣ ሓደ ወሃቢ ኣግልግሎት ኢንተርነት ክገብሮ ካብ ዘለዎ መስረታዊ ኣገልግሎታት'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ትካል ኣብ 2023 ኣብ ዘጋጠሞ ተመሳሳሊ ጸገም፡ 2 ሽሕን 145 ሰባት ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ንምርካብ ዝገበርዎ ደወል ክሰርሓሎም ከም ዘይክኣለ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ነይሩ።

ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ዘጋጠመ ጸገም እቲ ትካል 8 ሚልዮን ዶላር ከም ዝተቐጽዐ'ውን ሰነዳት ይሕብሩ።

ምኒስተር ኮሚዩኒኬሽን እታ ሃገር ኣኒካ ዌከልስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ይቕሬታ ዘይብሃሎ ከም ዝዀነ ብምሕባር፡ ሓላፊ እቲ ትካል ስቴፈን ሬ ካብ መዝነቱ ክወረድ ከም ዘለዎን እቲ ትካል'ውን ከቢድ ሳዕቤናት ከም ዝመጽኦን ኣጠንቂቓ።

ኣብ ልዕሊ ትካል ኦፕትስ መርመራ ኣብ ዝተጀመረሉ ሓላፊ እቲ ትካል ብወገኑ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዘዝተረኸበሉ ንህዝቢ ወግዓዊ ሓበሬታ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።