መጥቃዕቲ ኢራን ዘሻቐሎ ባይደን ምስ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሃገሩ ተዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ስክፍታታት እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ትማሊ ሰኑይ ምስ ላዕለዋይ ኣባላት ሃገራዊ ጸጥታ ሃገሩ ብምርኻብ ዘትዩ።

ባይደን፡ እስራኤል መጥቃዕቲ እንተ ተኸፊትዋ ንምድጋፍ ኣብ ዝግበር ምድላዋት መብርሂ ከምዝተዋህቦ ክዛረብ እንከሎ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ድማ ሰበስልጣን እታ ሃገር ምጕህሃር ንምዝሓል "24 ሰዓታት" ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝተፈጸመ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ዓሲሉ’ሎ።

ኢራን በቲ ቅትለት ንእስራኤል ተሓታቲት ብምግባር "ከቢድ" ሕነ ከምእትፈዲ ተሓንያ። እስራኤል ግን ዛጊድ ነቲ ቅንጸላ ሓላፍነት ኣይወሰደትን።

ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብአን ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ሊባኖስ ክወጽኡ ሓቢረን ኣለዋ። ንዜጋታተን መጠንቀቕታ ዝሃባሉ ምኽንያት ከኣ ብኢራን ዝድገፍ ምልሻን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሕዝቦላህ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ግብረ-መልሲ ተሳትፎ ከምዝገብር ስለዝተኣመነ እዩ።

ብሊንከን ብሰንበት ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባል ሃገራት ጕጅለ ሸውዓት ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኢራንን ሕዝቦላህን ኣብ ውሽጢ ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ንሱን ምኽትሉ ካማላ ሃሪስን ትማሊ ምሸት ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ ሃገሩ ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ኵነታት ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጡ’ሎ።

"ካብ ኢራንን ደገፍታን ክነቅል ብዛዕባ ዝኽእል መጥቃዕቲ፡ ዞባዊ ወጥሪ ንምንካይ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከምኡ'ውን ንእስራኤል ዳግማይ መጥቃዕቲ እንተበጺሕዋ ንምድጋፍ ዝግበር ምድላዋት ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ በጺሑና" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ብሰኑይ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓያሎ ኣባላት ኣመሪካ ድሕሪ ምቝሳሎም ንሓይልታት ኣመሪካ ንምክልኻልን ኣብ ልዕሊ ኣባላታ ንዝፍጸም ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ንምምካትን "ብዝመረጽዎ ኣገባብን ቦታን" ኣብ ዝውሰዱ ስጕምትታት ከምዝተዛተዩ’ውን ሓቢሩ።

ብሊንከን ኣቐዲሙ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰበስልጣን "ኵሎም ወገናት ነገራት ካብ ምጕህሃር ክቝጠቡ ኣለዎም ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ዳርጋ 24 ሰዓታት ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማሲ ተዋፊሮም ኣለዉ" ክብል’ዩ ተዛሪቡ።

"ምጕህሃር ንዝዀነ ኣካል ዘርብሕ ኣይኰነን። ዝያዳ ግጭት፡ ዝያዳ ዓመጽ፡ ዝያዳ ዘይውሕስነት ጥራይ እዩ ዘስዕብ።"

ንሱ ወሲኹ፡ ተዅሲ ደው ምባል "ኣብ ቓዛ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት እቲ ግጭት ክዝርግሓሎም ዝኽእል ከባቢታት እውን ዘላቒ ህድኣት ንኽህሉ ዕድላት ክኸፍት'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ኵሎም ወገናት ከኣ ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታትን መዓልታትን ቅኑዕ ምርጫታት ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ ባይደን ኣቐዲሙ ምስ ንጉስ ዓብደላ ዳግማዊ ዮርዳኖስ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ።

ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ፡ "ብቕልጡፍ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲን ምፍታሕ ጅሆን ሓዊሱ ዞባዊ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ" ከምዝተዘራረቡ ኣመልኪቱ’ሎ።

ካብ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ዝተወሃበ ሓበራዊ መግለጺ’ውን "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነዓዓብ ዘሎ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ከበግስ ከምዝኽእል” የጠንቅቕ።

እንተዀነ፡ ኣብ ቓዛ ንምቍራጽ ተዅሲ ተስፋ ዝተገብረሉ ዝርርብ ድሕሪ ቅንጸላ ሃኒያ ተኾሊፉ’ሎ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከኣ ፉኣድ ሹከር ዝተባህለ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተቐቲሉ።

ሃኒያ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ምብጻሕ የካይድ ዝነበረሉ እዋን ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ይገልጽ።

እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ወግዓዊ ርእይቶ ኣይሃበትን። እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ብድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንውክልና ጕጅለታት ኢራን “ዝጭፍልቕ መጥቃዕቲ” ከምዘውረደት’ዩ ኣፍሊጡ።

ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድሕሪ እቲ ኣብ ሊባኖስን ኢራንን ዝተፈጸመ ቅትለት፡ እስራኤል "ኣብ ምቹእ ግዜ፡ ቦታን ኣገባብን ከቢድ መቕጻዕቲ" ከም እትረክብ ክሕነይ እንከሎ፤ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ድማ እቲ ግጭት ናብ "ሓድሽ ምዕራፍ" ኣትዩ ኣሎ ምባሉ ይዝከር።

ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ሕዝቦላህን ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።

ትማሊ ሰኑይ ዮርዳኖስ ንዅለን ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ዝዓልባ መንገዲ ኣየራት ንተወሳኺ 45 ደቓይቕ ዘጽንሕ ነዳዲ ክስከማ ሓቲታ’ላ። እዚ ስጕምቲ እዚ ዮርዳኖስ ዞባዊ ግጭት እንተጋጢሙ ክሊ ኣየራ ክትዓጽዎ ንኸይትግደድ ጥንቃቐ ንምሃብ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን።

ጀርመናዊ መገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ናብ ተልኣቪቭ፡ ቴህራንን በይሩትን ዝገብሮ ዝነበረ ኵሉ በረራታት ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኣመሪካ ደልታ'ውን እንተወሓደ ክሳብ 31 ነሓሰ ናብ ተልኣቪቭ ዝገብሮ በረራታት ደው ኣቢሉ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ብሮኬት ከምዝተፈጸመ ብዝግመት መጥቃዕቲ ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ቆሲሎም ኣለዉ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ መን ኣሎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ዛጊት ኣይገለጹን።